Business is booming.

ጽምብላሊዕ ዓሳ

ሓጐስ ዘርኦም

ሰለስተ ርብዒ ዓለምና ብማያዊ ኣካል ዝተሸፈነት እያ። ንቑጽ መሬት ብዝተፈላለዩ እንስሳታትን ኣትክልትን ዝመልአ ኽኸውን ከሎ፡ ማያዊ ኣካል ከኣ ካብኡ ብዝተዓጻጸፉን ዝተፈልዩን ኣትክልትን እንስሳታትን ዝመልአ እዩ። ከም’ቲ ኣብ መሬት እንርእዮም ዝተፈላለዩ ጫካታት ኣግራብን ዝተፈላለዩ ካልኦት ኣትክልትን፡ ኣብ መዓሙቕ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን እውን ብዙሓት ጫካታት ኣትክልቲ ባሕሪ፡ ሳዕሪ ባሕርን ዕንባባታት ባሕርን ይርከቡ። ዓሰርተ ዕጽፊ ናይቶም 10 ሰዓት ኣብ ሓደ ጫካ ተጓዒዝካ ክትርእዮም ትኽእል እንስሳታት፡ ኣብ ዕምባባታት ባሕሪ ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቕ ጥልቃ ብምግባር ክትረኽቦም ትኽእል። ኣብ’ዚ ናይ ባሕሪ ጫካ ዝተፈላለዩ ዓጻማትን ዘይዓጻማትን እንስሳታትን ብብዝሒ ይርከቡ። ካብቶም ዓጻማት እንስሳታት ብብዝሒ ካብ ዝርከቡ ዓሳታት እዮም።

ዓሳታት ዕንባባታት ባሕሪ እቶም ዝመልክዑ ዓጻማት እንስሳታት ናይ’ዛ እንነብረላ ፕላኔት ኮይኖም ዝተፈላለዩ ዓሌታት የጠቓልሉ። ኣብ’ዞም ዓሳታት ዘሎ ፍልልይ ናይ ቅርጺ፡ ግዝፊ፡ ሕብሪ፡ ጠባይን ዝሕዝዎ ኣከባብያዊ ስፍራን ነቲ ዕንባባ ባሕሪ ዝያዳ ስሕበት ይፈጥረሉ። ግዝፊ ናይቶም ብጽሕና ዝኣኸሉ ካብቶም ትሕቲ 1 ሰ.ሜ ዝቑመቶም ጎቢስ ክሳብ’ቶም ልዕሊ 9 ሜትሮ ዝቑመቶም ዝዓበዩ ነብራዊ ፐችካነ ይዝርግሑ። ገለ ካብ’ቶም ክሳብ ሕጂ ተለዮም ዘለዉ 15,000 ዝኾኑ ዓሌታት ናይ ጨዋም ማይ ዓሳታት 30% ኣብ ዕምባባታት ባሕሪ ይቕመጡ። ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ዓሳታት ዕmባባ ባሕሪ ብ30 እንዳታት (families) ዝተዓብለሉ እዮም። ሓደ ካብኦም ‘’እንዳ ናይ ጽምብላሊዕ ዓሳ’’ እዩ።

ጽንብላሊዕ ዓሳ ደቀቕቲ፡ ብኽልተ ጎድኖም ጸፋሕቲን ብዝተፈላለየ ሕብሪ ዘጌጹን እዮም። ዝበዝሑ ካብኦም ብግዜ ቀትሪ ንጡፋት ኮይኖም ኣብ’ቲ ዝለምለመ ክፋል ዕምባባ ባሕርን ዝተፈላለዩ ደቀቕቲ ዘይዓጻማት እንስሳታት ባሕሪ ይምገቡ። ጽምብላሊዕ ዓሳ ኣብ ትሮፒካዊ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ይነብሩ። ዝተፈላለዩ መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ እዚ እንዳ ሓደ ካብ’ቶም ብብዝሒ መጽናዕቲ ዝተኻየደሎም ዓሳታት ዕምባባታት ባሕሪ እዩ። ንዝርግሐኦም፡ ኣመጋግበኦም፡ ኣጠቓቕማ ጸጋታትን ማሕበራዊ ኣነባብርኦምን ዝምልከት ገለ ካብ’ቶም ብብዝሒ ዝተጸንዑ እዮም። ዋላ’ኳ ኣብ ባዮሎጂያውን ኣከባብያውን ብዙሕ መጽናዕቲ እንተተኻየደ ኣብ ብዝሖም ዘሎ ለውጢ ግን ኣዝዩ ውሑድ መጽናዕቲ እዩ ተኻይድሉ።

ባነር ፊሽ ሓደ ካብቶም ብጽምዲ ዝነብሩ ጽንብላሊዕ ዕሌት ዓሳ

ክሳብ ሕጂ ብዓለም ደረጃ ከባቢ 116 ዓሌታት ጽምብላሊዕ ዓሳ ተለልዮም ኣለዉ። ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ከም ዘነጽሮ ኣብ ህንዳውን ሰላማውን ውቅያኖስ ብስነ-ህይወታዊ ብዙሕነት ናይዞም ዓሳታት ሃብታም ዝኾነ ማያዊ ኣካል እዩ። ካብ’ዚ ከባቢ እናረሓቕካ ኣብ ትኸደሉ፡ ብዙሕነቶም እናነከየ ይመጽእ። ካብ’ዚ እንርድኦ ዓሳታት ዕምባባታት ባሕሪ ምስ ዝርግሐ ዕምባባ ባሕሪ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ እዩ። ዝርግሐ ዕምባባ ባሕሪ ምስ ልዑል ሙቐት ዘለዎ ኣከባቢ ዝሳነ እዩ። ስለዚ እዞም ዓሳታት እዚኣቶም ካብ ትሮፒክስ ክሳብ ቅናት ምድሪ ዘሎ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ይነብሩ። ብዕምባባ ባሕሪ ዘጌጸ ኣከባቢ ብብዝሒ ጽምብላሊዕ ዓሳ ይርከቡ። ይኹን’ምበር ብዝሒ ናይ ሓደ ፍሉይ ዓሌት ኣብ ዝርግሐ ውሱናት ዘርኢ ዕምባባ ባሕሪ እዩ ዝምርኮስ። ናይ’ዚ ምኽንያት ብዝሒ ናይ ዝተፈላለዩ ጽምብላሊዕ ዓሳ ኣብ’ቶም ዝምገብዎምን ከም መዕቆቢ ዝጥቀምሎምን ዓይነት ዕምባባ ባሕሪ ዝምርኮስ ብምዃኑ እዩ። ዝተፈላለዩ ዓሌታት ጽምብላሊዕ ዓሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዕምባባ ባሕሪ ይምገቡን ይምርኮሱን። በዚ ምኽንያት ከኣ ከም ሓበርቲ ጥዕና ኣኻውሕ ዕንባባታት ባሕሪ ይውሰዱ።

ኣብ 2005 ዓመተ ምህረት ብዶክተር ዘካርያ ዓብደልከሪም ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ 11 ጅራት ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ንኹሉ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ንምጥቕላል ልዑል ባጀትን ግዜን ስለዝሓትት ናይ መወዳእታ ቁጽሮም ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል። ንሳቶም ከኣ ሰሜናዊ ክፋል፡ ደቡባዊ ክፋልን ማእከላይ ክፋልን እዮም። ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ሰሜናዊ፡ ደቡባዊንን ማእከላይ ደሴታት ዳህላክን ተባሂሉ ከኣ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ይምቀል። ብዙሕነት ናይዞም ጅራት ካብ ሓደ ክፋል ናብ ካልእ ክፋል ዝተፈላለየ እዩ። ኣብቲ ሰሜናዊ ክፋል ሸሞንተ ጅራት ክርከቡ ከለዉ፡ ሽዱሽተ ኣብ ማእከላይ ክፋል፡ ትሽዓተ ከኣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ተመዝጊቦም። ገለ ጅራት ከኣ ኣብ ሰለስቲኡ ክፋል ይርከቡ።

ጽምብላሊዕ ዓሳ ናብ ባይታ ባሕሪ ቀሪቦም ዝነብሩ ኮይኖም ብግዜ ቀትሪ ይምገቡ። ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ከም ዝሕብሩዎ ብኣመጋግባኦም ኣብ ዕምባባ ባሕሪ ጥራይ ዝምገቡ፡ ኣብ ዘይንቀሳቀሱን ኣብ ውሱን ኣከባቢ ዝነብሩ ዘይዓጻማት ህይወታውያን ባሕሪን ዝምገቡ፡ ኣብ ተንቀሳቐስቲ ዘይዓጻማት ህይወታውያን ባይታ ባሕሪ ዝምገቡ፡ ሓፈሻዊ ዝረኸቡዎ ዝምገቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ተንሳፈፍቲ ደቀቕቲ ህይወታውያን ባሕሪ ዝምገቡ ተባሂሎም ኣብ ሓሙሽተ ምድብ ይምደቡ። ዝበዝሑ ዓሌታት እዞም ጅራት ኣብተን ክልተ ቀዳሞት ምድባት ይምደቡ።

ኣመገግባኦም ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኦም’ውን ይፈላለ እዩ። ንኣብነት ብዕምባባታት ባሕሪ ሃብታም ዝኾነ ማያዊ ግዝኣት ኣውስትራልያ ዝርከብ ስፍራ (Great barrier reef) ዝነብሩ ጽምባሊዕ ዓሳ 80% ኣብ ዕምባባ ባሕሪ ክምገቡ ከለዉ፡ ኣብ ምዕራባዊ ናይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከኣ እቲ ቁጽሪ ናብ 72% ይወርድ። ብተማሳሳሊ ኣብ ከባቢ ሃዋይ ከኣ 60% እዩ። እዞም ዓይነት ዓሳታት እዚኦም ብውልቂ፡ ብጽምዲ ከምኡ’ውን ብጉጅለ ኪነብሩ ይኽእሉ። እቲ ነዚ ዓይነት ኣነባብራ ዝዕድሞም እቲ ናይ ኣመጋግባኦም ባህሪ እዩ። በዚ መሰረት እቶም ኣብ ዕምባባ ባሕሪ ዝምገቡ ብጽምዲ ክነብሩ ከለዉ፡ ኣብ ተንሳፈፍቲ ደቀቕቲ ህይወታውያን (planktons) ዝምገቡ ከኣ ብጉጅለ ይነብሩ።

ስርዓተ መፍረ ጽምብላሊዕ ዓሳ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ይካየድ። እዚ ማለት ኣንስተይትን ተባዕታይን ኣካላዊ ምትንኻፍ ብዘይምክያድ ዘርኦም ኣብ ማይ ባሕሪ ብምሕዋስ ከም ዝዋሰብ ይገብርዎ። ድሕሪ’ዚ ዘርኢ ተባዕታይ ዝረኸበት እንቛቚሖ ክሳብ ትኖቑሕ ኣብ ማይ ተንሳፍፍ። እንቛቚሖ ምስ ተጸፍየ ድቂ ንኽነቊሕ ሳላሳ ሰዓታት ይወስደሉ። ብድሕሪ እዚ እቶም ዝነቚሑ ኣብቲ ላዕለዋይ ቀጸላ ማይ ከንሳፍፉ ድሕሪ ምጽናሕ ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ኣርብዓ መዓልታት ናብ’ቲ ዓበይቲ ዝነብሩሉ ባይታ ዕምባባታት ባሕሪ ይሕወሱ። ዝነቚሑ ዓሳታት ብዘይ ዝኾነ ክንክን ናይ ወለዶም ይዓብዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ ደረጃ ብጽሕና ይኣትዉ። ብካልኦት ዓሳ ናይ ምህዳኖም ተኽእሎ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ከሎ፡ እንዳ ዓበዩ ምስከዱ ብመጠኑ እናጐደለ ይመጽእ።

ብዛዕባ ዝጸንሑሉ ንውሓት ግዜ (ዕምሪ) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ማይ (aquarium) ኣብ ዝነብሩ ዓሳ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ ዝነውሐ ዕድመ 25 ዓመት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ባህርያዊ ቦታኦም ናይ ዝነብሩ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከኣ፡ ብውሑዱ 6 ዓመት ከምዝጸንሑ ተፈሊጡ። ብጽምዲ ዝነብሩ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዓሰርተ ዓመት ክነብሩ ይኽእሉ። ናይ ጽምብላሊዕ ዓሳ ምስ ካልኦት ዓሳታት ዕምባባታት ባሕሪ ክነጻጸር ከሎ ዝሓጸረ ዕድመ ኣለዎም። ንኣብንት ሰርጅዮን ዓሳ (surgeonfish) ን35 ዓመት ሕንጻይ ዓሳ (parrotfish) ድማ ን50 ዓመታት ይነብሩ።

ዝተፈላለዩ ዓሌት ዓሳታት ዕምባባ ባሕሪ

ከም ኩሎም ህይወታውያን ባሕሪ ጽንብላሊዕ ዓሳ ኣከባብያውን ቁጠባውን ረብሓታት ኣለዎም። እዞም ዓሳታት እዚኣቶም ኣብ ስርዓተ ኣከባቢ ዓቢ ተራ ይጻወቱ። ብዝሕን ዋሕድን ህላወ ጽንብላሊዕ ዓሳ ከም መሐበሪ ጥዕና ናይቲ ዝነብርሉ ኣከባቢ የገልግል። ብብዝሒ ጽንብላሊዕ ዓሳ ዘለውዎ ዕንባባታት ባሕሪ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ የርእየና። ብቁጠባዊ መለክዒ እንተርኢናዮም ከኣ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ሕብረተሰብን ሃገርን ብኽልተ መዳይ ዓቢ ተራ ይጻወቱ።

  1. ኣብ ጽባቐ ዕምባባታት ባሕሪ ብዘለዎም ተራ ዓቢ ቱሪዙማዊ ስሕበት ኣለዎም።
  2. ብዓለም ደረጃ ዝተፈላለዩ ኣብ ማይ ዝነብሩ ኣትክልትን እንሳታትን ባሕሪ ኣብ ገዛ ከም መጋየጺ ይጠቕሙ።

ነዚ ንምትግባር ዝተፈላለያ ትካላት ንግዲ ነዞም ዓሳታት ብምግፋፍ ዓቢ ንግዲ የካይዳ። ጽንብላሊዕ ዓሳ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ንግዲ’ዚ ዓቢ ተጠላብነት ዘለዎም እዮም። ብ1985 ዓ.ም ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ኣብ ዓመት ኣብ ሞንጐ 40 ሃገራት ካብ 24-40 ሚልዮን ዶላር ምልውዋጥ ዕዳጋ ይካየድ።

እዚ ንግዲ፡ ኣብ ማይ ዝነብሩ ዓሳ (aquarium fish trade business) ይበሃል። እዚ ንግዲ ኣብ ኤርትራ ካብ 1995 ጀሚሩ ክሳብ 2010 ቀጺሉ። ኣብ’ዚ ንግዲ ዝተፈላለዩ ዓሳታት ዕምባባ ባሕሪ ይግፈፍ ነይሩ። ጽንብላሊዕ ዓሳ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝግፈፉ ዝነበሩ እዮም። ነዚ ንግዲ ዘካይዳ’ውን ኣርባዕተ ትካላት በጺሐን ነይረን። ክሳብ 2010 ምስ ቀጸላ ግን ብይዘተፈልጠ ምኽንያት ኣቋሪጸን። እዚ ንግዲ እዚ ኣሉታውን ኣወንታውን ጐድኒታት ኣለውዎ። እቲ እወንታዊ ጐድኑ ኣብ ቁጠባ ሕብረተ- ሰብን ሃገርን ዓቢ ተራ ይጻወት። ኣብ ምምሃርን ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምዕባይን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ኣለዎ። በቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ድማ፡ ብቕርዑይ ኣገባብ እንተዘይተገፊፎም ዕንወት ስነ-ኣከባብን ምብራስ ሰፈራታቶምን የጋጥም፡ ብዓቢኡ ድማ ብልዑል ዓቐን ብምግፋፍ ህላወ ናይዞም ኣገደስቲ ዓሳ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ። ስለዚ ንመጻኢ ወለዶ ብዘውሕስ መንገዲ ክንጥቀመሎም ውሕሉል ዝኾነ ምሕደራ ክነተኣታቱ ይግባእ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More