ዛንታ ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ይግለጽ እዩ። ታሪኽ ሃገርን ህዝብን እውን ከምኡ። ብሕልፊ ድማ ብዕላልን ብጽሑፍን። ከም ደቂ ሰብ መጠን፡ ከከም ናይ ምዝካር ክእለትና፡ ኣብ እነዘንትወሉ ግዜ፡ ቦታ፡ ሰባት፡ ግዜ. . . ክንርስዕ ወይ ድማ ከነዛብዕ ዓቢ ተኽእሎ’ዩ ዘሎ። ምውሳኽ ወይ ምጕዳል ሓበሬታ’ውን ከም ንቡር ክንወስዶ ንኽእል። ብሕልፊ ኣብ እዋኑ ዘይተሰነደ ሓበሬታ፡ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ንኽኸ’ውን ከቢድ ጻዕሪ ከም ዘድልዮ ንማንም ክዉል ኣይኰነን። እንተ ስእሊ ግን፡ ትኽክለኛ ቦታ፡ ሰባት ወይ ፍጡራት፡ ስምዒት. . . ብዘይጎደሎ ናይ ምግላጽ ሓይሊ ኣለዎ። ስእሊ፡ በዚ ናይ ዘበንና ቴክኖሎጂ ምምልኻዕ፡ ወይ ምምሕያሽ (ንጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ወይ ንሕማቕ) መልክዑ እንተ ዘይቀይሩ፡ ናይ ህንካን ሃባን ጭብጢ ዝሓዘለ ምስክር’ዩ። ማለት፡ ኣብ ስእሊ ምሕሳው ይኹን ምትላል የለን።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ኤክስፖ ካብ ዝቐረቡ ምርኢታት፡ እቲ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ዜናን ዝቐረበ ምርኢት ስእሊ መሳጢ ምንባሩ ብዙሓት ነጋድያን ካብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ምግንዛብ ይከኣል። ለበዋኦም’ውን፡ እዋናዊ ምርኢት ኣሳእል ክሰፍሕን ኣብ ብዓላት ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ እዋን ክቐርብን ከም ዝግባእ’ዩ ነይሩ።
እዞም ኣብ’ዚ ምርኢት ዝቐረቡ ኣሳእል፡ ታሪኽ መኸተ፡ ታሪኽ ጻዕሪ፡ ታሪኽ እከይ ግብሪ ጸላእቲ፡ ታሪኽ ስጡም ጥምረት ህዝብን ሰራዊትን . . . ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቖፈ ብምዃኑ፡ ብሓቂ ዋንነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣብ’ተን ሸሞንተ ናይ ምርኢት መዓልታት ተጋሂዱ’ዩ። ዳርጋ ኩሉ’ቲ ኣብ ምርኢት ዝተሳተፈ ተዓዛባይ፡ እንተስ ብቐጥታ፡ እንተስ ብተዘዋዋሪ፡ ምስ ገለ’ቲ ዛንታ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ተዓዚብና። ንስድራ-ቤታት፡ መማህርቲ፡ መተዓልምቲ፡ መሳርሕቲ፡ ደቂ ኣሃዱ. . . ብስእልን ጋህድን ዘራኸበ ህይወት ዘለዎ ምርኢት። ብብዓቢኡ ድማ፡ ነብሲ-ወከፍ ዜጋ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ምስ ሃገሩን ጉዳይ ሃገሩን ዘለዎ ቅርበት ዘመልክት እዩ።
“እዚኣ ጓለይ እያ። ኣብ ሓደ ክፍለ- ሰራዊት ኢና ነይርና” ኢሉና ሓደ ተጋዳላይ ኣቦ ናብ’ታ ኣብ ዋርድያ ኮፍ ኢላ እንከላ ዝተወስደት ስእሊ ጓለንስተይቲ እናመልከተ። “ዋእ. . . እንታይ ትብል?” በልክዎ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝስዕብ ክግምት እናፈተንኩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ‘ትህሉዶ ትኸውን?’ ዝብል ስኽፍታ ነይሩኒ። ደሓን ይእቶ ግን፡ “ኣነ ኣቐዲመ እየ መጺአ። ንሳ ድማ ሎምቅነ ገዛ መጺኣ ነይራ” ምስ በለ፡ ስኽፍታይን ስኽፍታ ብጾተይን ተቐንጢጡ ። ብዛዕባኣን ብዛዕባ ገዛእ- ነብሱን ኣዕሊልና። ጓሉ ንኹሉ ቃልሲ መኪታ እጃማ ከተበርክት ብምኽኣላ ኣዝዩ ከም ዝሕበን ገሊጹልና።
ሓንቲ መንእሰይ’ውን፡ ምስ’ቲ ዓጒጉ ስእሊ ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢ ክትኮልል ጸኒሓ፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ግዜ ወራር ስርዓት ኢትዮጵያ 1988 ዝተወስደት ስእሊ ምስ በጽሐት ደው ኢላ ብኣትኩሮ ትጥምት ነበረት። ጸኒሕ ኸኣ፡ ብዘይድምጺ ንብዓታ ጀረብረብ ከተብሎ ከላ ተዓዘብናያ።
እዛ መንእሰይ፡ ገለ ዝትንክፋ ዝኽሪ ከም ዝህልዋ ዘይግመት ኣይነበረን። ‘እንታይ ኰን ርእያ ትኸውን?’ እናበልና ተጸቢናያ። ክንፈልጥ ስለ ዝደለና ድማ ቍሩብ ምስ ተረጋግአት ተወኪስናያ።
“ስዉእ ሓወይ’ዩ። ሃንደበት ኣብ’ዚ ምስ ረኣኹዎ’የ ከም ገለ ዀይነ በለትና። “ክገርመኩም ኣብ ገዛና ዋላ ሓንቲ ንመዘከርታ ዝኸውን ስእሊ የብልናን፡ ስእሉ ኣብ’ዚ ምርኣየይ ንዓይ ፍሉይ ነገር እዩ” እውን ወሰኸት። ቀስ ብቐስ ዕላል ቀጺልና። “ስድራ ክርእይ ኢሉ’ዩ ካብ ደገ መጺኡ። ኣብ’ቲ እዋን፡ ሻድሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይብገሱ ስለ ዝነበሩ፡ ክምለስ እናተገበኦ ከሎ “ሃገራዊ ኣገልግሎተይ ወዲአ ክኸይድ ኣሎኒ” ኢሉና። ካልእ መደባቱ ኣቋሪጹ ናብ ሳዋ ተበጊሱ። ጉዳይ ሃገር ኰይኑ ግን ከም’ቶም ዝሓለፉ ሓሊፉ” ክትብል ምስናይ ንብዓታ ኣዕሊላትና።
ስእሊ ሓቀኛ ምስክር እዩ። ብኣዒንትኻ እትርእዮ መርትዖ። ኣዘንታዊ እንተ ረኺቡ፡ ባሕሪ ዝዀነ ዛንታታት ሓዚሉ ይነብር። ቦታ፡ ኩነታት፡ ሰባት፡ ፍጻመ፡ ስምዒት. . . ኣብ ውሽጡ ኣሎ። ብፊደላት ዘይተጻሕፈ ዛንታ። ስለዝዀነ ድማ፡ ከም’ቲ ኣዳለውቲ ናይ’ቲ መደብ “መጻሕፍቲ ኢና ኣቕሪብና ዘለና” ዝበሉዎ፡ ብሓቂ መወዳእታ ዘይብሉ ዛንታ ኣብ’ዚ ኣሳእል ተዓቚሩ ኣሎ።
ካብ ደገ ዝመጽአት መንእሰይ፡ ንስእሊ ናይ’ቶም ኣብ ምክልኻልን ምዕቃብን ሃገር ዘለዉ መንእሰያት እናረኣየት ከላ፡ ንብዓታ ይወርድ ነበረ። ዕድመኦም፡ ጉዕዞኦም፡ ድኻሞም፡ መውጋእቶም. . . ተዓዚባቶ። ማዕረኡ ድማ ኣብ’ቲ ጽንኩር ግዜ ንሳ ዘይትጽበዮ ፍሽኽታ ርእያትሎም። ኣድኒቓቶም። ነቲ ስምዒታትን ጅግንነትን ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሓዘለ ስእሊ ብምርኣይን ብምንባብን ጥራይ ኤርትራዊት ብምዃና ተሓቢና። እዛ መንእሰይ፡ ዳርጋ ካብ’ቲ ድምጺ ሓንቲ ጥይት እንተ ተሰሚዑ ሃገር ምሉእ እተናውጸሉ ሰላማዊ ሃገር ዝመጽአት እያ። ንዓኣ፡ ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ምርኣይ ማለት፡ ምናልባት ገሃነም ኣብ ምድሪ ከም ዝወረደ ዀይኑ ይስመዓ ይኸውን።
እንታይ ከም ዘንብዓ ሓቲትናያ። “ነዞም መንእሰያት ምስ ረኣኹ እየ ነቢዐ። እዞም መንእሰያት ከማእይ እኮ’ዮም። ኣብ ሃገርና ውግእ ከም ዘሎ፡ መኸተ ከም ዝካየድ ይንገረና እዩ። ግን ከም’ዚ ኣይመስለንን ነይሩ። እዞም መንእሰያት ጀጋኑ እዮም . . .” ክትብል፡ ፍጹም ዘይተጸበየቶ ምዃኑ ደጋጊማ ነጊራትና። ምናልባት ውግእ ማለት ከም’ቲ ናይ ስፐይን ብኮሚደረ ምትህርራም ዝዓይነቱ ገይራ ትወስዶ ነይራ ትኸውን። ወይ እውን ከም’ቲ ብዙሕ ውጽኢት ዘይርከቦ ናይ ኣህዛብ ሰላማዊ ሰልፊ። ኣብ ዘላቶ ሃገር፡ ብዛዕባ ሃገራን ጅግንነት ደቂ ዓዳን ዝነገሩዋ ሰባት፡ ብልክዕ ከረድኡዋ ኣይከኣሉን ማለት እዩ። “ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ፡ ከቢድ ምዃኑ ሕጂ እየ ተረዲአ። ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ብዓቕመይ ክገልጸሎም ድልየት ኣሎኒ” ክትብል ከኣ ሓላፍነት ከም ዝስመዓ ገሊጻትልና።
ስእሊ መቸም ካብ ኣእምሮኻ ብንውሓት ግዜ ድዩ ብኻልእ ምኽንያት ንዝሃሰሰ ዝኽርታት ናይ ምዝኽኻር ሓይሉ ልዑል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ልክዕ ቦታን ምስ ልክዕ ሰባትን ስለ ዘራኽብ።
ሓደ ተጋዳላይ “እዛ ቦታ፡ ኩስቶ ድያ ትበሃል?” ክብል ሓተተና። ልክዕ ከም ዝዀነ ነጊርናዮ። ኣስዒቡ “ኣብ 1983 ካብ ባድመ ናብ ፎሮ ብእግሪ እናተጓዓዝና ኸለና፡ ብገለ ዓድታት ኣብ ዝሓለፍናሉ ህዝቢ እንጣጢዕ ሂቡና። ነዊሕ ተጓዒዝና ኣብ’ዛ ቦታ ምስ ኣዕረፍና፡ ዓማቝ እምኒ ረኺብና ነቲ እንጣጢዕ ኣብኡ በጽቢጽና ተመጊብና። ዝነበረና ቅጫ ውሑድ ስለ ዝነበረ ግን፡ ፍርቁ እቲ ዝበጽበጽናዮ እንጣጢዕ ኣብኡ ገዲፍናዮ ጕዕዞና ቐጺልና። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኣቢሉ ክንምለስ ከለና፡ ነቲ ጸይርናዮ ዝመጻእና ቅጫ ወዲ ዓከር መኻፈዪ ዝኸውን ዝዀነ ይኹን ነገር ስለ ዘይነበረና፡ ብማይ ኣኻፊና ክንምገብ ኢልና ናብ’ቲ ሩባ ወሪድና። ሽዑ ሓደ ካብ ብጾትና ኣብ’ቲ ሩባ ምስ ኣዕረፍና፡ ‘ንዑ በሉ እንጣጢዕ በጽቢጸ ኣለኹ ቅጫኹም ሒዝኩም ምጽኡ’ ይብለና። ካበይ ከም ዘምጸኡ ሓቲትናዮ። ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ እዋን ቍሩብ ከም ዘትረፈ ነጊሩና። ምስ ዝቐነናዮ ድኻምን ጽምእን፡ መውረዲ ብምርካብና ተሓጒስና። ኣብ’ታ ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢልና ክንሓልፍ ከለና ዝተመገብናላ እምኒ ኣዳልዩዎ ጸኒሑና።
ተመጊብና ጕዕዞ ምስ ጀመርና፡ ወዮ ብጻይና፡ እቲ ገዲፍናዮ ዝኸድና እንጣጢዕ ኣብ’ታ እምኒ ነቒጹ ምስ ጸንሖ፡ ከይረኣናዮ ደቊሱ ብማይ በጽቢጹ ከም ዘብላዓና ነጊሩና። ዝገርም ነገር፡ እንጣጢዕ ከም ተኣፋፊ መግቢ እዩ ዝቝጸር። ኣብ ጸሓይን ንፋስን፡ እሞ ድማ ዝዀነ እንስሳ ክለኽፎ ኣብ ዝኽእል በረኻ ጸኒሑ ክነሱ፡ ምስ ተመገብናዮ ዋላ ሓንቲ ዘይምዃንና እዩ” ክብል፡ ብተመስጦ ናይ ዝኽሪ ኣዕሊሉና።
ሓንቲ ካብ ስእልታት ናይ’ቲ መርኢት፡ ብሬን ዝተሓንገጠ መንእሰይ ኣብ ጕዕዞ ከሎ እተርኢ እያ። እዚ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል፡ ብዙሕ ጽንኩር ኩነታት ሰጊሩ፡ ገና እውን ነቲ ዝቕጽል ዕማም ክፍጽም ኣብ ጕዕዞ ከሎ እያ እተርኢ። ብርግጽ ኣብ ወጅሁ ረሃጽን ድኻምን ይንበብ እዩ። እንተ ዀነ ግን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ናይ ድኻም ስምዒት ዝተለጠፈ ሃሳስ ክምስታ፡ ዘሕልፎ ዘሐብን መልእኽቲ ኣለዎ። ኣብ ወጅሁ ርእሰ-እምነት ኣሎ። ጋህዲ ዝዀነ ተስፋን ሓቦን ይንበብ። በቲ ዝሓለፎ ጽንኩር ጕዕዞ ከም ዘይተሰነፈን፡ ኣብ ዝተተለመሉ ምዕራፍ ብምብጻሕ ዕማሙ ከም ንኽፍጽም ድሉው ምዃኑን ኩለንትናኡ ይነግር።
ብኣጠቓላሊ፡ ምርኢት ስእሊ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ዜናን፡ ካብ ፈለማ ምጅማር ፈስቲቫል 2023 ክሳብ ምዝዛም፡ ብመሰረት ኣዳለውቲ ዝሃብዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ ካብ ዘሎ ህዝቢ ልዕሊ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓለቲ 20,000 ሰብ እናበጽሖ ተዛዚሙ። ካብ ተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ውሑዳት ዘይኰኑ ወጻእተኛታት እውን፡ ብጥልቀት ተዓዚቦሞን ኣድናቖቶም ገሊጾምን።
ከም ርእይቶ ተዓዘብቲን፡ ኣገዳስነቱን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር፡ ኩሉ ህዝቢ ክርእየሉ ዝኽእል ዕድላት ምጥጣሕ የድሊ እዩ ንብል።