ፈለማ፡ ምስ’ቶም ቀዲሞም ሓጎሶም ዝገለጹ ብምጽንባር፡ ንዓኻ ክቡር ፕረዚደንትን (ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ) ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ‘ብሪክስ’፡ መበል 15 ዋዕላ ከተቃንዑ ብምብቃዕኩም እንቋዕ ኣሐጎሰኩም እብል።
ንህዝቢን መንግስቲን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስለ’ቲ ዝናውን ምውቕን መስተንግዶኹም ዓሚቚ ምስጋና።
እዚ ዋዕላ’ዚ፡ ግሎባዊ ማሕበረሰብ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣብ ዝርከበሉ ወሳኒ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ ነጊሱ ዘሎ ሓቛፊ ዘይኮነ፡ ዘየቃዱ፡ ኢፍትሓዊ ሕግታትን መምሪሕታትን ዝሕላገቱ ዓለማዊ ምሕደራ፡ መንቅባቱን ሕጽረታቱን ምግናን ዘየድልዮ ጉሉሕ ጭብጢ እዩ።
ኣመሪካ እትመርሖ ጸቢብ ናይ ፍሉያት ልፍንቲ (ፓክስ ኣመሪካና) ንኣስታት ሓደ ዘመን፡ ሓባራዊ ግሎባዊ ዕብየት ዝዓንቀጸ ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ እዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክልተ ቊጥባውነት ኣጋፊሩ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት እንኮ ቊጥባውነት ንምስግዳድ ዝተኻየደ ሃቐነ፡ እልቢ ዘይብሉ ሕልኽላኽ ግጭታትን ዘይምርግጋእን ኣኸቲሉ።
ሓባራዊ ረብሓን ባህግን ዝሰረቱ ትርጉም ዘለዎ ሽርክነት ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን፣ ኣብ ምዕሩይ ጽንባረን ፍትሓዊ ምቅሊት ሕብስተ-ሃገርን ዝምርኰስ ማሕበራዊ ስኒት መጣምሩ ሕብረተሰብ ፈጢርካ ግሎባዊ ግስጋሰ ንምዕራግ ዝነበረ ዕድላት፡ ንዋያ ገይሩዎ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዘመናት ዝተመዝገበ ድንቂ ቴክኖሎጂያዊ ገስጋስ፡ ብቕኑዕ ስነ-ምግባር ዓይነት ህይወት መላእ ወዲ-ሰብ ክልውጥን ንሓባራዊ ዕብየት ከገልግልን ዓቢ ተኽእሎ ነይሩዎ እዩ።
እንተኾነ፡ ኣብዚ መበል 11 ሰዓት ከይተረፈ፡ እቶም ኣውራ ተሓለቕቲ ዕብለላ፡ ዓለምና ናብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ክትሽመም ይደፍኡዋ ኣለዉ።
ነቲ ብኣመሪካን ኔቶን ዝምራሕ ኲናት ኡክራንያ ንምጉሃር ዝርአ ዘሎ ልጓም ኣልቦ ዕርገት ወጥሪ፡ ክትገልጾ ዘጸግም ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ከኸትል ዝኽእል እዩ።
ኣመሪካን ሰብ ኪዳናን፡ ሰዓት-ታሪኽ ንድሕሪት ንምምላስን፡ ነቲ ብቓላቶም ዘይደንን ዝብልዎ ‘ግሎባዊ ልዕልናን ዕብለላን’ ንምውሓስ ብሓደገኛ መገዲ ህልኽ፡ ኣብ ፈተነ ቅብጸት ተጸሚዶም ኣለዉ።
በዚ ፖሊሲታት’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ከባቢታት ዓለምን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕቑዳት ዝተራእየን ዝቕጽል ዘሎን ኣዕናዊ ውግኣት፡ ዓቐኑ ይፈላለ ይኸውን እምበር ብድምር ዘኸትሎ ዘሎ ዕንወት እምበረ መጠን ገዚፍ እዩ። ኣብ ኒጀር ዘሎ ኩነታት መርኣያ ጥራይ እዩ – መርኣያ ዘመናዊ ጊልያነት። ኩሉ’ቲ ንኤውሮጳ ምንጪ ጸዓት ዝኸውን ዘሎ ማዕድን ‘ኡራንዩም’ ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሱ፡ ምንጪ ኤለትሪክ ናይዛ ዝተሃመሸት ኣህጉር እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ኢና።
ብዛዕባ ኣፈታትሓ ግጭትን ምጽጋን ሰላምን፣ ኩሉ ዝጸሓፍን ኣብኡ ዝነጥፍ ትካላትን ንጎድኒ ኣጸጊዕና፡ ብቐጥታ ይኹን ብውክልና ዝውላዕ ዘሎ ደማዊ ውግኣት፡ ዝበዝሕ ካብኡ፡ መፍትሒ ከይርከቦ ብውዲታት ዝተሓንከረ እዩ። ዓቃብ ሰላም ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ወዘተ. ልዑል ግዳሰን ሰሃሮን ከምዘሎ ንምምሳል ዘገልገል መዐገሲ ቃንዛ ጥራይ’ዩ።
ትካላትን ኣዕኑድ ኣምራት ግሎባዊ ምሕደራን ከምኡ’ውን ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ተንጸባሪቑ ዝርከብ መሳጢ መትከላት፡ ዝበዝሕ እዋን ብዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ሽርሒታትን ምስ ተኸርደነ’ዩ። ዓበይቲ ጉዳያት ዓለማዊ ሰላም ኣብ ሕጋውያን ኣህጉራዊ ኣካላት ቀሪቡ ዝርኣዩለን ብይን ዝረኽበሉን ኩነት የለን። ኣብ ክንድኡ ኪዳናትን ጥምረት
ገለ ወገናትን ዓጋቲ ሓይሊ ብምዃን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምጥሓስ ምሩጽ መሳርሒ ኮይኑ ይርከብ።
ዘይሕጋዊን በይናዊን እገዳታት፡ ብኣመሪካ ዝዕብለሉ ፋይናንስያዊ፡ ቁጠባዊን ፍርዳዊን ትካላት ከም ኣጽዋር ምግልጋልን ካልእ ኣብ ማህደሮም ዘሎ መቕጽዒ መሳርሒታትን፡ ትእዛዞም ዘይቅበሉ ወገናት ንምግራፍ ወግሐ ጸብሐ ዝጥቀምሎም እዮም። ሞራላዊ ባይታ ንምርካብ ድማ፡ እዞም ዓምጸጽቲን እኩያትን ፖሊሲታት ብመሳጢ ሓረጋት ተዃሓሒሎም፡ በቶም ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎም ምእዙዛት ሚድያታቶም ብጻዕቂ ይጋውሑ።

የግዳስ፡ ምስዚ ኹሉ ሃልኪ፡ እዚ ማእዝኑ ዝሰሓተ ሓደገኛ ፖሊስታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዓርጣም ህዝባዊ ተቓውሞ እናፈጠረ ይመጽእ ኣሎ።
ውሑዳት ንጎድኒ ኣጸጊዕካ፡ ዝለዓለ ባህጊ ወዲ-ሰብ ብጥቕልሉ፡ ርትዒን ግዝኣተ ሕጊን ዝነግሰሉ፡ ኣብ ምኽባር ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገራት ዝምስረት፡ ንህዝብታት ርህራሀ ዘለዎ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝማእገሩ ፋይዳ ዘለዎ ምዕሩይ ሽርከነትን ምትሕብባርን ዘረጋግጽ ቅኑዕን ፍትሓዊን ግሎባዊ ስርዓት ክህሉ’ዩ።
እዚ ገና ቅርጺ ዘይሓዘ ባህጊን ምንቅስቓሳትን ክጽዒ፡ ኣብ ዝመጽእ ወሰንቲ ዓመታት ልዑል ምውህሃድ ክጠልብ እዩ። ነዞም ክብርታትን ባህግታትን እዚኣቶም ዝቋደሱ ከም ‘ብሪክስ’ ይኹን ካልኦት ኣህጉራዊ ውድባትን መድረኻትን ከኣ፡ ርጡብ ዕላማታትን ስትራተጂታትን ኣነጺሮም ብምቕያስ ሓላፍነቶም ክሰከሙ ይግባእ።
ርጡቡን ሓባራዊ መረዳእታ ዝሰረቱን ቅጥዒ ዝረዓመ ለባም ኣቀራርባ፡ ነቲ ኣብ ማህደሮም ዘሎ እከይ ስጉምቲታት ናይ ጸቕጢ ዓዂሊሉ ከምዘድንኖ ርጉጽ እዩ።
ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ብዝተፈላለየ ሕርያ መጻውርን ፍጥነትን ዝስጉም ዘሎ ምልቓቕ ካብ ዶላር፡ ብቐጻሊ ውህደት ናብ ሓባራዊ ስጉምቲ ኣምሪሑ፡ ግጭታት ከወግድ ዝኽእል ቅዱው ኣህጉራዊ መድረኽ ክፈጥር ዝኽእል’ዩ።
ግጭታት ኣብ ዝነትጒሉ፡ ኣብ ፍትሓዊን ሓቛፍን ውሳነ ዘብጽሑ ኣልያታት ክፍጠሩ ይኽእሉ። ብተመሳሳሊ፡ ዕድላት ውሁድን ኣድማዒን ስጉምቲ፡ ነቲ ዘይዓግብ ጥሙሖም ከርውዩ ዘማዕበልዎ፡ ኣጽዋር ኮይኑ ዘገልግሎም ዘሎ፡ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዘይቃዶ ቄናን ፍርዳዊን ካልእን መሳርሒታት ኣብ ምቕናዕ ልዑል ግደ ክጻወት ይኽእል።
የቐንየለይ!
ጆሃንስበርግ
24 ነሓሰ 2023