Business is booming.

ዋዕላ ‘ብሪክስ’ን መሻርኽቲ ሃገራትን ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ

ጳውሎስ ነታባይ

ኣብ 2006 ብዘይወግዓዊ ርክባት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይ’ተን ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ቅልጡፍ ቊጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን እናመዝገባ ዝመጽኣ – ሩስያ፡ ህንዲ፡ ብራዚልን ቻይናን ከም ሓሳብ ዝነቐለን ዝበሰለን፣ ኣብ 2009 ኣብ የካተሪንበርግ – ሩስያ ብዝተቓንዐ ቀዳማይ ዋዕላ መራሕቲ ድማ ክውን ዝዀነን ‘ብሪክስ’ (BRICS)፡ ኣብ ዓለም ጸንባሪን ማዕርነታውን ስርዓተ-ምሕደራ ክህሉ፣ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካላት ንምምሕያሽ፣ ከምኡ’ውን ድሌታት ኣብ ምምዕባል ናይ ዝርከባ ሃገራት ንምስማር ዝሕግዝ – ዝሓሸ ወካሊ ብዙሐ-ቐጽራዊ ኣህጉራዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ዝነጥፍ ቁጠባዊ ቀጽሪ እዩ።

እዚ፡ ህንዲ ኣብ 2010 ከም 5ይቲ ኣባል ዝተጸንበረቶን፡ ዓመታዊ ዋዕላ መራሕቲ በብእብረ ኣብ ኣባል ሃገራት ዘቃንዕን ውድብ፡ ኣስታት 42% – ማለት 3.2 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም፣ 27% ካብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት – ማለት 40 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎ-ሜተር፣ 18% ካብ ኣህጉራዊ ንግዲ፣ ከምኡ’ውን ኣስታት 23% ካብ ጃምላ ዓለማዊ እቶት ዝሽፍን ኣቃውማ እዩ ጸኒሕዎ። ቀንዲ ዕላማታቱ ድማ፡ ቊጠባዊ ሽርክነት፣ ምወላ መደባት ልምዓት፣ ፖለቲካዊ ውህደት፣ ማሕበራውን ባህላውን ምልውዋጥ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን፣ ዘላቒ ልምዓት፣ ሰላምን ጸጥታን፣ ከምኡ’ውን ሓድሕድ ምትሕግጋዝ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ደቡባዊ ንፍቀ- ክቢ የጠቓልል።

እዚ ብቚጠባዊ ዓቕሚን ጽልዋን እናማዕበለን እናደልደለን ዝመጽእ ዘሎ ቀጽሪ፡ ንጥፈታቱ ንምስላጥን ልምዓታውን ቊጠባውን ርግኣት ንምርግጋጽን፡ ሓድሽ ባንክ ልምዓት፡ ከምኡ’ውን ንዝዀነ እንተታት ዘገልግል ግምጃ ትሕጃ (Contingent Reserve Arrangement) ኣቚሙ ኣሎ። ቊጽሪ ኣባላት እናወሰኸን ኩሉ-መዳያዊ ዓቕሚታቱ እናደለበን ኣብ ዝመጽኣሉ ድማ፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ጸለውቲ ምትእኽኻባት ሃገራት ብምዃን፡ ንሚዛን ሓይሊ ካብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ናብ ደቡባዊ ንፍቀ-ክቢ ብምቕያር፡ ኣብ ልምዓት ንዝርከባ ሃገራት ብሓፈሻ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ኣማራጺ ብምፍጣር፡ ካብ መቚሕ በይናዊ እገዳታትን ፖለቲካዊ ጸቕጥን፡ ከምኡ’ውን ካብ መጻወድያታት ፊናንስያዊ መዋቕር እንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ከላቕቐ ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ።

ኣካይዳ እንኮ-ቐጽራዊ ገባቲ ዓለማዊ ስርዓትን መዝማዚ መሓውራቱን ፍጊዕ ዝበለንን መትከላት ‘ብሪክስ’ ዝማእምአንን – ሃገራት ኣልጀርያ፡ ኣርጀንቲና፡ ባንግላደሽ፡ ባሕሬን፡ ቤላሩስ፡ ቦሊቭያ፡ ቬነዝዌላ፡ ቬትናም፡ ሆንዱራስ፡ ግብጺ፡ ኢራን፡ ኢንዶኔዥያ፡ ኩባ፡ ካዛኽስታን፡ ኩዌት፡ ሞሮኮ፡ ናይጀርያ፡ ስዑድያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ፍልስጤም፡ ሰኔጋል፡ ታይላንድን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ወግዓዊ ናይ ምጽንባር ሕቶ ከቕርባ እከለዋ፣ ሓያሎ ካልኦት ድማ ተገዳስነት ኣርእየን ይርከባ። ስለዝዀነ፡ ጐኒ-ጐኒ’ቲ “ብሪክስን ኣፍሪቃን፡ ሽርክነት ንሓባራዊ ዕብየት፡ ዘላቒ ልምዓትን ጸንባሪ ብዙሓዊ ስርዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 22 ክሳብ 24 ነሓሰ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘአንገደቶ፣ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ናይ ፈለማ ብኣካል ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ መራሕቲ፡ ኤርትራ እትርከበን መሻርኽቲ ሃገራትን ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባትን ዝተሳተፍኦ ኣኼባ ተወዲቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ መራሒ ኣአንጋዲት ሃገርን ኣቦ-መንበር መበል 15 ዋዕላ መራሕቲ ‘ብሪክስ’ን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ብ22 ነሓሰ ሰዓት 7፡00 ንግሆ ካብ ኣስመራ ነቒሉ፡ ድሕሪ ናይ 6፡30 ሰዓታት በረራ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ‘ኦሊቨር ታምቦ’ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊን ባህላዊ ጸወታታትን ዝተሰነየ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዑደቱ፡ ምስኡ ብዝተጓዕዘ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦ ላዕለዋይ ልኡኽ ተሰንዩ፡ ካብ ጆሃንስበርግ ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ንእትርከብ፣ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ 1976 ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ሰላማውያን ደቀ-ባት ህልቂት ዝፈጸመላ፣ ሕላገት ቃልሲ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣገዛዝኣ ዝዀነት ታሪኻዊት ከተማ ሰዌቶ’ዩ በጺሑ። ነበርቲ ብዝገበሩሉ ብያታዊ ጸወታታት ዝተሰነየ ምዕሩግ ኣቀባብላ ድማ፡ ቤተ-መዘክር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳይን ናይ ፈለማ ጸሊም ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን – ኔልሰን ማንዴላ፡ ከምኡ’ውን መስሕብ በጻሕቲ ዝዀነ ታሪኻዊ ህንጻታትን ህዝባዊ ዕዳጋን እናተዘዋወረ ተዓዚቡ።

‘ብሪክስ’ ብ23 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶን ኣብ ቀዳማይ መስርሕ ምስፋሕ ኣባልነት፡ ንኣርጀንቲና፡ ግብጺ፡ ኢራን፡ ስዑድያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ብወግዒ ብምቕባል ቊጽሪ ኣባላቱ ካብ 5 ናብ 11 ክብ ኣብ ዘበለሉን ዋዕላ መራሕቲ፡ መራሕቲ ኣርባዕተ መስረትቲ ሃገራት ብኣካል፣ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ድማ ብማንዛ መደረ ኣስሚዖም። ፕረዚደንት ኣአንጋዲት ሃገርን ኣቦ-መንበር መበል 15 ዋዕላ መራሕቲ ብሪክስን – ሲሪል ራማፎዛ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ምስፋሕ ኣባልነት ምሕያል ናይቲ ቀጽሪን ጽልዋኡን ንዝሓሸ መጻኢ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ብዙሐ- ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ክውን ንምግባር ንዘሎ መትከል ቀጽሪ ‘ብሪክስ’ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ሓሙስ 24 ነሓሰ፡ ኣኼባ ብሪክስን መሻርኽቱን ዝተኻየደላ ዕለት’ያ። ኣብ’ዚ ንምሉእ መዓልቲ ዝቐጸለ ኣኼባ፡ ኣስታት 65 መራሕቲ ሃገራት ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባት፡ በብተራ ቃሎም ከስምዑ ዕድል ተዋሂቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ፡ ንመርገጺ ኤርትራ ኣብ ዘይፍትሓዊ እንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓትን ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላዋትን ከቢድ ሳዕቤናቱን ዘነጽር መደረ ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ዋዕላ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣብ ዝርከበሉ ወሳኒ እዋን ይካየድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ነጊሱ ዘሎ – ኢፍትሓዊ ሕግታትን መምሪሕታትን ዝሕላገቱ ዘይሓቛፊን ዘየቃዱን ዓለማዊ ምሕደራ፡ መንቅባቱን ሕጽረታቱን ጉልሕ ጭብጢ ከምዝዀነ ገሊጹ።

“ኣመሪካ እትመርሖ ጸቢብ ናይ ፍሉያት ልፍንቲ፡ ንኣስታት ሓደ ዘመን፡ ሓባራዊ ግሎባዊ ዕብየት ዝዓንቀጸ ከቢድ ማህሰይቲ’ዩ ኣውሪዱ።” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንዝተኸስተ ክልተ ቀጽራውነት ኣጋፊሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እንኮ ቀጽራውነት ንምስግዳድ ዝተኻየደ ሃቐነ፡ እልቢ ዘይብሉ ሕልኽላኽ ግጭታትን ዘይምርግጋእን ከምዘኸተለ፣ ሓባራዊ ረብሓን ባህግን ዝሰረቱ፡ ኣብ ምዕሩይ ጽንባረን ፍትሓዊ ምቅሊት ሕብስተ-ሃገርን ዝምርኰስ ማሕበራዊ ስኒት ዝመጣምሩ ሕብረተሰብ ፈጢርካ ግሎባዊ ግስጋሰ ንምዕራግ ንዝነበረ ዕድላት’ውን ከንቱ ገይሩዎ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዘመናት ዝተመዝገበ ድንቂ ቴክኖሎጂያዊ ገስጋስ፡ ብቕኑዕ ስነ- ምግባር ዓይነት ህይወት መላእ ወዲ-ሰብ ክልውጥን ንሓባራዊ ዕብየት ከገልግልን ዓቢ ተኽእሎ’ኳ እንተነበሮ፡ እቶም ኣውራ ተሓለቕቲ ዕብለላ ግና፡ ዓለምና ርእያቶ ናብ ዘይፈልጥ ቅልውላው ክትሽመም ይደፍእዋ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ብኣመሪካን ኔቶን ንዝምራሕ ኲናት ዩክሬን ንምጉሃር ዝርአ ዘሎ ልጓም-ኣልቦ ዕርገት ወጥሪ፡ ምስ’ቲ ኣመሪካን ሰብ ኪዳናን ዕብለላኦም ንምውሓስ፡ ብሓደገኛ መገዲ ህልኽ ኣብ ፈተነ ቅብጸት ምጽማዶም ተደሚሩ፡ ክትገልጾ ዘጸግም ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ከኸትል ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዘይሕጋውን በይናውን እገዳታት፣ ብኣመሪካ ዝዕብለሉ ፋይናንስያዊ፡ ቁጠባውን ፍርዳውን ትካላት ከም ኣጽዋር ምግልጋልን ካልእ ኣብ ማህደሮም ዘሎ መቕጽዒ መሳርሒታትን፡ ትእዛዞም ንዘይቅበሉ ወገናት ንምግራፍ ወግሐ-ጸብሐ ዝጥቀሙሎም ከምዝዀኑ ብምሕባር፡ ሞራላዊ ባይታ ንምርካብ፡ እዞም ዓምጸጽቲን እኩያትን ፖሊሲታት ብመሳጢ ሓረጋት ተዃሓሒሎም፣ በቶም ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎም ምእዙዛት ሚድያታቶም ብጻዕቂ ከምዝጋውሑ፣ የግዳስ፡ ምስ’ዚ ኹሉ ሃልኪ፡ እዚ ማእዝኑ ዝሰሓተ ሓደገኛ ፖሊሲታት፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ደርማስ ህዝባዊ ተቓውሞ እናፈጠረ ይመጽእ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ጐድኒ-ጐድኒ እዚ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጫድ ሳልሕ ኬብዛቦ፡ ከምኡ’ውን ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ቤላሩስን ቬነዝዌላን ብተናጸል ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ዓለማውን ጉዳያትን ምዕባለታትን ዘተ ኣካዪዱ።

ብ25 ነሓሰ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሰሪል ራማፎሳን ኣብ ዘካየድዎ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚስስ ናሌዲ ፓንዶርን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣገዳስነት ምዕዛዝ ዝምድናታት ኤርትራን ደቡብ ኣፍሪቃን ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታትን ኪኖኡን ብምግንዛብ፡ ኣብ መጻኢ ብርክባት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝያዳ ንምድልዳሉ ክስራሕ ተረዳዲኦም።

ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ድማ፡ ሓባራዊ ብልጽግና ህዝብታት ንምርግጋጽ፡ ምትእስሳሮምን ምውህሃዶምን መሰረታዊ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ቀጽሪ ብሪክስን ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብኣተኲሮ ክሰርሑ ኣገዳሲ ከምዝኾነ፣ እዚ ክውን ክኸውን ድማ፡ ምህዳስ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ምምእዛን መዋቕር ቀጽሪ ብሪክስን ከምዘድሊ ተገንዚቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ቀዳማይ ሚኒስተር ጫድ ሳልሕ ኬብዛቦን ኣብ ዝገበሮ ርክባት ድማ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታት ድሕሪ ምዝታይን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ርእይቶ ድሕሪ ምልውዋጥን፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ንኽብል ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ዝጀመራኦ ጻዕሪ ብዝበለጸ ተወሃሂደን ክደፍኣሉ ኣብ ዘኽእል መዳያት ዘትዮም።

ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቤላሩስ ሰርጌ ኣለይኒክን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቬነዝዌላ የርቫን ጊልን ድማ፡ ኣብ ምድንፋዕ ቊጠባውን ፖለቲካውን ዝምድናታት፡ ብቐንዱ ድማ – ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ኣብ ዝግበር ምውህሃድን ምትሕግጋዝን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን፡ ካብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣስታት 30 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝተደኰነ ትካል ቴክኖሎጂ ህንጻ ሃይድራፎርም (Hydraform) ዑደት ኣካዪዱ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More