ዝሓለፈ 05 ሕዳር 2022፡ ብምኽንያት ርብዒ ዘመን ዕረፍቲ ህቡብ ስነ-ጥበበኛ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ ገለ ካብ ኣፍቀርቱ መንእሰያት ስነ-ጥበበኛታት፡ ናይ ዝኽሪ መደብ ክገብሩ ሓሳብ ኣቕረቡ። እቲ ዘቕረቡዎ ሓሳብ ብብዙሓት ደገፍ ስለ ዝረኸበ፡ በብእዋኑ እናዓመቘን እናሃብተመን ከደ። እቲ መደብ ኣብ ክንዲ ደርፍታት የማነ ብምድጋም ጥራይ ዝዕብለል፡ ዝተፈላለየ ንስነ-ጥበባዊ ኣበርክቶ የማነ ዝውክል መደባት ከጠቓልል ኣለዎ ዝብል ዝመጽአ ሓሳብ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል ናብ ዝብል ሕቶ መርሐ። እቲ ሓሳብ እናተመላልአ ብዝኸደ፡ “ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ፣ ህይወቶም ንኽብሪ ስነ-ጥበብ ሃገር ዘወፈዩ ስነ- ጥበበኛታት ብዙሓት ስለ ዝዀኑ፡ ኣብዛ ናይ የማነ ደው ከይተባህለ በብእዋኑ እቲ መደብ ዝኽሪ ክቕጽል ኣለዎ፡” ዝብል ዝቐረበ ርእይቶ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ፡ ብማሕበር ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት እትምእከል፡ ብወለንተኛታት ስነ- ጥበበኛታት ዝቘመት ኣካያዲት ኣካል ተረቚሓ ንድፊ ስርሓ ክትስእል ጀሚራ።
እዚ ሓሳብ’ዚ ምስ ተላዕለ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ምርምርን ስነዳን፡ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ሃናጽን ኣገዳስን ርእይቶ ሂቦምሉ። ኣብዚ ናይ ወለንተኛታት ሃገራዊ መደብ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ድልዋት ምዃኖም ድማ ገሊጾም። “ንዕቤት ኣበርክቶኦም ብዝገልጽ ኣገባብ ክዝከሩ ኣለዎም፣ ኣይገበርናን ወይ’ውን ሰናይት ድሌት ዘበገሶ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዝለዓለ ዝከኣል ምድላዋት ክካየድ ኣለዎ፡” ብዝብል ዝቐረበላ ሃናጺ ርእይቶ ተደሪኻ እታ ኣካያዲት ኣካል መደባታ ሰርዐት። ነዚ፡ “ዝኽሪ ከዋኽብቲ ስነ-ጥበብ ኤርትራ” ዝሰመየቶ መደብ፡ ብዝኽሪ’ቲ መበገሲ ሓሳብ ዝዀነ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ስርሓ ክትምውስ ኣብ ምድላው ኣላ። ኣቐዲሙ፡ ኣብ ዝኽሪ ርብዒ ዘመን ዕረፍቲ የማነ ክካየድ ዝተሓስበ እዚ መደብ፡ እኹል ምድላዋት ክግበረሉን ዝተፈላለየ መደብ ክእንገድን ስለ ዝተደልየ፡ ተወሳኺ ግዜ ሓቲቱ። ጀሚሩ ንኸየቋርጽ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ብስሩዕ ንኽኸይድ፡ መደባት ክስእልን ክሰርዕን ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸምደ። ኣብ ታሪኽ ህዝብና፡ ኣብ ኩለን ብሄራትና፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት – ካብ ትማሊ ክሳዕ ሎሚ – ምእንቲ ክብሪ ሃገራዊ ባህሊ ንዝተወፈዩን ምሉእ ክእለቶምን ግዜኦምን ንዝሃቡን ዝካየድ መደብ ስለ ዝዀነ ቀሊል ዕማም ኣይኰነን። ስለዚ፡ ኩላትና ክንስዕቦ፡ አእጃምና ከነበርክተሉ እንሕተተሉ መደብ ድማ’ዩ።
ኣብዚ ንፍቱው ስነ-ጥበበኛ የማነ ባርያ ንምዝካር ዝካየድ ፈዋናይ መደብ፡ ብሞያውያን ዝድገም ደርፍታት ተሓርዩ፣ ደረፍቲ’ውን ተመሪጾም ኣለዉ። ሙዚቃዊ ህርመት የማነ መጽናዕቲ ክግበረሉ ተደልዩ፡ ሞያውያን ተመዲቦምሉ፣ ታሪኽ ህይወት የማነ ብዝኽርታት ፈለጥቱ፡ ብጾቱ፡ መሳርሕቱ፡ ወዘተ. ዝስንድ ንኡስ መጽሓፍ ክዳሎ ተወሲኑ፡ ሓበሬታ ይእከብ ኣሎ። ኣርማ “ከዋኽብቲ ስነ-ጥበብ ኤርትራ” ተነዲፉ ተዳልዩ። እዚ ኣርማ’ዚ፡ ኣብቲ መዓልቲ ዝኽሪ ንስድራ-ቤት ናይቲ ዝዝከር ስነ- ጥበበኛ ዝወሃብ እዩ።
ዝኽሪ ንስለ ዝኽሪ ንኸይከውን፡ ምድጋም ደርፊ ጥራይ ንኸይዕብልል፡ ንታሪኽ ህይወት ናይቲ ዝዝከር ስነ- ጥበበኛ ዝገልጹ ዓይነታውያን መደባት ክስኣሉ፡ ፈጠራውነት ዝተሓወሶ ኣቀራርባ ክስርሓሉ፡ ኣርማን መዝሙርን ናይቲ መደብ ክዳሎ፡ ዕቤት፡ ጽባቐን ኣወዳድባን ክድፍኣሉ፡ ምንጪ ኣታዊ ክውሓስን እቲ መደብ ነፍሱ ክኢሉ ዝኸደሉ መንገዲ ክናደን፡ ወዘተ. ዝብሉ ጉዳያት ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣቢሉ ክስርሓሉን ክጽዓረሉን ጸኒሑ። እዚ መደብ ብቐንዱ ናይ ወለንታውያን ስለ ዝዀነ፡ ዋናኡ እቲ ሓፋሽ እዩ። ብጥበብ ንዝመርሕዎን ዝገለጹዎን ዝወከሉዎን ኣብ ዝዝክረሉ ድማ ተሳትፎኡ ክዓዝዝ ግድን’ዩ።
እዚ መደብ ብመሰረቱ ናይ ግዱሳት ወለንታውያን እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ብዝተፈላለዩ ሰባት ድማ ከም ሓሳብ ክቐርብ ጸኒሑ። እንሆ እዛ ንዝኽሪ የማነ ኢላ ዝመጽአት ሓሳብ፡ ነቲ ድጉል ባህጊ ብዙሓት ክዉን ገይራቶ። እቲ ወለንታውነት ናይ ብዙሓት ደገፍ ስለ ዝረኸበ ኸኣ ደሓን ሰጒሙ ክበሃል ይከኣል። ዝኽሪ ከዋኽብቲ ስነ- ጥበበኛታት፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገር ወሳኒ፡ መሰረታዊ፡ ዓይነታዊ ኣበርክቶ ናይ ዘፍረዩ ዝኽሪ ብምዃኑ ርዝን ይብል’ዩ። ምእንቲ ስነ-ጥበብ ሃገር ክንብል እንከለና፡ ኣብ መድረኻት ስነ-ጥበብ ኤርትራ ብሓፈሻ – ቅድመ-መግዛእቲ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ፡ ብረታዊ ቓልሲ፡ ኣብ ናጻ ሃገር – ውጽእ ዝበለ፡ ልሉይ፡ ግዜ ዘየህሰሶ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ምዝካር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበርክቶ ዝገበሩ ስነ- ጥበበኛታት ኣብ ልብን መንፈስን ህዝቦም ስለ ዝሰርጹ፡ እቲ ወለንታውነት ናይ ውሑዳት ዘይኰነስ ናይ ኩልና’ዩ። ብስነ- ጥበባዊ ዕዮታቶም፡ ከለዉን ምስ ሓለፉን፡ ወትሩ እንዝክሮምን እነኽብሮምን ስነ- ጥበበኛታት ኣብ ኩሉ ቋንቋታትና ኣለዉ። መን እንታይ ኣበርኪቱ ምፍላጥ ዘየጸግም’ኳ እንተ ዀነ፡ ቀሊል ግን ኣይኰነን። እዚ ድማ ብክኢላታት እናተመርጹ ከም ዝዝከሩ ክግበር’ዩ።
ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገር “ልሉይ ተራ፡ መሰረታዊ ወይ ዓቢ ኣበርክቶ፡” ዝገበሩ ክንብል እንከለና ካበይ ክሳዕ መዓስ ዝነበሩ እዮም? መነ-መን እዮም? ኣበየናይ ዓውዲ ኢና ከነተኵር? ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ናይ ሓባር መረዳእታ ክህልወና ኣገዳሲ’ዩ። እዚ፡ ዝያዳ ብሞያውያን ዝግምገም’ኳ እንተዀነ፡ ኩላትና እንሰማምዓሎም ኣብ ኩለን ቋንቋታትና ብርቂ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣርካናት ስነ- ጥበብ ክንረቍሕ ግን ኣይንጽገምን ኢና። እቲ ሕቶ መን ተመሪጹ መን ኣይተመርጸን፣ ብመን ተጀሚሩ መን ስዒቡ ኣይኰነን፣ እቲ ዝኽርን ክብርን ብሓፈሻ ንኹሉ ኣብ ዕቤት ሕብረተሰብ ዘበርከተ ዝግባእ’ዩ። ካብኡ ናብኡ ወይ’ውን ንእመት ስድሪ ኣላታ ዘይኰነ ግን፡ ኣብ በበይኑ መድረኻትን እዋንን ውጽእ ዝበለ፡ ልዑል ስነ-ጥበባዊ ክብሪ ዝረኸበ ዕዮታት ዘፍረዩ ኣለዉና። እቲ መደብ እምበኣር ነዚኣቶም ብፍላይ ክብሪ ንምሃብን ብኡ ኣቢልካ ድማ ንኹሎም ንምዝካርን ሓድሽ ወለዶ ስነ- ጥበበኛታት ንምትብባዕን ዝዓለመ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ድምጾም፡ ምስሎም፡ ነጸብራቕ ዕዮኦም ንዓሰርተታት ዓ መ ታ ት ብ ዘ ይ ም ቍ ራ ጽ ዝ ሰ ማ ዕ ና ዮ ም ፡ ዝረኣናዮም፡. . . ስነ- ጥበበኛታት ምዝካር፡ ነቲ ዝፈጠሩልና ኣበርክቶ ምጽንባል ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓደስቲ ወለዶ ስነ-ጥበብ ነቲ ሞያ ብልዑል ክብሪ ንኽሕዝዎን ክ ቕ ጽ ል ዎ ን ዝ ድ ር ኽ ን ዝቕስቅስን እዩ። ብሉጽ ዕዮ ስነ- ጥበብ ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ካልእ እ ና ተ መ ላ ል አ ምስ ዝኸይድ እዩ ህላወኡን ቀጻልነቱን ዘውሕስ። ሓደ ብሉጽ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ብሉጽ ዝኸውን ከኣ ስለ ዝተሰርሐን ስለ ዝተራእየን ዝተሰምዐን ዝተነበን ጥራይ ኣይኰነን። መግለጺ ብሉጽ ስነ- ጥበባዊ ዕዮ ጽልዋኡ ኣብቲ ዝውክሎ ሕብረተሰብ እዩ። ክሳዕ ክንደይ እዩ ነቲ ሕብረተሰብ ብዝለዓለ ጥበባዊ ጽባቐ ዝገልጾ፡ ዝመርሖ፡ ድምጺ ዝዀኖ ድማ ኣብቲ ታሪኽ ተወኪስካ ዝፍረድ እዩ።
ኣብ ዘመኖም ፍሉያት ኰይኖም ዝፍጠሩ ወይ’ውን ኣብ መላእ ዘመን ውጽእ ኢሎም ዝረኣዩ ስነ-ጥበበኛታት ኣለዉ። ብዓይነት ናይቲ ዘፍርዩዎ ድማ ክንዮ ዶባቶም ኣብ መላእ ዓለም ክፍለጡ ይኽእሉ – ጥበብ ናይ ዓለም ቋንቋ ስለ ዝዀነ። ኣብ ሃገርና፡ ምስቲ ዝተሓልፈ ዝተሓላለኸ መድረኻት መግዛእትን መኸተን፣ ቃልስን ጽንዓትን፣ ናጽነትን ልምዓትን፣ ወራርን መኸተን ተኣሳሲሩ ዝማዕበለ ባህሊ መኸተ ስነ-ጥበብ ኣሎና። እዚ ናይ መኸተ ስነ-ጥበብ’ዚ ኣብቲ ዝውክሎ ነዊሕን መሽጐራጕር ዝበዝሖን ጉዕዞኡ፡ ብስነ-ጥበብ ኣብ ምግላጹ ብዙሕ ጻዕሪ ተሓሊፉ’ዩ። ኣብ ግዜ ድሕር ኢልና እንተ ርኢና’ውን ኣብቲ ኣፋዊ ያታ፡ ንመኸተ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ተፈጥሮን ንምግላጽ ዘሎ ጥበብ ጽቡቕ መወከሲና እዩ።
“ዝኽሪ ከዋኽብቲ ስነ-ጥበብ ኤርትራ” እምበኣር፡ ብቐንዱ ንዘበርከተ ሞሳ ምሃብ ዝዓለመ’ዩ። እቶም ዝዝከሩ ናይ ኩላትና ስለ ዝዀኑ ኸኣ ኣብቲ ዝካየድ መደባት ብልዑል ወኒን ኣበርክቶን ክንሳተፍ ንውዕለቶም መለሳ ዝህብ’ዩ። ኣብ ደረፍቲ እንተ መጺእና፡ ደርፍታቶም ክንሰምዖ እንውዕልን እንሓድርን ደረፍቲ ዝኽሮም ኣብ ዝግበረሉ እንታይ ከነበርክት ንኽእል ምስ ነፍስና ምልዛብ ጥራይ እዩ ዘድልየና። ከምቲ ድምር ስራሓቶም ዓቢ ሃገራዊ ሓይልን ቅርስን ክኸውን ዝበቕዐ፡ እታ ንሕና እነበርክታ ንእሽተይ ተደማሚራ ንዕቤትን ቀጻልነትን ናይቲ መደብ ዓቢ ትርጉም ኣለዋ። ብዓል ንዋይ ብንዋዩ፣ ብዓል ክእለት ብኽእለቱ ክሳተፎ ድማ ኣለዎ።
እቲ ሓሳብ ተበጊሱስ ኣብ ትግባረ በጺሑ’ሎ። ቐጻልነት ከኣ ወሳኒ’ዩ። ብሃታሃታን ብጸቕጢ ግዜን ዝካየድ ግን ኣይኰነን። እኹልን ምዅኑይን ምድላዋት ክግበረሉ ስለ ዘለዎ፡ ቀስ-ብቐስ ሰብን ግዜን እናመረጽካ ዝካየድ’ዩ። ደው ንኸይብል፡ ናይ ኩላትና ተሳትፎ ይሓትት ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ እንተ ኣርኪቡስ ንዘለዉ ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛታትና ከርክበሎም ይኽእል’ዩ።
ኣበርክቶና እንታይ ይዅን? ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ጽቡቕ’ዩ። እዚ መደብ ብወለንተኛታት ዝተበገሰ ክሳዕ ዝዀነ ናይ ወለንተኛታት ኰይኑ ክቕጽል’ዩ እቲ ድሌት። ቀጻልነቱ ድማ፡ ማዕረ- ማዕረ’ቲ ዘካይዶ ወይ ከካይዶ ዘለዎ ምንጪ ኣታዊ ዝኸውን ንጥፈታት፡ ብኣበርክቶ ስድራ-ቤት ስነ-ጥበብ እዩ ክኸይድ ዘለዎ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ብስም ዝኽሪ ከዋኽብቲ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ቍጽሪ ሕሳብ ተኸፊቱ’ሎ። ኣብ ናይ ሓባር፡ እታ ዝነኣሰት ኣበርክቶ ዓባይ እያ። ስለዚ፡ ብፍላይ እቶም ትካላት ምዝንጋዕ ዝውንኑ፡ ብነጻ ደርፍታቶም ዘስምዑና ዘለዉ ከዋኽብቲ ስነ-ጥበብ ንምስሳን ሃየ ዓዓቕምና ነበርክት።
ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ኣብ ዝቕጽል ምስ ኣካየድቲ “ዝኽሪ ከዋኽብቲ ስነ- ጥበብ” ዘካየድናዮ ዕላል ትሕዝቶ ከነቕርበልኩም ኢና።