Business is booming.

ሽዱሽተ ሽሕ ዶላር ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓታት

ብሃብተሚካኤል ዕቚባስላሴ

ኣብ’ዛ ብስሰዐ ተባሒታ ዘላ ዓለም፡ ክንዮ ነብስኻ ሓሊፍካ ብዛዕባ ካልኦት ምሕሳብ፡ ሰብኣውነትካ እተረጋግጸሉ መድረኽ እዩ። ብፍላይ ከኣ፡ ብዕድመ ንኣሽቱ ክነሶም ናይ ዓበይቲ ሰባት ሓሳብ ክሓስቡን ንዝሓሰብዎ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ምስ እትርኢ፡ ከይተገረምካ ኣይትተርፍን። እዘን ተቐማጦ ሃገረ ካናዳ ዝዀና ክልተ ኣሕዋት – ኣሰንያ ተመስገንን ኖቤል ተመስገንን ይበሃላ። ኣሰንያ ተማሃሪት 11 ክፍሊ፡ ኖቤል ከኣ ተማሃሪት 9ይ ክፍሊ እየን። ኣብ ከተማ ኦታዋ – ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መሪቫለ ከኣ ይመሃራ። ኣብ ትምህርተን ኣዝየን ንፉዓት ተማሃሮ እየን። ዝለዓለ ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ምስ’ቶም ብሉጻት 200 ተማሃሮ – ካብ ማእከላይ ደረጃ ናብ ካልኣይ ደረጃ ሓሊፈን።

ኣብ ሓምለ 2022፡ ስድራ-ቤተን፡ ህዝበንን ሃገረንን ክርእያ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ፡ ወለደን ኣብ እምባ ደርሆ ናብ ዝርከብ መእለዪ ዘኽታማት ወሲዶምወን። ብዛዕባ እቶም ዘኽታማት ንወለደን ምስ ሓተታኦም ከኣ፡ መብርሂ ረኺበን። ኣቦን ኣደን ዘይብሎም ዘኽታማት ምዃኖም ምስ ፈለጣ ድማ፡ ኣብ ውሽጠን ፍሉይ እህህታ ፈጢሩለን። ካብኡ ተበጊሰን፡ ሓደ ሓሳብ ኣበገሳ። ‘ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብዓቕምና ገለ ነገር ክንገብር ኣለና’ ብምባል፡ ቅዱስ ሓሳብ ሓሰባ። ናብ ካናዳ ምስ ከድና ገንዘብ ኣዋጺእና ንዓመታ ክንመጽእ ኣለና ብምባል ድማ ተበጊሰን።

ኣሰንያ ተመስገን

ናብ ካናዳ ምስ ምስተመልሳ፡ ገንዘብ ዝረኽባሉ መንገዲ ኣናደያ። ንወለደን፡ “ገለ ነገር ኣዳልውልና’ሞ ብኣኡ ኣቢልና፡ ነቲ ደሊናዮ ዘለና ሓገዝ ዝኸውን ገንዘብ ክንእክብ” በላኦም። ወለደን፡ በቲ ሓሳባተን ኣዝዮም ተሓጎሱ። ነቲ ዘንቀላኦ ሓሳብ ብምሉእ ዓቕሞም ንኽሕግዝወን ቃል ኣተውለን። ካልኦት፡ ኣብዚ ስራሕ ካብ ጐድነን ከይተፈለዩ ክሳብ መወዳእታ ዝተሓጋገዝወን ክልተ ማሓዙተን – ሳምራዊት ፊሊጶስን መኮነን ፊሊጶስን እዮም።

ወላዲአን ኣቶ ተመስገን ኣፈወርቂ፡ ሰራሕተኛ ናይ’ታ ኣብ ከባቢኦም እትርከብ ናይ ኮካ ኮላ ካምፓኒ ስለዝዀነ፡ ነቶም ትካል ሓሳብ ደቁ ምስ ኣካፈሎም፡ መስተ ብጥርሑ ከዳልውሉ ምዃኖም ኣፍለጥዎ። መግብን መስተን ከኣ ኣዳለዉ። ናይ ቀረባ መሓዙቶም ብምዕዳም፡ ነቲ ናይ ሓገዝ መደብ ኣካይደምዎ። ኣብቲ ዝተዳለወ መደብ እቲ ዝደለያኦ ሓገዝ ክረኽባ ክኢለን። ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓታት ኣስታት 6,000 ሽሕ ዶላር ክእክባ ክኢለን። እቲ መደብ ልዕሊ’ቲ ዝሓሰብኦ’ዩ ከይዱለን። ነቲ ዝተኣከበ ገንዘብ እምበኣር፡ ኣብቲ ዝመደባኦ ግዜ ሒዘናኦ ደበኽ በላ። ነቶም ዘኽታማት ክህባኦም ስለ ዘለወን፡ እቲ ገንዘብ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣታዊ ኰይኑ።

ኖቤል ተመስገን

ካልእ ኣብ ካናዳ እትርከብ፡ ኣስታት 32 ዝኣኽሉ ኣባላት ዘለውዋ ጕጅለ ሕድሪ’ውን፡ ነዞም መንእሰያት ብእወታ’ያ ጸልያቶም። ብሓፈሻ ጕጅለ ሕድሪ ብዛዕባ ሃገሮምን ባህሎምን ዝመያየጡላ ጕጅለ እያ። ዝተፈላለየ ሓገዛት ከኣ የበርክቱ። እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት፡ ምስ ጕጅለ ሕድሪ ኰይኖም እውን፡ ዝተፈላለየ ሓገዛት የበርክቱ እዮም። እዚ ኣብ 2023 ዝገበርዎ ሓገዝ – ከም ተወሳኺ ብናቶም ተበግሶ ዝገበርዎ ሓገዝ እዩ።

ክረምቲ ምስ መጽአ’ውን፡ ገለ ነገር ክንገብር ኣለና ብምባል ተበጊሰን። ተማሃሪት ኣሰንያ ኣብ ሃማመተኤ ክትነጥፍ ከሪማ። ኖቤል ከኣ ኣብ መዓስከር ደንደን ዝርከቡ ጽጉማት ተማሃሮ፡ ናይ ቋንቋ ኢንግሊዝ ሓገዝ ክትህብ ከሪማ። ኣዲአን ወይዘሮ ሰናይት ገብረመድህን፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ንጥፈታት ኣመልኪታ ክትዛረብ እንከላ፡ “እቲ ሓሳባተን ኣዝየ ፈተየዮ። ምኽንያቱ፡ ደቀይ ኤርትራውያን ክዀናለይ እየ ዝደሊ። ባህለን፡ ሕብረተ-ሰበን፡ ኮታ ኩሉ ፈሊጠን ክዓብያለይ እዩ ድሌተይ። እዛ ሃገር ብቐሊል ዋጋ ኣይኰነትን መጺኣ። ስለዚ፡ ንሕና’ውን ገለ እጃምና ከነበርክት ኣለና” ክትብል እያ ገሊጻትልና። ብሓፈሻ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ዕዉታት ንምዃን ኣብ እነካይዶ ጕዕዞ፡ ግዜ እቲ ቀንዲ መሳርሒና ካብ ኮነ፡ ንደቂ-ሰብ ክንህቦ ካብ እንኽእል ህያባት – እቲ ዝበለጸ ግዜና እዩ። እዞም ትስፉዋት ስድራቤት ከኣ፡ ተወሳኺ ትሕዝቶኦም ሒዞም ገጽ ናይቶም ዘኽታማት ክርእዩ እዮም ኣምሪሖም። ክቡር ግዜኦም ብምውፋይ፡ ‘ኣጆኹም ኣለናልኩም የሕዋትኩም’ ክብልዎም እንከለዉ፡ ኩሉ ነገር ከይበቐቑ ፍቕሮም ለጊሰምሎም።

ወ/ሮ ሰናይት ገብረመድህን

እዚ ነቶም ካብ ወለዶም ፍቕሪን ሓልዮትን ዘይረኸቡ ህጻናት፡ ዓቢ ውዕለት’ዩ። ካልእ ሰብ እውን እንተዀነ፡ ከቢድ ጸገማት ዘጓነፎ ህይወቱ ብስቓይ ዝተመልአ፡ ቃንዛኡ ዘካፍሎ፡ ክሳብ መወዳእታ ጽን ኢሉ ዝሰምዖ ዝሰኣነ ሰብ፡ ከምዚ ዓይነት ፍቕርን ሓልዮትን ምስ እነርእዮ፡ ሕጂ ንእሽቶ ካብ ግዜና ብምውፋይ ብጽሞና እንተ ሰሚዕናዮ፡ መንፈሱ ክንጽግኖ ኣይንሽገርን ኢና።

ብመንጽሩ ክንረኽቦ እንኽእል፡ ውልቃዊን ማሕበራዊን ክብርታትን ዓወታትን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። በቲ ኣብ ህይወትና ንእሽተይ ዝመስለና ካብ ግዜና ቀዳምነታት ብምሃብ ንሰባት ንምሕጋዝ እንህቦ ሓገዝ፡ ኣብ’ቶም ሰባት እነመዓራርዮ ክፋል ህይወት፡ እነብርሆ ጸላምን እንፈጥሮ ሰላምን መዘና ኣልቦ እዩ። ስለዝዀነ፡ ተራ ናይ’ዞም ስድራ ዕዙዝ እዩ።ነቶም ዘኽታማት ንምሕጋዝ ብኹፉት ልቢ፡ ገለ ነገር መላውጥቲ ከይተጸበዩ ስለ ዝተበገሱ፡ ኣብ ገጽ እቶም ስድራ ሰላም ዓሲሉ ኢና ርኢናዮ።

ስድራ ተመስገን ኣፈወርቂ፡ ብዘይ ዝዀነ ትጽቢት ሓገዞም ስለ ዘበርከቱ፡ ዝዓበየ መኽሰብ፡ ሕልናዊ ሩፍታ ረኸቦም እዮም። ኣብ ምሃብ ምስ እነድህብ ናይ ድሌት ሸውሃትና ስለ ዝጎድል ምሉእነት ይስመዓና። ብእኡ መጠን ድማ፡ ናይ ሓይልን ፍቕርን ህዋሳትካ እናዓበየ ይኸይድ። “ንኻልኦት ስለ ዝሓገዝና ሓይልና ተሓዲሱ” ብምባል እያ ኣሰንያ ተመስገን ነቲ ዝገበራኦ ሓገዝ ትጠቕሶ።

ካልኦት ካባኻ ብዝረኸብዎ ምትብባዕ፡ ገለ ለውጢ ከምጽኡ ምስ ጀመሩ፡ ጽልዋኻ ኣብዚ ዓለም ይጎልሕ። እቲ ዝኣከብዎ ገንዘብ፡ ኣብ ምኽንያት ዝተሞርኮሰ ሰለዝዀነ ከኣ፡ ንሓሳቦም ብዘይ ገለ ጸገም ክፍጽምዎ ክኢሎም። ብዝገበራኦ ቅዱስ ስራሕ፡ ኣብ ህይወተን ምሉእ ነብሰ-ምትእምማን ከምዝፈጥለን ኣየማትእን። እዞም ለጋሳት ስድራ-ቤት፡ ነዚ ዝተጠቕሰ እወታዊ ሸነኽ ብግቡእ ስለዝተረድእዎ፡ ብዘይ ነግ-ፈረግ እዮም ኣሰላሲሎምዎ።

ኣብ ከም’ዚ፡ተራ ወለዲ እውን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ንኣብነት ነዘን ክልተ ሃበርም ተማሃሮ እዚኣትን፡ ወለደን – ምስ ዓደን፡ ቤተሰበን ሃገረን ከላልይወን ኢሎም እንተ ዘይመጽኡ፡ ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ክሓስባ ኣምበይ ምኽኣላን ነይረን። ነቲ ሓሳብ ምስ ኣበገስኦ እውን፡ ኣጆኽን ዘንደቀይ ኢሎም ደገፋቶም እንተ ዘይበርክቱለን፡ እቲ ቕዱስ ሓሳባተን ሓሳብ ጥራይ ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ።

“ሎሚ ዓመት ኣርባዕተ ሰባት ኰይንና ከም’ዚ ካብ ገበርና፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ 20-30 ሰባት ብምዃን፡ ዝበዝሐ ገንዘብ ንእክበሉ መንገዲ ክንፈጥር ኣለና” ብምባል፡ ነቲ ቕዱስ ሓሳባተን ብዝለዓለ መልክዕ ከካይድዎ መዲቦም ኣለዉ። እዚ ንርእሱ፡ ንኻልኦት ጸለውቲ ንምዃን ኣዝዩ ደራኺ እዩ። ብፍላይ ነዞም ዘኽታማት፡ ኣብ መጻኢ ህይወቶም፡ ኣብ ትምህርቶም. . . ክሕግዞም ወይ ክልውጦም ዝኽእል ሓገዛት ከበርክታ ምዃነን እየን ሓቢረናና።

ሓሳብ ልብኽን የስምረልክን

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More