Business is booming.

ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ!

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሃገራውን ባህላውን ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንምዝራግ፣ ነቲ መለለዪ ኤርትራውያን ዝኾነ ስልጡን ውዳበ፡ ሃገራውን መንነታውን ሓበን ዝማእገሩ ባህልን ክብርታትን ንምድዋን፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምስሳይ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ጎነጻዊ ናዕቢ ክተባባዕ ተራእዩ። እዚ እኩይ ተግባር’ዚ፦

  • ዘይጸዓድ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘሰናበዶም ዓበይቲ ትካላት ስለያ (እንተላይ ሞሳድ) መሳርዕ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ብዕማዀ ሃሱሳት ዝህቅንዎ ዘለዉ፡ ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ እዩ። ዝርዝራቱ ኣብ ቀጻሊ።
  • ብዛዕባ “ኤርትራውያን ስደተኛታት” ዝውረ ሓሶታት እውን ኩሉ ምእንቲ ክፈልጦ፡ ሓቅታት ዘነጽር ዝርዝር መብርሂታት ክስዕብ እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ

05 መስከረም 2023

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More