Business is booming.

መደረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 78 ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

ዝኸበርካ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

ዝኸበርኩም ወከልቲ

ክቡራትን ክቡራንን

ፈለማ – ዝኸበርካ ፕረዚደንት፡ ፕረዚደንት ናይ’ዚ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ኴንካ ብምምራጽካ ዮሃና እብል።

ቀጺለ፡ ንክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወኪለ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ከለኹ፡ ክብረት ይስመዓኒ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ24 ጥቅምቲ 1945 ካብ ዝምስረት፡ 78 ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ኣስታት 45 ዓመታት ካብኡ፡ ኣብ መዋእል “ዝሑል ኲናት”፣ ኣስታት 30 ዓመታት ከኣ ኣብ ከንቱ ህቀናታት ንእንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ጠፊኡ።

ኣብ ህልኽ “ዝሑል ኲናት” ዝተኸስረ ዕድላት ህዝብታት መለበሚ ኰይኑ ክእረም እናተገብኦ፡ ድሕሪ ምብትታን ሕብረተ-ሶቭየት ነበር፡ ኣመሪካ እትመርሖ ጸቢብ ልፍንቲ፡ ናብ ዓንዳሪ ናይ ዕብለላ ሕርያ ተደናዲኑ፣ ንኹሉ ዘይምእዘዞ ደሪቱ፡ ጸጋታት ዓለም ገቢቱ ንምብሓት ዝተኸተሎ ፖሊሲታትን ተግባራቱን ዘስዓቦ ዕንወትን ክሳራን ከቢድ’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ’ታ ኣዝያ ዝተዋሰነት ኣፍሪቃ ዝተዀልፈ ዕድላትን ዝሰዓበ ዕንወትን ኣዝዩ ዓቢ’ዩ።

ኣውራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ እንኮ-ቐጽራዊ ዕብለላ ንምንጋስ ኣብ ዝተሃቀነሉ መዋእል፡ እንተላይ’ዚ ሕጂ ንዝፈሸለ ኪዳናት ሂወት ንምሃብን ንዝበርዓነ ሕርያታት ዕብለላ እስትንፋስ ንምስኳዕን ብኣመሪካን መላፍንታን ዝሳወር ዘሎ ቅልውላዋት፡ ንዓለምና ናብ ዝኸፍአ መቕዘፍቲ ይመርሓ’ሎ።

በዚ መንጽር፡ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ምውሳን ዝቕልቀሉ ዘለዉ ተቓውሞታት፡ መቐጸልታ ቃልሲታት ኣንጻር መግዛእቲ፣ መርኣያ ቃልስታት ኣንጻር “ዘመናዊ ባርነት”፡ ዝምታን ዕብለላን’ዮም።

“ቓዒዳ”፡ “ዳዕሽ”፡ “ሸባብ”ን ኣምሳሎም ሽበራዊ ውልዶታትን እውን፡ ፍጥረት ናይ’ዚ ዓንዳሪ ኣካይዳታት’ዮም። ባዕላቶም ዓብለልቲ ዝፈጠርዎም፣ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝምውልዎም – ምስምሳት ምትእትታዋትን ምስርሳር ቅልውላዋትን ምዃኖም ድማ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኰነን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ኣብ ሓድግታት ናይ’ቲ ሓይልታት ዕብለላ ዕላማታቶም ንምውቃዕ ዝደፍኡሉ ተግባራት ሕንፍሽፍሽን ዕግርግርን ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰድኩ፡ ሃገረይ’ውን ግዳዩ ካብ ምዃን ስለዘይሰረረት’ዩ። ኣብ’ዚ ከነጽሮ ዝደሊ፡ ነቲ ኣብ 1950ታት “ንስለ ጂኦግራፊያዊ ረብሓታት” ናይዞም ሓይልታት ተባሂሉ ዝተጓዕጸጸ ዘይገሃስ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኣይኰንኩን ዝጠቅስ ዘለኹ። እንታይ ደኣ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ዝተፈጸመ ዓሎቚን በደልን እገዳ፡ ካብ ባህሪያት ጐይቶት ‘እንኮ-ቐጽሪ’ ፍሉይነት የብሉን። ተዓቢጡ ዘይሓልፍ፡ መልሲ ዝሓትት ኣብነት ድማ’ዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት ናይ ዕብለላ ክፍጠር ዝተደልየ እንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ኣይተዓወተን። ምኽንያቱ፡ መኸተ ህዝብታት ዓለም እናሓየለ መጺኡ። ዝጐሃሃር ዘሎ ተቓውሞ ህዝብታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና፡ መግለጺ ቀራና-መገዲ ናይ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት’ዩ ኪበሃል ይከኣል። እቲ መኸተ፡ ቀሊልን ሓጺርን ኣይኰነን። ሓይሊ እናደለበን ዝያዳ እናተወደበን ከምዝኸይድ ግን ኣየጠራጥርን።

ምስ ኪኽሰት ዝድለ “ዓለማዊ ስርዓት”፡ ኣብ ቅርጻዊ ምትዕርራያት ዝተፈላለዩ ዓለማውን ዞባውን ውዳበታት ስማዊ ጽገናታት ጌርካ ህዝብታትን ሃገራትን ምጥባር ኪሕሰብ የብሉን። ምስ’ቲ ህዝብታት ዓለም ሃንቀው ዝብልዎ ናይ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን፣ ምኽባር ናጽነትን ልኡላውነትን፣ ከምኡ’ውን ናይ ምትሕብባርን ራህዋን መዋእል፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመጣጣኒ ቅርጻዊ ጽገናን ምህዳስን ክግበር ኣድላዪ’ዩ።

ስማዊ ጽገናታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣባላት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብምውሳኽ ወይ’ውን ብጂኦግራፊያዊ ውክልና ዘይኰነ፡ ዕብለላን ዝምታን ሽበራን ኣወጊዱ፡ ርግኣትን ሓባራዊ ራህዋን ዘውሕስ ዓለማዊ ስርዓት ክዉን ምግባር’ዩ። ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ – ብዘይኣድልዎን ብሚዛናውነትን ሓላፍነታቱ ንኸየተግብር ኣልሚስዎ ዘሎ መዋቕር ናይ ቀውፊ መሰልን ካልእ ትካላዊ ምምዝባልን ክምርመር ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ጸቢብ ረብሓታት ኣብ ምስሳይ ምስ ዝውዕል፡ ምስ መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝቃዶ ኣይኰነን። መምዘኒ ኣባልነት፡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽልዋ፡ ወይ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ጥራይ ክድረት ኣይግባእን። ኣባልነት ኣብ ባይቶ ጸጥታ፡ ንዝሰፍሐ ስእሊ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ከንጸባርቕ ይግባእ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚን መጻእቲ ዓመታትን፡ ሓፈሻዊ ባይቶታት ሕቡራት ሃገራት፡ መመኻኸሪ መድረኽ ህዝብታት ናብ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ኪኸውን ንጽውዕ።

የቐንየለይ

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More