“ንሕና”፡ ነቲ “ንሕና ኤርትራውያን” ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ትውክል። ብዓንዲ ሓቂ፡ ጽንዓት፡ ሓድነት፡ ማዕርነትን ምጽውዋርን ተቕውም። ብሰራውር ጽንዓት፡ ወለዶታት ሓቚፋ ክብርታት ተውርስ። ንኽብርታት ኣብ ቍራዕ ብምብሳል ሃገራውነት ትምግብ። ህላወ ብምውሓስ መጻኢ ትመርሕ። ብጽሓይ ሓቂ ንጸላም ሓሶት ትቕንጥጥ።
‘ንሕና” ኣብ ልቢ’ዩ ሰፈራ። ካብ ብቓል ብተግባር ትልለ። ንጸገማት ከም ጸጋ’ያ ትርእዮ፡ ከሕይልዋ እንተ ዘይኮይኖም ስለ ዘየዳኽምዋ። ተስፋ ፈጢራ፡ ንመጻኢ ትሰርሓሉ እምበር ኣይትዅርመየሉን። ራኢኣ ንጹር፡ ጉዕዞኣን ዕምራን ነዊሕ፡ ከም ውጺኢቱ ዓወት ትግዘም።
ከምቲ ኣፍሪቃዊ ቢሂል ዝገልጾ “ቀልጢፍካ ክትከይድ እንተ ደሊኻ በይንካ (ኣነ)፡ ኣርሒቕካ ክትከይድ እንተ ደሊኻ ብሓንሳብ (ንሕና)” እዩ ነገሩ። “ኣነ” ታህዋኽን ስስዐን ዝመልኣ መንፈስ’ያ። ንዘድምጻ ይኹን ንዝሰምዓ ትልግሶ ናይ ሓጎስ በረኸት የብላን። “ኣነ” ዕንወት’ያ፡ ብግዝያዊ ዓወታት ኣታሊላ ናብ ዕንወት ትመርሓካ። ስነ-ሓሳብ ‘ኣነ” ጸልማት’ዩ ውጽኢቱ፡ ጸቢብ ስለ ዝኾነ መበገሲኡ። “ኣነ” ጃህራ፡ ትዕቢት፡ ስስዐ’ዩ ሽታኣ። ብውሽጣ ጽምዋ፡ ቘጥዐ፡ ነብሰ- ምትሓት፡ ቕዛነት ክሕምሳ ኸሎ፡ ደገ’ኣ ፍሽኽታ ይመልኣ። ዕድሚኣ ሓጺር’ዩ፡ ክትጎብጥ፡ ክትግብት፡ ክትራሲ፡ ክትዕምጽ ስለ ትጽዕር ንዘይናታ።
ኤክሃርት ቶል ዝተባህለ እንግሊዛዊ መምህር ን“ኣነ”ብኸምዚ ይገልጻ፥ “ኣነ” ትብል ቃል ሓንቲ ካብ’ተን ብቐጻሊ እነዘውትረን ቃላት ጥራይ ዘይኮነት፡ እንተላይ ካብተን ብቐጻሊ ዘጋግያ ወይ ሓቐኛ መንነትና ዘስሕታ ቃል ምዃናን የብርህ”። ቐጺሉ ኤክሃርት፡ “ኣነ” ዝብል ኣምር ከም ዘይሰርርን፡ ዝኾነ ሰብ ንነብሱ ኣብ “ንሕና” ከእትዋ እንተ ዘይክኢሉ ክነብር ከም ዘይኽእልን የረድእ።
“ንሕና” ስራሕን መስርሕን እምበር ተኣምራት (Miracle) ኣይትኣምንን። ንጸበብቲ ክፋእ ዝመለኦም ሓሳባት፡ ብንቕሓት በሪ ትኸፍተሎም። ንዝነቕሑ ብምውዳብ፡ ካብ ጸቢብ ኣእምሮ ዝተፍኦም ተጻብኦታት ትከላኸለሎም። ንዝተወደበ ተዕጥቕ ፍልጠት፡ ሞያ፡ ቴክኖሎጂ፡ ከውሕሱ ዝሓሸ መንብሮ። በዚ’ዩ ድማ “ንሕና” ንንቓሕ፡ ንወደብ፡ ንዕጠቕ ዝብል መዝሙራ።
“ንሕና” ዘዳምጽ ህዝቢ ጥዕንኡ ምሉእ’ዩ። መንእሰያት ምስ ዘዳምጽዋ ድማ ኣዝዩ ውሑስ ይገብሮ። ምኽንያቱ፡ መንእሰይ ስለ ዝኾነ ወናኒ’ቲ ልዑል ጸዓት ናይ ለውጢ። መንእሰያት ን”ንሕና” ምስ ዘዳምጹ ስነ-ምግባር ይህልዎም፡ ኣፍራይነቶም የዕብዩ፡ መጻኢኦም’ውን የነጽሩ። ከምቲ ዶ/ር ጆን ሳንትሮክ ዝተባህለ ምሁር ዝገለጾ “መንእሰያት ሕቶ መንነቶም ብግቡእ ምስ ዝምለሰሎም፡ ሓድሽን ብሩህን መንፈስ የማዕብሉ። እቶም ነቲ መንነታዊ ሕቶ ዘይተመለሰሎም ድማ ይደናገሩን፡ የድሓርሕሩን፡ ካብ መሳትኦምን ስድራቤቶምን ድማ ይንጸሉ”፡ ክብል ንኣገዳስነት “ንሕና” ኣብ ጥዕና መንእሰያት የብርህ።
ኣብ “ንሕና” ጥበብ ይርከብ። ጥበብ ምስ ዝህሉ ጽንዓት ይፍጠር፡ ዓወት ድማ ይስዕብ። ኣብ “ኣነ” ጥበብ ዘይኮነ ቀጠፍጠፍ’ዩ ዘሎ። ካብቲ ጸገማትካ ምስ ሓፋሽ ክትፈትሕ ብዘይምኽኣልካ ዝኽሰት ሕማም። ተስፋ መንጢሉ ባርነት ኣሰኪሙ ቅብጸት ይፈጥረልካ። ናብ “ንሕና” ምስ ዘይትምለስ ነብሰ- ቕትለት’ዩ ሳዕቤኑ።
ኣብ “ንሕና” ሰማእትነት ይርከብ። ሰማእትነት፡ ንእንቢታ መግዛእቲ “ኣንነት” ዝኽፈል ትንፋስ’ዩ። ኣብ ትንፋስ ሓፋሽ የንሳፍፍ፡ “ሕድሪ” “ሕድሪ” ድማ ይሽትት። ንትንፋሳት ጽልእን ቕርሕንትን ጸሪጉ፡ ትንፋስ ፍቕርን ሰላምን የንግስ። ኣብ “ኣነ” ሰማእትነት ዘይኮነ “ነብሰ ቕትለት’ዩ” ዝርከብ። ነብሰ-ቕትለት፡ ብስነኪ ድቕድቕ ጸላም “ኣንነት” ዝፍጠር ቅብጸት’ዩ። መድሕን የብሉ ሕድሪ፡ ብርሃን የብሉ መጻኢ፡ ብዘይካ ጥፍኣት ምስ ቅርሕንቲ።
ዓወት “ንሕና”፡ ዓወት ሓፋሽ’ዩ። ሓፋሽ ምስ ዝዕወት፡ እቶም ኣብ ሓፋሽ ዝውከሉ ውልቐ-ሰባት ይዕወቱ። ውልቐ-ሰባት ዝዕወቱ ንዓወት ናይ ሓፋሽ ምስ ዝጽዕዱ ጥራይ’ዩ። ንውልቓዊ ዓወቶም ምስ ዝሰርሑ፡ ንዓወት “ኣነ” ስለዝሰርሑ፡ ይድሰቱ እንበር ኣይሕጎሱን፡ ይቕምስሉ እንበር ኣየጉላዕሉዑን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብጀካ ምስ ሓፋሽ፡ ውልቐ-ሰብ ንበይኑ ክሰርር ስለዘይክእል’ዩ።
“ንሕና”፡ ሰብነት ጥራይ ዘይኮነ ትንፋስን መሬትን ውን’ዩ። መሬት ምስ ዝትንከፍ፡ ትንፋስ ትትንከፍ፡ ትንፋስ ምስ እትትንከፍ ሰብነት ይትንከፍ። እዚ ማለት፡ ሰብነት፡ ትንፋስ፡ መሬት ሰለስተ’ኳ እንተኾኑ፡ ተደሚሮም ግን ሓንቲ “ንሕና” ይኾኑ ማለት’ዩ። በዚ’ዩ ድማ “ኣይተቛሙቱ ናብዛ መሬተይ፡ ባሕራ ምስ ምድራ ናተይ’ያ ናተይ” ክብል ዝተደርፈ። ነዚ ዝዘንግዑ ጊላታት “ኣንነት”፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ”፡ “ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ” እንዳበሉ ጉድጓዶም ዝፋሓሩ።
ኣብ “ንሕና” ናተይ፡ ንዓይ ዝብሃል የለን፡ እንትርፎ ናይ ህዝበይ። ካብዚ ተበጊሱ’ዩ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ነታ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ዘበሰረት ብረቱ “እዛ ብረት ናይ እንዳ ዓዋተ ኣይኮነትን። ንህዝቢ ኤርትራ ኣረኪበያ’የ” ክብል ዝተዛረበ።
ንሕና ኤርትራውያን ንቛንቛ “ንሕና” ብንኡስና ክንመሃራ ንጅምር። ንዝሃንጠሰ ይምሓርካ፡ ንዝተዓንቐፈ “ሓወይ” ደሓን ዲኻ ወይ’ውን “ሓፍተይ”ደሓን ዲኺ! እንዳበልና ንደናገጽ ካብ ልብና። ሰከም ዝኸበዶም እንዳብረና፡ ንዝሰኣኑ ካብታ ዘላትና እናሃብና፡ ንዝተጸለኦም ጥዕና እናተመነና፡ ንሕማቕ ዝረኸበ ተስፋ እናስነቕና፡ ንዘይስነምግባራዊ ጠባይ ዓገብ እናበልና፡ ይቕረ ንብል ንዝበደሉና፡ ካሕሳ ዘይንቕበል ፍቕሪ ክወልደልና..ወዘተ፡ ገለ ካብ ቋንቋታት “ንሕና” እዮም። እዚ ባህሊ ድምጺ “ንሕና’ዩ”፡ ነዊሕ ዝሰረቱ ጥንታዊ ክብሪ፡ ምስጢር ዓወት ሰውራን ተስፋ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራን’ዩ ውን።
ህዝቢ ኤርትራ ብድምጺ ንሕና፡ ንኣነ፡ ናተይ ዝድምጾም ጸላእቲ ንምጥፋእ’ዩ ሰውራ ዝፈጠረ። መስዋእቲ ከፊሉ’ውን ድምጺ ናጽነት ንዓለም ዘጋውሐ፡ ልእላውነቱ’ውን ዘውሓሰ። እዚ ድምጺ’ዩ ንህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ዝገብሮ።
ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብዝተፈላለዩ መግዛእቲ እንተሓለፈ ንኹሉ ወራራቶም መኪቱ፡ ተኸላኺሉን ንመሓውራቶም ኣልሚሱን በብዝመጽዎ ከምዝምለሱ ገይሩ’ዩ። እዚ ድማ ብሓደ ዕላማ ንሓንቲ ኤርትራ ሓቢሩ ብሓድነት ስለዝተቓለሰ’ዩ።
መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ “ንሕና” ዘመንጨዎ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርግ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ እኳ እንተፈተኖ ትምህርቲ ኮይኑ’ዩ ሓሊፉ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ተገዳስነት ልዕሊ ነብሱ ስለዝኾነ።
“ንሕና” ዘድምጽ ህዝቢ ዘራይ የብሉን። ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊኡ ብዝተሃቀነ ዝተፈላለየ ወራራት ኣይተንበርከኸን። ብዘይ ዝኾነ ዝጥቀስ ሓገዝ ብምስዓር ድማ ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ’ዩ።