Business is booming.

ሕድገት

ኣብርሃም ዮውሃንስ (እብር)

ከም ኣፍ-ዑንቊ ጸቢቡና ወዓለ። ምድረ- ሰማይ ጸጥ ምስ በለ፣ ድሃይ ሓድሕድ ክንተሓታተት ጀመርና። እቲ ጸጥታ ግን – ናይ ባዕሉ ጸቕጢ ፈጠረልና። ልዕሊ’ቲ ተዅስን ገልጠምጠምን፣ እቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስቕታ ዝነገሰ ፍርሒ ከበደና።

ርእሰይ ፈግ ክትብል ደለየት፣፣ ነዚ እውን ተዅሲ ምስ ሃጠመ እየ ኣቕሊበሉ። እታ ዝተሓባእናላ ጥዋለት ጥራሕ ድያ ዋላስ ምልእቲ ባጽዕ እያ ኣዅሪጣ ክፈልዮ ኣይከኣልኩን። መናድቕ ናይቶም እንፈልጦምን ዝፈልጡናን ውቁባት ኣባይቲ፡ ገለ ክፋሉ ተገሚዑ ኣብ ጽርጊያ ጻሕ… ኢሉ ነይሩ። መዋእልና ዘጽለልናሎም ኣግራብ ከተማ፡ ደው ምባል ዝሰልከዮም ክመስሉ ኣብ ባይታ ራዕ ኢሎም ነበሩ። ዝተበታተኸ መስመራት ኤለክትሪክ ካብ ኣዕኑዱ ናብ ባይታ ተንጠልጢሉ፣ ሓደጋ ንምፍጣር ድሉው መጻወድያ ኮነ። ኩሉ’ቲ እንርእዮ ዝነበርና ትርኢት ንእወታዊ ምልኢትና ዝፈታተን እዩ። ኣብ ሰማይ ዝተኣኻኸበ ደበና ወዝ ቀደሙ ዘይምሕዳጉ ግን፣ ናይ ተስፋና ስንቂ ንኸይንነግፍ ሓጊዙና ነበረ።

ምድረ-ሰማይ ምስ ቀወጠ በብዘለናዮ ትም-ሕትም በልና። እኩብ ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ድሃይ ክትርእዮ ኣመና እዩ ዘፍርሕ። ከፊኡዎ እናሃለወ ዒም ዝበለ ፍጡር ኣይነበረን። እቶም ኣኽላባት እውን ብፍርሒ ተሓቚኖም ኣብ እግሪ ዋናታቶም ተሸኲዖም ነበሩ። ንሕና እውን ከም ሰብና ኣጽቂጥና። ምጽቃጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ምሕባእ እምበር። ከባቢና ራዕዲ ብዝወሓጦም ጨካናት ወተሃደራት እዩ ተጐቢኡ ነይሩ።

ውግእ ካብ ዝጅመር ኣብ ፍርሕን ምሽቝራርን ኢና ቀኒና። ምስ ሂምታ መዳፍዕን ኣውያትን ዝቐነያ ኣእዛንና ጥዑም ነገር ካብ ምስማዕ ተሓሪመን ነይረን። ፍርሒ ሓደ ካብ’ቶም ክፉኣት ገጻት ሂወት እዩ። ምስ ኣሻዃት ገጽ ካብ ምውዓል ዝኸፍእ ነገር ከኣ የለን።

ከብደይ ምስ ነቀወ እየ መግቢ ዘኪረ። ምስ መግቢ ተፈላሊና ቀኒና። ብፍርሒ ምስ ተሰዓርና፣ ነቲ ኣብ ከስዐና ኣትዩ ሓሰኻ ክቐትል ዝግብኦ ዝነበረ መግቢ ጥራሽ ረሲዕናዮ ኢና። ምዃን መን ዝዓየዮ መግቢ ኢና እሞ ክንምገብከ?

ክቱር ፍርሒ፡ ኣብቲ ጽኑዕ ዝበልናዮ ቦታ ከም እንእጐድ እዩ ገይሩና። ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ዝተደኰነት እን’ዳቦይ ተኽሊት ገዛ ኢና ተዓቚብና። ኣብታ ውስንቲ ቦታ ኣስታት 150 ዝኸውን ትንፋስ ተጨቓጪቕና ነበርና።

ኣርሒቐ ዝጠመትኩዎ ባሕሪ፣ ደረቱን ደረት እቲ ናብኡ ዝዓለበ ደበናን ምፍልላይ ኣበየኒ። ንሓድሕዱ ተሓዋዊሱ ንኣዒንተይ ምድንጋር ፈጠረለን። ነቶም ኣብ ጥቓይ ዝነበሩ ሰባት፣ እቲ ዘዕበየኒ ባሕሪ ዝሓደሰኒ መሲሉዎም ይኸውን። ንዓይ ግን፣ ባሕሪ ዘይኮነስ ውግእ እዩ ሓዲሱኒ ነይሩ።

ሓቂ ንምዝራብ፡ ውግእ ከምዘዕኑ ዘይፈልጥ በሃም ኣይነበርኩን። ከም’ዚ ገይሩ የዕኑ እዩ ዝብል ግምት ግን ጠሪሱ ኣይነበረንን። ዝቐነናዮ ቅንያት፣ ካብ ናብ ህላወ ናብ ጥፍኣት ገጹ እዩ ወሲዱና። ተስፋና ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ እናጐደለ እዩ ዝመጽእ ነይሩ። ኣብቲ ጽርግያ ዝወድቃ ዝነበራ ቦምባታት ከበድቲ ብረታት፣ ነቲ ቅጥራን እናሳዕ እበጅላኦ ነይረን። ቦምባታት እናኽፋጺ ትሽቝረር ዝነበረት ነብሰይ፣ ዝስምዓ ዝነበረ ፍርሒ ምግላጹ እኸብደኒ እዩ – ርቡሽ መንፈስ ዘውዲ ንግስነቱ ደፊኡልና ስለዝቐነየ።

እዋን ርፍድፍድ ምስ በለ፣ ሻምበል ኣስናቀ ካብ ጎማ ዝእግራ ታንኪ ወረደ እሞ – ብወተሃደራት ተዓጂቡ ናባና ገጹ ሰጐመ። ብኣመጻጽኣኦም ሰብ ቆጸራ እዮም ዝመስሉ ነይሮም። ተበተቦም ድማ ንተርባጾም የመልክት ነበረ። ንሕና ግን፡ እታ ኣብ ፊልምታት ጥራሕ እንፈልጣ ታንኪ ምስ ተጸግዓትና፣ ቅጽበት ናብ ማይ ተለወጥና። ትርግታ ልብና ድማ ብርኡይ ወሰኸ።

ሻምበል ኣስናቀ፣ ሰልፈፍ-ሰልፈፍ እናበለ ክቐርበና ከሎ፡ ናይ ጭካነ ዛንታኡ ትፈልጥ ዝነበረት ነብሰይ ንጽክታት ፍርሐይ ከተንዝዖም ጀመረት። ነፍሲ-ወከፍ ስጕሙ ንውቅዒት ልበይ ሃንፈጸቶ። ብኣኡን ብታንኩን ምስ ረዓድኩ ድማ ኣጸቢቐ ተሸቝረርኩ።

እቶም ካብ ዝባን ታንኪ ዘዘሊሎም ዝወረዱ ዓጀብቱ እውን፡ ብዘርዕድ ኣሳጕማ ናባና ገጾም ኣምርሑ። ኣጠማምታኦምን ዘዋደዱዎ ብረታትን ንኣብራኽና ኣንቀጥቀጠን። ኣብ’ቲ ዝቐምሰለ ገጾም ጭካነ ምስ ነበብና፣ ብጠያይት ከይልሕሱና ኣመና ፈራሕና። ኣማኢት ክንስና ብሻምበል ኣስናቀን ዓጀብቱን ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ መሰልና።

“መጺኡ’ዚ ሰልፋፍ! ይመጽኣና ኣሎ!” ካብ ማእከል’ቲ ብጸጥታኡ ክውሕጠና ዝደለየ ዝመስል ህሞት ዝሰለዀት ንጽል ድምጺ እያ። ኣመና ትሕትቲ ድሃይ ክንሳ፣ ኣብ ኣእዛንናስ ክንዲ ዓቢ መደሎ ኣቃልሐት። ዝመለሰ ሰብ ኣይነበረን። ድሓር ከኣ፡ ኣእዛንና ድኣ’የን ሰሚዐን እምበር፣ ኣዒንትና ኮነ ኣድህቦናስ ኣብ’ቶም ብሻምበል ኣስናቀ ተመሪሖም ናባና ገጾም ዝግስግሱ ዝነበሩ ወተሃደራት እዩ ዝነበረ።

ሻምበል ኣስናቀ ሓንቲ እግሩ ሓንካስ ኮይኑ፡ ንዓይኒ ጠማቲ ዘዕግብ ጉልበት ዝተዓደለ መኮነን እዩ። ትንኵዕኳዕ ዝበዝሖ ገጹ፣ ምስ ቀይሕ ዝሕብሮም ሰባት ከጸብጽቦ ዝኽእል እዩ። ህዝቢ ከተማ ባጽዕ ግን፡ ካብ ብቑመናኡ ብጭካኔኡ እዩ ዝዝክሮ። ሰብ ንምጥፋእ ድሕር ዝብል መኮነን ኣይኮነን። “ንባጽዕ ሰጥ-ለበጥ ከብላ እየ!” ዝብል ትምክሕቱ ገና ኣይሰኸነን ነይሩ።

እቲ ብጽሬቱን ስሑል ካራ ብዝመስል ስትራረኡን ዝፍለጥ ክዳኑ፣ ብጨው ባሕሪ ምቝርብዑ ኣብ ጥቓና ምስ በጽሐ እየ ፈሊጠ። ንፍሉይነት ዕለት 11 ለካቲት 1990 ዓ/ም እውን፡ ካብ ገጽ ሻምበል ኣስናቀ እየ ነቢበዮ። ደም-ደም ይጨንዎ ምንባሩ፡ ካብ ምንቅስቓሱን ጽዋገ ገጹን ንኽትርድኦ ዘሸግር ኣይነበረን። በዓል ደረት-ኣልቦ ስልጣን ምዃኑ ኣብ ግምት ምስ ኣእተኹ፣ በታ ኣብ ኢዱ ዝዓትዓታ ሽጉጥ ገይሩ ንሓደ ካባና ከም ዘውድቕ ኣይተጠራጠርኩን።

“ኦሮማይ!” ንዝበለ ሰብ ክርኢ ግልጽ ኢለ ነይረ። መኖም ከም ዝተዛረበ ክፈልዮ ኣይከኣልኩን። ብዘይ ፍረ ንኸይተርፍ ግን፡ ንሓደ ካብ’ቶም ኣብ ድሕረይ ዝነበሩ ሰባት ጠርጠርኩዎ።

ሻምበል ኣስናቀ ኣብ ቅድሜና ደው በለ። በርበረ ዝመሰላ ኣዒንቱ ንጽንካረ እቲ ኩነታት ብልክዕ ይገልጻኦ ነይረን። ኣብ ገጹን ክሳዱን ዝተገታተረ መስመራት ደም፣ ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ ብርቱዕ ሕርቃን በጣዕጣዕ ኣቢሉልና እዩ።

“ባጽዕ ምልእቲ እናተደብደበት፡ እዛ ገዛ እዚኣ ስለምንታይ ዘይተሃርመት!?” ዝበለ ሻምበል ኣስናቀ፡ ዝሓራቐመን ኣስናኑ ናይ ነብሪ ድኣ’ምበር ናይ ሰብ ኮይነን ኣይተራእያንን። ካብ ገጹ ቃላቱ፣ ካብ ቃላቱ ገጹ ኣፍርሓኒ።

ድኻም ዓሲሉዎ እናሃለወ፣ ዓው ኢሉ ካብ ምዝራብ ኣይተዓግተን። ዓውታኡ፣ ንኣእዛንና ከይብንቍረልና ፈራሕና። እቲ ብጨው ዝቖርብዐ ክዳኑ ጎርፋዕፋዕ ክብል ከሎ፣ ቴንዳ ድኣ’ምበር ዓለባ ይመስል ኣይነበረን። ብዛዕባ ጥፍኣትና ምግዳሱ ግን ኣይገረመናን። እንተኾነ፡ ብጩቝ ዝበለ ሰብ ኣይነበረን። ኣይኮነን’ዶ ክንምልስ፡ ኣዒንትና መሊእና ክንጥምቶ እውን ድፍረት ኣይነበረናን።

“ኣብ’ዚ ገዛ እዚ ኣስተኳሽ ከምዘሎ ጥርጥር የብለይን!” ዝበለ ሻምበል ኣስናቀ፣ ሓርቖቱ ምስ ገንፈለ፡ ነተን በርበረ ዝመሰላ ኣዒንቱ ከውጽአን ቁሩብ ተረፎ። ኣብ ካልእ እዋን ከባጩ እንከሎ ዓው ኢሉ’ዩ ዝስሕቕ። ከም ሰብ፣ ብዓውታ ሰሓቑ ንኸምኡ ዝኣመሰልና ሰባት ክድህል ዓቕሚ ነይሩዎ። ኣብ’ቲ ውጡር ህሞት ግን፡ እቲ ናይ ባጫ ሰሓቑስ ምስኡ ኣይነበረን።

ቁጠዐኡ ግን፡ ኣይኮነን’ዶ ንተቓውሞ ንደገፍ ዝኾና ቃላት ከተውጽእ እውን ዘኽእል ኣይነበረን። ብሰንኪ’ዚ፡ ዝኾነ ምላሽ ኣይሃብናዮን። ኣብ ባጽዕ፡ ባህሪ ሻምበል ኣስናቀ ዘይፈልጥ ሰብ እንተነይሩ፡ ውሑድ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ድሕሪ መልስና ንዘሎ መዘዝ ኣብ ግምት የእቲና፣ ልሳን ከም ዘይብልና ከነጽቅጥ ኢና መሪጽና። እንተኾነ፡ ከምኡ ኢልናስ ኣይቀጸልናን። እታ ሬድዮ ኦፐሬተሩ ዘቐበሎ መልእኽቲ፡ ነቲ ዘንጠጠየ መዓት ንእለት እያ ቀንጢጣቶ።

“ድሓን፣ ክንረአአ ኢና!” ዝበለ ሻምበል ኣስናቀ፡ ኣንጐልሒጡ ጠመተና። ዘርዕዳ ኣዒንቲ እዩ ተዓዲሉ። ሃንደበት ሕቖኡ ምስ ገልበጠ – ክንኣምን ኣይከኣልናን።

ኣብ መንጎ እዚ – “ከይዱ’ዚ ርጉም ዘርኢ!” ዝብል ድሃይ ሰማዕኩ። ነቲ ዝተዛረበ ሰብ ስኽፍታ ንኸይስምዖ ግን ግልጽ ኣይበልኩዎን።

ሻምበል ኣስናቀን ሸውዓተ ዓጀብቱን ኣብ ታንኮም ምስ ተሰቕሉ፤ ወያ ታንክ ሞተረኣ ገዓረ። ምስ ምግዓር’ቲ ሞተረ ኸኣ፡ ናብ ጽልሚ ገጹ ዝኸደ ዓብላዂ ትኪ በለል በለል በለ። ምብጋሶም ሽዓኡ እየ ኣሚነ። ናብ’ታ ታንክ ገጹ ክስጕም እንከሎ ግን፡ በቲ ኣብኣ ዝተጻወደ ብረታት ገይሩ ክልቝምጸና እዩ ዝብል ግምት ኣሕዲረ ነይረ።

መወዳእታኡ ግን፡ ኣዒንተይ ደድሕሪ’ታ ዝተሓምበበት ታንክ ደኣ ሰዓባ። “ተመስገንኪ ማርያም ጥዋለት!” ኢለን ዓሚቝ ትንፋስ ናይ ዘስተንፈሳ ኣደ ድምጺ ስለዝሰማዕኩ ድማ፡ ኣንፈት ጠመተይ ለወጥኩ። ኣተናፍሳአን ካብ ወጥርታት ሕርሲ ብሰላም ተገላጊላ ድሃይ ውሉዳ ዝሰምዐት ኣደ እዩ ጥዒሙ።

እታ ንሻምበል ኣስናቀን ብጾቱን ዝሓዘት ታንኪ ተኸወለት። ሽዓኡ፡ ጥቓኹም ምስ ዘሎ ሰብ ተዛረቡ ዝብል ፍቓድ ዝረኸብና ክንመስል፣ ንሓድሕድና ጉጅምጅም ክንብል ጀመርና። ዝዓበየ ስግኣትና ሻምበል ኣስናቀ እዩ ነይሩ። እቲ ዘይምሕር ደብዳብ ከቢድ ብረት እኳ – ክንዲ ሻምበል ኣስናቀ ገይሩ ኣየሸቝረረናን።

“እዚ ኣርዮስ! ኣሚቱልና ከም ዝኸደ ክንዝንግዕ የብልናን። ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ ቦምባ ከቢድ ብረት ዘይምዕላቡ ጠሪሱ ባህ ኣይበሎን ዘሎ” ኢሉ ንዝተዛረበ ሰብ ግልጽ ኢለ ጠመትኩዎ። ንሱ ግን፡ ኣዒንቱ ካብ ገጸይ ኣህደመን። ብቐደሙ እውን ሕርቃን ድኣ’ዩ ኣዛሪቡዎ እምበር፣ ኣብ መንጎ ዘይትፈልጦምን ዘይፈልጡኻን ሰባት ኮይንካ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ክትዛረብሲ ከቶ ዝከኣል ኣይነበረን።

ሓደ ኣብ ሓመድ ዝተንፈፈወት እትመስል ቀምሽ ዓረብን ኩፍየትን ዝለበሱ ኣቦ ግን፡ ንየማነ ጸጋሞም ግልጽልጽ ድሕሪ ምባል – “ወላሂ… ኣብ ሓደ ክጥጥቑና እዮም ዝደልዩ ዘለዉ!” በሉ’ሞ፣ ደጊሞም ከባቢኦም ድሕሪ ምጥማት – “ዝወደይ፡ ከባቢኻ ኣቕሊብካ ድኣ ተዛረብ” ብምባል ማዕዳኦም ፈይ ኣበሉሉ። ንባዕሎም ግን ዝወረደት ትውረደኒ ኢሎም ግዲ ጨኪኖም፣ ኣብ ገጾም ምልክት ፍርሒ ኣይነበረን።

ኣብ ጥቓና ዝወደቐት ቦምባ ልብና መልሓትና። እግሪ-እግራ እናፋጸያ ዝመጽኣ ሰለስተ ቦምባታት ከኣ ዓረም. . . ዓረም በላ። ብፍርሒ ተቐጠንና። ካባና ንላዕሊ ቈልዓ ሰበይቲ ነይሮም። ህጻን ብፍርሒ እናኣንቀጥቀጠ፡ ናብ ማህጸን ኣዲኡ ክምለስ ክደሊ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ነገር ኣይነበረን። ገሊኦም ዓው ኢሎም እዮም ዝውጭጩ። ኣዴታቶም፡ ደቀን ንኸድሕና እናተቓለሳ ንፈጣሪአን ብቐጻሊ ይልምና። ልዕሊ ኹሉ፡ ንማርያም ጥዋለት ደጋጊመን ለሚነንኣ።

እቲ ደብዳብ ናይ ነገር ድሓን ዘይምዃኑ ውሽጠይ ሕሹዅ በለኒ። ፈኸራ’ቲ ጨካን ሻምበል ኣስናቀን እቲ ደብዳብን ምውህሃዱ፣ ከቶ ንሱ ዝኣዘዞ ክኸውን ኣለዎ ናብ ዝብል መደምደምታ እዩ መሪሑኒ። ኣብ ወደብ ብዘጻወዱዎ ከበድቲ ብረት ገይሩ ይሰሃለና ምንባሩ ኣይተጠራጠርኩን። ብዘይ ንሱ’ውን እቲ ሓሓሊፉ ቃል-ቃል ዝብል ዝነበረ መኽዘናት እኽልን ዓበይቲ መካይንን ድሂሉና እዩ።

ቁሩብ ጸኒሐ “ኣሕ…! ጠጠቑና’ባ” ዝብል ካልእ ምዕዝምዛም ሰማዕኩ። ሻቡ፡ ካብ’ቶም በዓል ሻምበል ኣስናቀ ዘዋፈሩዎም ጠበውቲ ዘረባ እናተጠንቀቕኩ፣ ነቲ ዝተዛረበ ሰብ ንኽርኢ ናብ የማናይ ሸነኸይ ግልጽ በልኩ። እንተኾነ፡ ፈልየ ክፈልጦስ ኣይከኣልኩን።

ደብዳብ ዝግ ምስ በለልና፡ “ኣንቱም ሰባት፡ ኣብ’ዚ ብዘይ መላስ ወረ ክንለሓስ ኣይኮንናን፣ ፋሕ ዘይንብል፣ ካብ ዳሕራይ ጣዕሳ ሕጂ በብዘለናዮ ንበተን!” ክበሃል ሰሚዕና ንየማነ ጸጋምና ግልጽ-ምልጽ ምባል ኣብዛሕና። ናበይ ገጽና ከም እንሃድም ስለ ዘይወሰንና ግን፡ በገይ-በገይ ካብ ምባል ሓሊፍና ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ኣይነበረን።

ድሓር ግን፡ ድምጽና ሃንደበት በርከተ። መን ከም ዘበገሰና ብዘይ ተረድኣኒ መገዲ ብድድ-ብድድ በልና። ፈለማ እኳ በብዘለናዮ ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩና እንተነበረ፡ ድሓርስ ተኣኪብና ሓደ ዝኣንፉ ጉዕዞ ጀመርና።

ይቕጽል

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More