Business is booming.

ሕድገት

ኣብርሃም ዮውሃንስ (እብር)

ካልኣይ ክፋል

እቶም ኣብ ከባቢ ጽርጊያ ስጋለት ቀጣን ዝነበሩ ወተሃደራት፡ በቲ ካብ ወደብ ዘግዓዙዎ ኮናትል ስርናይ ኣብ ዝሰርሑዎ ዕርዲ ዓሪዶም ነይሮም። ሰሰሪቕና ድኣ ርኢናዮ እምበር፡ ዓይንና መሊእና ክንጥምቶስ ድፍረት ኣይነበረናን።

ታንክታቶም ኣብ መናድቕ ናይ’ቲ ፍርስራስ ገዛውቲ እየን ተጸጊዐን ዝነበራ። ሽዑ፡ “እዘን ኣብ መናድቕ ተላሒገን ዘለዋ ታንክታት፡ ንኣሕዋትና ከሀምላኦም ይኽእላ እየን” ኢለ ንበይነይ ተዛረብኩ። ወረ ገድልን ተጋደልትን፡ ንበይንኻ ጥራይ እትዛረበሉ ዛዕባ ምዃኑ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝፈልጥ። ግዳ ሓገዝ እንተኾኖም ብምባልሲ ኣጻሊተሎም፣ “ንጸላእቲ ዲል ኣይትሃቦም!” ኢለ ንፈጣሪ ለሚነዮ።

ጥዋለት፡ እልቢ ብዘይብሉ ሬሳ ወተሃደራት ተጐቢኣ ነይራ። ምዉት እናተሳገርካ ምሕላፍን ዝተቘራረጸ ኣካላት ምርኣይን ፋልማየይ እዩ። ብሰንኪ’ዚ፡ ነብሰ-ስጋይ እናተገፈፈ እየ ዝጓዓዝ ዝነበርኩ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ናበይ ንኸይድ ከም ዘለና እፈልጥ ኣይነበርኩን። ግዳ “ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ጋዓት” ዝብል ምስላ ዝተኸተልና ክንመስል፡ ከም ወራዶ መርዓ ዓጒጕና ንጓዓዝ ነበርና።

ናበይ ብዘየገድስ፣ ናብ’ቲ ቅድሜኻ ዘሎ ሰብ ዝኸዶ ገጽካ ኢኻ እትኸይድ። ኣብ መንጎኡ ግን ኣንፈትና ቀየርና። ብኣንጻር’ቲ ክንከዶ ዝጸናሕና ኢና ተገልቢጥና። ቁሩብ ጸኒሕና ድማ፡ ንማርያም ጥዋለት ናብ የማን ሓዲግና ኣብ ከባቢ ዳህላክ ሆቴል ንዘላ ድንድል ባብ ዓሸራ ሰገርናያ።

ናብ’ታ ኣብ ጥቓ ወደብ እትርከብ ባንክ ክንኣቱ ከለና ኣስታት 200 ትንፋስ ንኸውን ነይርና። እቶም ወተሃደራት ንጽርጊያ ስጋለት ቀጣን ገጽና ከይነምርሕ ጥራሕ እዮም ዝሕልዉና ነይሮም። ብዘይክኣ ካልእ መዋጽኦ ከም ዘይብልና ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ነቲ ጅሆ ዝሓዙዎ ህዝቢ ከም ውሑስ ድፋዕ እዮም ወሲዶምዎ። ንዓና እንተዘይሒዞም፣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ከም ዘጥቅዑዎም ይፈልጡ ስለዝነበሩ፡ ኣፍ ሻምብቆ ብረታቶም ናባና ገጾም ኣቕኒዖምዎ ነይሮም።

ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ደቂ ኣዳም ክንስና፡ ነብሶም ንኸድሕኑ ከም ዕርዲ ተጠቒሞምልና። ነታ ከም መዕቈቢት ክንግልገለላ ዝሓሰብና ባንክ እውን ረጊእና ኮፍ ክንብላ ኣይከኣልናን። ዓቕሊ ምስ ኣጽበብና፣ ዝሓሸ መሓብኦ ንምንዳይ ሃንደበት ብድድ – ብድድ ብምባል ተበጊስና። ኣንፈት ጉዕዞና ዝፈልጡን ዝውስኑን እቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ጥራሕ እዮም። እቶም ካልኦት ደድሕሪኦም ጥራሕ ኢና ንኸይድ።

“ሕጂኸ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና?” ኢለ ዝሓተትኩዋ ነብሰይ መልሲ ኣይረኸበትለይን። ሽዑኡ፡ ነቲ ከም ከብቲ ዓጒጕካ ምኻድ ከም ውሁብ ወሲደ ቀጸልኩዎ። ምኽንያቱ፡ በይነይ ተነጺለ ክጓዓዝ እንተድኣ ፈቲነ፣ እቶም ህልመት ወድዮም ኣብ ዕርድታት ስርናይ ዝነበሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብጥይት ከውድቑኒ እዮም።

ካብ ባንክ ወጺእና ንሳቦያ ንየማን ገዲፍና፣ ብውሽጠ-ውሽጢ፣ ብርእሲ ምድሪ ገይርና ንቶሪኖ ሆቴል ተጐዝጒና ናብ ከባቢ ቴለኮሙኒኬሽን ተሓወስና። ቀጺልና – ንድንድል ባብ ዓሸራ ሰጊርና ንቤተ- መንግስትን ምምሕዳር ከተማን ንየማን ሓዲግና ንማርያም ጥዋለት ገጽና ተጠወና።

እቲ መንገዲ ብሬሳ ወተሃደራት መሊኡ እዩ። ከቢድ ብረት ዝጐማመዶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ፍቖዶኡ ተበታቲኑ ነይሩ። ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ምሉእ ሰብነት ዝነበሮ ሬሳ ክርኢ ኣይከኣልኩን። ድሓርሲ፣ ቆልዓ ሰበይቲ እውን ምስ ሬሳ ተለማመዱ። ነብሶም ክትነፍር ትደሊ ከም ዘይነበረት፣ ምስ በዝሐስ ምዉት እናተሳገርካ ምጕዓዝ ከም ውሁብ ተወሲዱ።

ብዙሓት ካብ’ቶም ንሳገሮም ዝነበርና ሬሳታት ክንፍሑ ጀሚሮም ነይሮም። እቲ ብንጽህናኡ ንኾርዓሉ ኣየር፣ ብሽታ ሬሳታት ተበኪሉ ነበረ። ንሳንቡእ ዘዕገርግር ድኣ’ምበር፣ ባህታ ዝፈጥር ጽሩይ ኣየር ኣይነበረን። ብሰንኩ፡ ነተን ብኩል ኣየር ዝጓርታ ዝነበራ ቀዳዳት መተናፍሶና ጸላእናየን።

ኣብ መንጎ’ቲ ሬሳታት፡ ሓሓሊፎም ነበርቲ ከተማ ባጽዕ ወዲቖም ነይሮም። “መሳኪን! ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክናጠሩ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝተሃርሙ ይኾኑ” ኢለ ንነብሰይ ሕሹዅ ኢለያ። ጸኒሐ ድማ፡ ገሊኦምሲ ስድራ-ቤታት ናይ’ዞም ወተሃደራት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢለ ሓሰብኩ። ስድራ-ቤት ወተሃደራት ይኹኑ ነበርቲ ከተማ ባጽዕ ግን፡ ሂወቶም ሓሊፉ ምንባር ኣቋሪጾም እዮም።

ብኸም’ዚ፡ ዘንጸርጸሩ ወተሃደራት እናተኰሱልና ኢና ናብ ጥዋለት ተመሊስና። ኣብ መንጎ’ዚ፡ ሓደ ወተሃደር ደርግ ኣብ ዝባን ናሕሲ ናይ ሓደ ርሻን ኮይኑ ኣድራጋ ጠያይት ኣዝነበልና። ብጠያይቱ መነ-መን ከም ዝወደቑ ንምርግጋጽ ዝኸውን ግዜ ኣይነበረናን። እንተ ንሱ፡ ብኡ ንብኡ ቦምባኡ ፈንጀረ። እቲ ዝንዝሓና ዝነበረ ጠያይት ድማ ጸጥ በለ።

ሻቡ፡ ናብ ማርያም ጥዋለት እትወስድ ጽርጊያ ገዲፍና ንየማን ተዓጸፍና። ናብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምሕረት ገጽና ድማ ኣምራሕና። ልክዕ ከም ፈረስ ኢና ንጋልብ ዝነበርና። ኣብቲ ቦታ ህዝቢ ተተቲዑ ጸኒሑና። ከብድኻ ዝገላብጥ ብርቱዕ ኣውያት ኣዴታትን ህጻናትን ይስማዕ ነይሩ። ንሕና ምስ ተወሰኽናዮ ድማ መሊሱ ገዲዱ።

ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ምስ በጻሕና፡ ሓደ ገጾም ከሰል ዝተኸድነ ካህን ኣብ ቅድሜና ደው ኢሎም ክዛረቡ ጀመሩ። ከዕቍቡና ድኣ’ምበር ክምግቡና ከም ዘይክእሉ እዮም ገሊጾምልና። ምስ’ቲ ዝነበረና ጥሜት መግለጺኦም ተስፋ ኣቚሪጹና። ግደ ሓቂ ግን፡ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ህዝቢ እዮም የዕቊቦም ነይሮም።

ደብዳብ ዝግ ምስ በለ ኢና – ንጉዳይ ጥሜት ልዕሊ ጉዳይ ፍርሒ ክንሰርዖ ዝጀመርና። መሰኵዒ ስኢና ተንቀጥቅጥ ዝነበረት ነብስና፡ መስተርሆት ምስ ረኸበት ሓሰኻ ከብዲ ዝቐትለላ መግቢ ከተቋምት ጀሚራ። ዝቋረፍ እኽሊ ስለ ዘይተረኽበ ግን፡ መዓናጡና ከም ሕሱም ግዒሩ።

ሞት ደድሕሬና እናኣዅደደት፡ ብዓቕሊ ጽበት ዝኣክል ካብ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ- ምሕረት ወጻእና። ናበይ ንኸይድ ከም ዝነበርና ግን ኣይንፈልጥን። ኣእጋርና እግሪ- እግሪ እቶም ብቕድሚት ዝነበሩ ክኸዳ ምስ ስለዝኣዘዝናየን ዘዝረገጹዎ ይረግጻ።

ድሓርሲ፡ እታ ጎማ ዝእግራ ታንኪ ናባና ገጻ ክትመጽእ ብማዕዶ ርኣናያ። ኣይደንጐየን “ሻምበል ኣስናቀ መጺኡ!” ሰማዕና። ብስሙ ስለ ዝተደሃልና ብዘይ ልብና – መን ናበይ ከም ዝኸይድ ይፈልጥ ኣይነበረን – እግረይ ኣውጽእኒ ኰይኑ። ግዳ ገሊኦም ግዲ ዝቕልሱና ነይሮምሲ – እቲ ናይ ህድማ ማዕበል ትኽ ኢሉ ናብ እንዳ ሜሎቲ ከም እንኣቱ ገበረ።

ንእንዳ ሜሎቲ እውን፡ ኣፍናን ኣፍንጫናን ዓቢስና ኢና ኣቲናዮ። ነቲ ሬሳ ደቂ-ሰብ ዛሕዛሕ ዝበሎ ጽርግያ ምስ ረኣኹ፣ ባጽዕ ዳግም ክትሕደስ እትኽእል ከተማ ኮይና ኣይተራእየትንን። ንሕናን ኣባይታን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ንድምሰስ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ካብ ደብዳብ እንተኣምለጥና፣ በዓል ሻምበል ኣስናቀን እቲ ነብሱ ንኸድሕን ንህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ወደብ ዝተሓብአ ጀነራል ተሾመ ተሰማን ከም ዘየናሕስዩልና እርድኣኒ ነይሩ። ሕን-ሕነ እቲ ዝወረዶም ስዕረት ኣባና ከም ዘራግፍዎ ጠሪሰ ኣይተጠራጠርኩን።

ኣብ መንጎ እዚ፡ ብሕሹዅታ ንዝተዘርበ ዘረባ ኣእዛነይ ጸልየ ሰማዕኩዎ። ሓቂ ድዩ ሓሶት ግን ክፈልዮ ኣይከኣልኩን። “ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ፡ በቶም ወተሃደራት ተጸይሩ ዝመጽአ ወረ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ምኽንያቱ፡ ብዘይካኦም ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዘይክእል ምስጢር እዩ” ኢለ ምስ ነብሰይ ተጓጅመ።

ሽዱሽተ ንኸውን ሰባት ዝዓጐጕናዮ መንእሰይ – “ሓደ ሰብ፡ ጻዕዳ ባንዴራ እናኣምበልበለ ስጋለት ቀጣን ሰጊሩ ናብ ሻምበል ኣስናቀ በጺሑ ይበሃል ኣሎ” ብምባል ድምጹ ኣትሒቱ ነገረና። ምእማኑ ከበደኒ። ፈጠራዊ ዕላል መሲሉ እናተሰምዓኒ ግን፡ ምስማዕሲ ቀጸልኩ ድኣ።

“ሓደ ኣይኮነን ክልተ እዮም” ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ካልእ መንእሰይ መልአ። እቲ ቀዳማይ ኣዘንታዊ ግን፡ ንሓደን ክልተን ከም ተራ ቁጽሪ ዝረኣየን ክመስል፡ ብዛዕባ ብዝሖም ከይተገደሰ “ሽዑ ሻምበል ኣስናቀ፡ ናብ’ቲ ነዚ ኲናት ዝመርሖ ዘሎ ጀነራል ወሲዱዎ” ብምባል ደጊሙ ብሕሹዅታ ነገረና እሞ – የማነ ጸጋሙ ንዘሎ ኩነታት ብኣዒንቱ ኮለሎ።

“መን እዩ እቲ ጀነራል?” በለ ሓደ ሰብኣይ። ኣብ መንጎ ብምእታዉ እኳ እንተጸላእናዮ፡ መንነት ናይቲ ጀነራል ክንፈልጥ ስለዝተሃንጠና፡ ድምጺ ተቓውሞና ዓቂብና ኣእዛንና ጸለናየን።

“ብርጌደር ጀነራል ተሾመ ተሰማ እዩ ዝበሃል። ናይ ስድስተኛ ክፍለ-ጦር ኣዛዚ እዩ” መለሰ’ቲ ኣዘንታዊ። ፈሊጠ-ኩሉ ብምዃኑ ግዲ ተሓቢኑ ኸኣ ኩርዕርዕ በለ።

ንክቕጽል “ህ…” በልናዮ። መዕለቢ ናይ’ቲ ዘይእመን ዝመስል ዛንታ ሰብ ጻዕዳ ባንዴራን ስጋለት ቀጣንን ክንፈልጥ እናተረበጽና።

“ክመጽኡ እንከለዉ ኣይትኵሱሎምን ድዮም ወደይ?!” ሓደ ካባና ዘረባኡ ንዝጀመረ ኣዘንታዊ ኮለፎ። ሕቶኡ መርኣያ ዘይምእማኑ ምዃና ኣይሰሓትናን።

“ያእ! ካብ ‘ኣይትኵሱሎምን ድዮም?’ ትብልሲ፡ ‘እንታይ ክገብሩ መጺኦም?’ ዘይትብል ግዳ” ሓደ ኣብ ዕድመ ሓምሳታት ዝርከብ ሰብ እዩ ገኒሑዎ። ግዳ ንሱ’ውን ንምጥርጣሩ እተብርህ ሕቶ እዩ ደርብዩልና። ኣነ ትም ኢለ እየ ዝሰምዖም ዝነበርኩ። ሓቂ ይሓይሽ፡ እቲ ኣብ መንጎ እናኣተዉ ምኵልላፎም ኣጽሊኡኒ ነይሩ። ኣገዳስነት ናይ’ተን ሕቶታት ምስ ረኣኹ ግን፡ መልሰን ንኽሰምዕ ኣእዛነይ ምጽላው ቀጸልኩ።

ወዮ ኣዘንታዊ፡ ንየማነ ጸጋሙ ግልጽ-ምልጽ ድሕሪ ምባል፡ “እቲኦም ዝለኣኹዎም እዮም እዩ ዝበሃል” በለ’ሞ ንዝያዳ ምትእምማን ደጊሙ ብኣዒንቱ ከባቢኡ ኮለለ።

“ኣሃ…” በሉ ሓደ ብኽቱር ጥሜት ከናፍሮም ሓሙዅሽቲ ዝመሰሉ ኣቦ። ገለ ካብ’ቶም ብዕላልና ዝተመሰጡ ሰባት ምስ ተወሰኹና፡ ቁጽርና መመሊሱ ይስስን ነይሩ እዩ።

እቶም “እቲኦም” ተባሂሎም ዝተረቝሑ ተጋደልቲ ምዃኖም ኣይጠፍኣንን። ኣብ’ቲ እኩብ ሰብ ስሞም ምጥቃስ ብዘይ ፍርዲ ከም ዘረሽን ስለዝፈልጥ እዩ ንስሞም ከም ዕፉን ጐልቢቡ ክነግረና ሃቂኑ። እንተኾነ፡ ከይተቐልዐ ቅሉዕ እዩ ዝነበረ።

ቀጺሉ እቲ ኣዘንታዊ፣ “‘ህዝቢ ከይተለክሙ ብሰላም ኢድኩም ሃቡ!’ ዝብል ጽሑፍ ሰዲዶምሎም’ እዩ ዝበሃል ዘሎ። ክሳብ መልሲ ዝህቡዎም ከኣ፡ ን24 ሰዓታት ተዅሲ ደው ኣቢሎም ኣለዉ። ከቢድ መሳርያ ዝግ ምባሉ ናይ ከምኡታት’ዩ ዝኸውን” ዝበለ’ቲ መንእሰይ፣ ገጹ ድሕሪ ምእሳር “ኦ…! በዚሕኩምዶ ሓቀይ። ኣንታ ከተሰጅኑና ኢኹም” ኢሉ ሓዲጉና ናብ ሓደ ጸግዒ ገጹ ከደ። ብሒቱ ድማ ኮፍ በለ። ኣብ ጥቓና ክንሱ፡ ንበይኑ ኣብ ደብሪ ዝሰፈረ ባሕታዊ ዘምስሎ ኣቃውማ ምስ ገበረ ፍሽኽ ኢለዮ። ንሱ እውን፡ ካብኣቶም ንኽፍለ ብኢዱ እናኣመልከተለይ ብፍሽኽታ መሊሱለይ።

“ሕጂ ኣብ ኣፉን ዕርበቱንሲ መን ከይኣስሮ እዩ ፈሪሑ ደቀይ?” ዝበሉ ሰብኣይ እውን፡ እቲ ኩነታት ባህ ምባል ስለዝኣበዮም ግዲ ኾይኖም ሓዲጎምና ከዱ።

እቲ ካልኣዩ ግን፡ “እውይ ኣምነ-ኣረጋዊ፡ ኣንታ ክንደይ ይጅሩቝ እዩ’ዚ ወዲ” ድሕሪ ምባል፣ ስልጣን ምንጋር ዛንታ ተረከበ’ሞ፡ ንሓደ ካብ’ቶም ጸኒሖም ዝተወሰኹና መንእሰያት ኣዒንቱ ኣጨንቊሩ ብዓይኒ ጽልኢ ጠመቶ። ሽዕኡስ ንሕና እውን ፈራሕና። ዕላል እቶም ሰብ ጻዕዳ ባንዴራ ብምቁሩ፣ በብዘለናዮ ተበታቲንና ኣብ መንጎ’ቲ ኣማኢት ህዝቢ ተሰተና።

“በዓል ሻምበል ኣስናቀ ድኣ’ሞ እንታይ ኢሎም መሊሶምሎም ይኾኑ?” ኢለያ ንነብሰይ። መሊሰ ኸኣ፡ “ተጋደልቲ ‘ህዝቢ ከይልከም ኢድኩም ብሰላም ሃቡ’ እንተበሉዎምሲ ናቶም ስለዝኾንና፣ እዚኦም’ሞ እንታይ ኣእትዩዎም። እንታዮም ስለዝኾንናኸ ከይንልከም ክሓልዩልና?” ብምባል ባዕለይ ሓቲተ ባዕለይ መለስኩ።

እቲ ድሒረ ዝሰማዕኩዎ ዕላል እውን፡ ካብኡ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ግምተይ ልክዕ ኮይኑ ኸኣ ረኺበዮ። እቲ ጨካን ብርጌደር ጀነራል ተሾመ ተሰማ፡ ጓናና ምዃኑ ብዕሊ ኣፍሊጡ። ብውሳኔኡ ናቱ ዘይምዃንና ኣረጋጊጹልና።

“ዋላ ህዝቢ ይህለቕ ኢድና ኣይንህብን ኢና!” ኣብ ዝብል መርገጺኡ እዩ ጸኒዑ። ነታ “ንስኻስ ተዋጋእ፣ ህዝቢ ግን ካብ’ቲ ናይ ኲናት ቦታ ንኽወጽእ መሕለፊ ክፈተሉ!” እትብል ሕቶ ህዝባዊ ግንባር “ኣበጀኹ” መሊሱላ።

ንሕና እውን ቀቢጽና። ሞቶም ዘይተርፎም ብጠያይቶም ከም ዝልቝምጹና በሪሁልና። ባህሪኦም፡ ከም’ታ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆል” ዝበለት ኣድጊ ምዃኑ ዘይንፈልጥ ኣይነበርናን። ዛንታ ሰብ ጻዕዳ ባንዴራ ግን፡ ካባና ንላዕሊ ነቶም ተራ ወተሃደራት እዩ ኣሰንቢዱዎም። መልሲ እቲ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይብሉ ብርጌደር ጀነራል ተሾመ ኣንጉዖም ኣፍሲሱሎም። ኢዶም ሂቦም ብሰላም ክነብሩ እናበሃጉ፡ ሞቶም ዝሓረየት መልሱ ንተስፋኦም ኣጸልሚታቶ። ድሕሪ ውሳኔኡ ሞራሎም ተሰይሩ ብረቶም እናጐተቱ ክኸዱ ጀሚሮም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ፍቖዶ ኩርናዓትን ኣባይትን ቦምባታቶም ዝፍንጅሩን ብጠያይት ነብሶም ዝቐትሉን ወተሃደራት በርኪቶም።

ጥዋለትን ርእሲ ምድርን ካልእ ኲናት እዩ ተኣጒዱወን። መልሲ ብርጌደር ጀነራል ተሾመ ተሰማ ኣሉታ ምስ ኮነ፣ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሞትና ዘይተርፈና ዕድመ ስቅያትና ከነሕጽሮ ብምባል፡ ብገዛእ ኣጽዋሮም ምሟት ውራይና ኢሎም ተተሓሒዞምዎ። ኣብ ጥቓና ጥራሕ እኳ ህዝቢ እናረኣዮም ሓያለይ ወተሃደራት ነብሶም ቀቲሎም።

ኣጋ ሰዓት ኣርባዕተ ኣቢሉ ምስ ኮነ፡ ዕድመ ዝደፍኡ ኣቦታትን ኣዴታትን ብሓደ ጸግዒ ናይ’ቲ ዝተዓቘብናሉ ቦታ ኮይኖም ክምህለሉ ጀመሩ። ንሕና’ውን ኣብ ስምረት ቅኒት ምህለላኦም ተጸንበርና። እስላምን ክርስትያንን ተሓዋዊስና – ግና በብእምነትና ስለ’ቲ ዝጠፍእ ዝነበረ ሰብ ናይ’ዛ ክብርቲ ሃገር ተማህሊልና።

ይቕጽል

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More