“ሰብኣዊ ክብረትና ከሕድጉና ኣይክእሉን እዮም፣ ባዕልና ኣሕሊፍና እንተዘይሂብናዮም”
ማህተማ ጋንዲ
ቅልውላው ኣብ ዝተኸስተሉ ከባቢ፡ ገለ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን “ፍሉይ ልኡኽ” ክምዝዛን ክልእኻን ምርኣይ ሎሚ-ሎሚ ልሙድ እናዀነ ዝመጸ ዲፕሎማስያዊ ቅዲ’ዩ። እዚ ግን፡ ንዕላማ ናይ’ቲ ለኣኺ ኣካል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ክልተ ዝብልሑ ሴፍ’ዩ ዝግለጽ። ግዜን ተመኲሮን ዘነጸሮን ዘረጋገጾን’ውን ንሱ’ዩ።
ምኽንያቱ፡ ገለ ሃገራት/ውድባት ነቲ ጉዳይ ክፈትሓ ብቕንዕና ዝንቀሳቐሳ ክዀና ከለዋ፣ ገለ ግና ስቱር ኣጀንዳታት ስለዝህልወን፡ ነቲ ኩነታት ዘብእስ ሓንካሪ ተራ ክጻወታ’የን ዝርኣያ።
ኣቐዲሙ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ጀፍሪ ፈልትማን፡ ብ26 ታሕሳስ 2022 ኣብ መጽሄት “Foreign Affairs Magazine” ንሕትመት ኣብ ዝበቕዐ ዓንቀጹ፡ ነቲ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ 2018 ዝገበርዎ ስሉሳዊ ርክብ “ስግኣት ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን” ክብል ምጥቃሱ፡ ነቲ ስቱር ኣጀንዳኡ’ዩ ኣውኪኡ። እቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ “ፍሉይ ልኡኽ” ተባሂሉ ዝተሰየመ ማይክ ሃመር’ውን፡ ካብ’ዚ ዝፍለ ኣጀንዳ -ምሕንካር – ዘለዎ ኣይመስልን።
ዘይንቡር ክደጋገም ከሎ ንቡር ይመስል’ዩ። ማይክ ሃመር ኮነ ገለ ሰበ-ስልጣን ኤውሮጳ፡ ቅልውላው ከመሓድሩ ኣብ ዝመጽእሉ፡ ክብሪ ሃገር ከየሰከፎም፡ መተካእታ መንግስቲ ኮይኖም ታሕቲ ክወርዱ ምርኣይ ንቡር ተወሲዱ ኣሎ። መራኸቢ ብዙሓን ዞባና፡ እዞም ልኡኻት፡ ልኡላውነት ህዝቢን መንግስትን ከይዓጠጦም፡ ሰብ-ጉዳይ ንጎድኒ ኣጸጊዖም ዝህብዎ መግለጺታት ከጋውሓ ኣየሕፍረንን። ኣርካናት፡ ‘ድኹማት ክነመሓድር ሓላፍነት ኣለና’ እንተበሉ ኣየገርምን። እቲ ውሕልነትን ብስለትን ድማ፡ ኣብ መጻወድያኦም ዘይምውዳቕ’ዩ።
እዞም ልኡኻት እና’ኽመጽኡ፡ ብጋህዲ “ባድመ” እኳ እንተዘይበሉ፡ ብሓናኽ ድምጺ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ መርዚ ይተፍኡ እዮም። ከምዝፍለጥ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ እዮም። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ሎሚ ዘይኮነ ቀደም ብብይን ኮምሽን ዶብ ሚያዝያ 2002 ተሓንጺጹ፡ ኣብ ሕዳር 2007 ብማንዛ ተመልኪቱ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተዓጽወ ፋይል ምዃኑ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም። እናፈለጡ ግን፡ ን20 ዓመታት ዝኣክል ጎበጣ ብምስሳይ፡ ኣብ ክንዲ ኣውሓስቲ ሓንከርቲ ኮይኖም ቅልውላው ከመሓድሩ ጸኒሖም። ነዊሕ ዓመታት ካብ ሓላፍነቶም በዂሮም ከይኣክል፡ መወዳእታኡ ዕንደራ መሪቖም ብዘውረድዎ ከቢድ ዕንወትን መቕዘፍቲን፡ ህዝቢ ትግራይ ዝጨለጦ መሪር ዕረ ከኣ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን እዩ።
“ወራር፡ ዘይናትካ ምግባት ሕማም ኣእምሮ’ዩ፣ ኣብ ምዕራብ ተወሊዱ ዝተላብዐ ሕማም፣” ይብል ነበረ ቀዳማይ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ኣሕመድ ቤን ቤላ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸጋታት ምድሪን ባሕርን ደሴታትን እምበረ መጠን ኣብዚሑ ዝተዓደለ ህዝቢ’ዩ። እንዳማቱ ዘብህግ የብሉን። ‘ዘይናትና ኣይንደልን ናትና ኣይንህብን’ እዩ መትከሉ። ኣብ ታሪኹ ‘ተወሪሩ’ እምበር ‘ወሪሩ ዓዲ እከለ በጺሑ ነይሩ’ ዝብል ጽያፍ ዛንታ ኣይርከቦን። ንወራር፡ ዘይናትካ ምንብሃቚ ይፍንፍኖ እምበር ጅግንነት ኣይቆጽሮን። ብሰሪ ተሃራፊ ጸጋታት ባሕሩን መሬቱን ግና፡ ወትሩ ግዳይ ናይ ቀረባን ርሑቕን ወረርቲ ምስ ኮነ’ዩ። እምብዛ ዘሐብን ታሪኹ፡ ታሪኽ ርእሰ-ምክልኻል እዩ። ንዘመናት ኣብ ቀጻሊ መኸተ ተጸሚዱ፡ ኢዱ ከይሃበ፡ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሓያላን ኣላሽ ኣቢሉ፡ ርስቱ ዘውሓሰ ተባዕ ህዝቢ ድማ’ዩ። መዳርግቲ ዘይርከቦ ጅግና ሰራዊቱ፡ ሳሕቲ ክንዮ ርስቱ እንተሰገረ፡ ዓንደርቲ ብዂርማጅ ቀጺዑ ንምእዳብ ጥራይ እዩ።
ጭውነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈታዊን ጸላኢን ኩሉ ዝምስክሮ’ዩ። ሓንካሮ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ እናተሰከፉ በጨቕ ዝብሉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ልኡላዊ መሬቱ ወጻኢ ከምዘይርከብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይናቱ ከምዘይደሊ ኣዳዕዲዖም ስለዝፈልጡ እዮም። ወነንቲ ቴክኖሎጂ ብምዃኖም ከኣ ልዕሊ ማንም፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንሶም ይፈልጥዎ። ሓቂ እናፈልጥካን ብዓይንኻ እናርኣኻን ሓሶት ካብ ምግዋሕ ዝኸፍእ ሕስረት የለን።
በዚ ክንቲት ዘመተ’ዚ ክሕፈስ ዝድለ ዘሎ ምህርቲ ግን እንታይ’ዩ? ዘራእቲ ዕግርግር፡ ተዓሽዩ ንውግእ ዝሓንን በሃም እዮም ዘናድዩ ዘለዉ። ዕላማኦም ምንቛት እምበር ሰላም ምስፋን ከምዘይኮነ ኣእምሮ ንዘለዎ ርእሰ-ግሉጽ’ዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግዳ፡ ህዝቢ ንተንኰሎም መሪር ዋጋ ከፊሉሉ፡ ዝኣክል ተማሂሩሉ ኣሎ። በዚ ብሉይ ሜላ ምስዋር ጽልኢን ኲናትን ዳግም ዝድንቊር ስለዘየለ ከኣ፡ መልሱ ‘ንዓሻኹም በሉዎ’ እዩ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ