Business is booming.

ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ሎሚ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ።

ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ ናይ 1445 ህጅሪያ፡ ሎሚ 10 ሚያዝያ 2024 ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ።

ኣብ ኣስመራ፡ ኣሽሓት ኣመንቲ ብንግሆኡ ካበየ መሳጊድን ጀዋምዕን ተክቢር እናገበሩ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ምስ ተኣኻኸቡ፡ ብሓባር ሰላት ዒድ ኣብጺሖም።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሙፍቲ ኤርትራን ኣቦ-መንበር ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ክቡር መውላና ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኣብ ዘስመዕዎ፡ ንትርጒሙን ግቡኣትን ጾም ሮሞዳንን ዒድ ኣልፈጥርን ዝምልከት ኹጥባ፡ ንመንፈሳውን ስጋውን ረብሓታት ጾም፣ ከምኡ’ውን ንሰላት ዒድ፣ መንፈሳውን ማሕበራውን ገጽ ዒድን ዘካት ኣልፍጥርን ዝምልከት ሰፊሕ መረዳእታ ሂቦም።

እዚ ዕለት’ዚ፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ርህራሀን ሰብኣውነትን ዝሰፍነሉ ክቡር ዕለት ስለዝዀነ፡ ኣብ ክብሪታትና ክንጸንዕ ዘዘኻኸሩ መውላና ሼኽ ሳልም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓለዋን ልምዓትን ሃገር ተዋፊሮም ንዝርከቡ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ተፈንዩ።

ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት፡ ሓውሲ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምእተባዕለ፡ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More