Business is booming.

ኣብ ዞባ ማእከል፡ በዓል ናጽነት ኮማዊ ዳሳት ብምትካል ብልዑል ሓበን ተጸንቢሉ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ህዝቢ 13 ንኡስ ዞባታት፡ ብምኽንያት ጽንብል መበል 33 ዓመት ናጽነት፡ 60 ኮማዊ ዳሳት ስኒትን ሓድነትን ብምትካል፡ ትማሊ 23 ግንቦት ብልዑል ሓበን ጸንቢሉ።

ኣብ’ዚ “ውሕስነት ሰላም ብመኸተ” ብዝብል ቴማ ብ22 ግንቦት ብክልተ ንኡስ ዞባታት ዝጀመረን ንካልኣይ መዓልቱ ዝቐጸለን ጽንብል፡ ነበርቲ እኽለ-ማይ ብምድላው፡ ንክቡር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘንጸባርቕ መደባት ብሓባር ክዘናግዑ ውዒሎም።

“ኮማዊ ዳሳትና፡ ኪንዮ መግብን መስተን፡ መድረኽ ሓድነትን ምውርራስ ታሪኽን ክብሪታትን’ዩ” ዝበሉ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ዕላማኡ ብምግንዛብ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ጽንብል ናጽነት፡ ድምቀቱ ነናሻዕ ዝኹላዕ፡ መርኣያ ሓያል ናይ መኸተ መንፈስ ምዃኑ ብምብራህ ድማ፡ እታ ዕለት ንእተሰክሞ ረዚን ሓላፍነት ንምብቃዕ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባታት ሰረጀቓ፡ ጋላ-ነፍሒን በሪኽን፡ ኮማዊ ዳሳት ሎሚ 24 ግንቦት ክጽንበል’ዩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More