Business is booming.

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ሻሙናይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ ብምውጻእ ንኻልኣይ ግዜኡ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርሼ-ዋንቲ ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻሙናይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ንኻልኣይ ግዜኡ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ቢኒያም ኣብ’ዚ 183.4 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መድረኽ፡ ንሓያላት ተቐዳደምቲ ዓለም ጃስፐር ፊሊፕሰንን ኣንኖድ ዲ ሊን ረቲዑ’ዩ፡ ነዚ ታሪኻዊ ዓወት በቒዑ ዘሎ።

ቢኒ ኣብዚ ንፋስን ዝናብን ኣብ ዝዓብለሎ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰዓት 56.7 ኪሎሜተር እናተሓንበበ’ዩ፡ ንኹሎም ተቐድደምቲ በሊጹ ናይ መወዳእታ መስመር ረጊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ሻሙናይ መድረኽ መበል 111 ቱር ዲ ፍራንስ ክልተ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ስለዝነበሮ፡ ቢኒያም ኣብ ሰዓት 72.4 ኪሎ ሜተር እናረገጸ 17 ነጥቢ ክወስድ ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ብዘመዝገቦ ዓወት ከኣ 50 ነጥቢ ክሓፍስ ክኢሉ’ሎ።

በዚ ከኣ፡ ኣብ 8 መድረኻት ብዝኣከቦ 216 ነጥቢ፡ ነታ ካብ 5ይ መድረኽ ወድይዋ ዘሎ ቀጠልያ ማልያ ክዕቅባ ከሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ነዛ ማልያ ዝወሰዳ ጃስፐር ፊልፕሰን ከኣ 88 ነጥቢ ድሒሩ ብ128 ነጥቢ ይስዕቦ’ሎ።

ቢኒ ብሰኑይ ኣብ ሳልሳይ መደረኽ ናይዚ ውድድር’ውን፡ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ታሪኽ ናይዚ ውድድር ንፈለማ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝብል ክብሪ ከም ዝረኸበ ኣይርሳዕን።

ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ክሳብ ሕጂ ኣካዪድዎም ካብ ዘሎ 8 መድረኻት፡ እቲ 4 ናይ ቅጽበታዊ ውድድር መድረኻት’ዩ። ቢንያም ከኣ ካብ’ዚ ኣርባዕተ መድረኻት ክልተ ግዜ ቀዳማይ፡ ሓንሳብ ካልኣይ፡ ሓንሳብ ድማ ታሽዓይ ተርታ ብምሓዝ፡ ሕልፊ ኩሎም ተቐዳደምቲ ጸብለል ክብል ብምኽኣሉ፡ ልዑል ኣድናቖት ረኺቡ’ሎ።

ታሽዓይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ጽባሕ ሰንበት ዓቐብ ብዘለዎ መድረኽ ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ሰኑይ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ ክህልዎ’ዩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More