ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፡ “ናጽነት ዝግብኦ ህዝቢ’ዩ። ምእንቲ ረብሓና ግን ንመግዛእቲ ይፈረድ” ዝብሉ ዓመጽቲ ዘራያት ስለዝገጠምዎ፡ ቀቢጹን ቆሪጹን ብዕጥቂ ብረት ቃልሱ ክቕጽል ዝናሩ ዘስጠመላ ዕለት፡ ባሕቲ መስከረም 1961 ቅድሚ 64 ዓመታት’ዩ።
ውሑድ ህዝቢ ምስ ድሩት ዓቕሚ፡ ብትብዓት ክፋለሞም ዝነበሮ መጋበርያ ስርዓት ሃይለስላሰን ዓንገልቱን ከኣ ብዝኾነ ውድዓዊ መስፈር ክዳረጎም ዝኽእል ኣይነበረን። ብዘይካ ኣይግዛእን ዝብል ሓያል መንፈስ እምብለይ፡ ዝዓብስ ዕጥቂ ዘተኣማምን ስንቂ ኣይሓዘን። ምርጫ ስለዘይነበሮ ግን፡ ክንደይ ግዜን ህይወትን ከምዝወስደሉ፡ ክንደይ ዓቐበ-ቁልቁል ከምዝገጥሞ ከይተጨነቐ፡ ‘ንበይኖም እንጻር ሓያላት’ እናተባህለ ክራጸም ነቒሉ።
ሰውራ ኤርትራ ኣብ ናይ 30 ዓመታት መሪር ኲናት፡ ብሓውን ዓረርን ተፈቲኑ፡ ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእትን ስንክልናን ገቢሩ፡ ብልዕለ-ሰብኣዊ ምጽማም፡ ዘይከኣል ተባሂሉ ንፍሽለት ዝተፈርደ ቃልሲ፡ ከም ዝከኣል ዘመስከረ፡ ናጽነቱ ብቕልጽሙ ዘግሃደ’ዩ። ዓላዊ ግዙእ ህዝቢ ተዋሪዱን ተገዚኡን ከምዘይነብር፡ ሓጸረ ነውሐ ከም ዝዕወት ብግብሪ ዘረጋገጸ ተመክሮ’ዩ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ወርቃዊ ምዕራፍ ይሕዝ። ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣብነታት ቃልሲ ኣህዛብ ዓለም ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ክኸውን በቒዑ ምባል ከኣ ምግናን ኣይኮነን።
ብረታዊ ተጋድሎና እምበኣር፡ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ከተማን ገጠርን፡ ካብ ወጻኢ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ማሕረስን ጉስነትን፥ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ኣኽቲቱ፡ ብነዊሕ ኣቐንዛዊ ፍልቀት ብቑዕ መሪሕነትን ሃገራዊ ውድብን – ህ.ግ – ስለዝሃነጸ፡ በቲ ጽዑቕ ዳይናሚክስ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ማሕበረ-ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘምጸአ ኩለእንተናዊ ሰውራ’ዩ። ጸላእቱ እናመከተ፡ ንውሽጣዊ ነግፈረግ ገኒሑ፡ ንኽድዓት ቀጺዑ፡ ምዝሓጥን ምግስጋስን ተሳጊሩ ብመሪር ተመክሮ ስለዝላደየ፡ ሓድሽ ሓባራዊ ሃገራዊ ስነ-ኣእምሮ ክንፈጥር ኣኽኢሉና ኢዩ።
ስለ’ዚ መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2025፡ ከም ወትሩ፡ መኽሰባት ሰውራና ንዓቅብ፡ ናጽነትናን ልኣላውነትናን ንሓሉ፡ ንልምዓትን ምዕባለን ተጊህና ንስራሕ፡ ከምቲ ትማሊ ዘይከኣል ዝመሰለ’ሞ ዝተኻእለ፡ ሎሚ’ውን ዘይከኣል ዝመስል ዘሎ ከምዝከኣል ብእምነት ንጽዓር ኢዩ።
ዓወት ንሓፋሽ!