Business is booming.

ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ተመሃሮ፡ 68.8 ሚእታዊት ሓሊፎም

ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ዓመተ-ትምህርቲ 2024/2025 ካብ ዝተሳተፉ ኣስታት 70 ሽሕ ተመሃሮ፡ እቶም 68.8 ሚእታዊት ሓሊፎም።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ምዘናን ሃገራዊ መርመራን ኣቶ ሃብተ ኣስፍሃ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 69,915 ተመሃሮ፡ 46.2 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 48,084 ናብ ዝቕጽል ደረጃ ከምዝሓለፉ ገሊጹ።

እቲ ውጽኢት ድሮ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምእተላእከ ዝሓበረ ኣቶ ሃብተ፡ መጠን ምሕላፍ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ18.8 ሚእታዊት ዕቤት ከምዘመዝገበ፣ ካብቶም ዝሓለፉ ድማ፡ 830 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 1,488 ተመሃሮ 90ን ልዕሊኡን ነጥቢ ዘምጽኡ ምዃኖም ሓቢሩ።

መጠን ምሕላፍ ብመንጽር ዞባታት ክርአ ከሎ፡ ዞባ ዓንሰባ 50.3 ሚእታዊት፣ ዞባ ደቡብ 72.3 ሚእታዊት፣ ዞባ ጋሽ-ባርካ 69.9 ሚእታዊት፣ ዞባ ማእከል 78.4 ሚእታዊት፣ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ 58.1 ሚእታዊት፣ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ 75 ሚእታዊት፣ ስዑድያ 92.7 ሚእታዊት፣ ከሰላ – ሱዳን 100 ሚእታዊት፣ ሓይልታት ምክልኻል ድማ 71.3 ሚእታዊት ከምዝዀነ፡ ኣቶ ሃብተ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ኣቶ ሃብተ ኣብ መወዳእታ፡ ዝኾነ ተመሃራይ ኣብ ኣወሃህባ ነጥቢ ቅሬታ ወይ ክበርሃሉ ዝደልዮ ምስ ዝህልዎ፡ ኣብ’ታ ዝመሃረላ ቤት-ትምህርቲ ሕቶ ከቕርብ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More