Business is booming.

 ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ስልጠና ምድጅታል ፈነወታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ተዋሂቡ

ሚኒስትሪ ዜና ምስ ኮርፖረሽን ኣህጉራዊ ዜናዊ ምትሕግጋዝ ቻይና (CBIC) ብምትሕብባር፡ ካብ 2 – 16 መስከረም ብምድጅታል ፈነወታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ዘሰልጠኖም 78 ኣባላቱ ኣመሪቑ።

እቲ ኣብ ጽሑፋዊ፣ ቀረጻን ኣርትዖትን ተንቀሳቓሲ ስእሊ፣ ከምኡ’ውን ምህንድስናዊ መዳያት ዝነጥፉ ሞያውያን ዝተሳተፍዎ ስልጠና፡ ኣብ ስራሕ ዝኽሰት ብድሆታት ፈነወ ብእዋኑ ንምእራም ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ምድጅታል ፈነወ ሬድዮን ቴለቪዥንን፣ ሜላታት ምምእራርን ኣጸሓሕፋን ዜና፣ ኣገባባት ምስኣል ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ)፣ ምፍራይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዘመንጭዎ መደባት ሬድዮን ቴለቪዥንን፣ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ብብዙሓዊ መድረኽ፣ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተደገፈ ጋዜጠኛነት፣ ከምኡ’ውን ልዑል ደረጃ ቴክኖሎጂ ‘ሲነማቶግራፊ’ ዝዳህሰሰ’ዩ።

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንኣገዳስነት ስልጠና ኣብ ምጉልባት ኵለንትናዊ ዓቕሚ ኣባላት ብምጥቃስ፡ እቲ ስልጠና ንደረጃ ፍልጠት ኣባላት ኣብ ገስጋስ ዜናዊ ቴክኖሎጂ ብሓፈሻ፡ ኣብ መዳይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝጸንሐ ምቕሉል ኣፍልጦን ፍርያትን ንምድንፋዕ ድማ ብፍላይ ዝተወደበ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምብግጋስ ዝርከብ ምዝርጋሕ ዜናዊ ፍርያት ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ‘X’ (ትዊተር)፡ ዩትዩብ፡ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ቲክቶክን፡ ከምኡ’ውን ፖድካስት ብዘላቕነት ከምዝስራሓሉ ገሊጹ።

እቲ ስልጠና ዘጠቓለሎ ዛዕባታት እዋናውን ኣገዳስን ከምዝዀነ ዝሓበረ ሚኒስተር የማነ፡ ክዉን ክኸውን ብተወፋይነት ንዝጸዓሩ ኣካላት ብስም ሚኒስትሪ ዜና ኣመስጊኑ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ዳይ ዲማኦ ድማ፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ዝምድናታት ንምድንፋዕ ዝካየድ ጻዕርታት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ጽላት ዜና ንምምዕባል ዝግበር ሽርክነታዊ ስራሕ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ሰፊሕ ዕድላት ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ወኪል ሰልጠንቲ ብግደኡ፡ እቲ ስልጠና ንዝነበሮም ፍልጠት ዘዕቢ፡ ንዝያዳ ውጽኢታዊ ስራሕ ዝድርኽ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ምስ ዝጸንሖም ፍልጠትን መረዳእታን ኣሕቢሮም፡ ንምዕባለ ዜናዊ ስራሓት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጹ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More