Business is booming.

ሓተታ – ካብ ጉይይ ምዓል፡ ክሳድ ምሓዝ!

ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ሰበስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን ናይ መናፍሕ ኣውታሮምን፡ ኣብ እዋን ብሰንኪ ባዕሎም ዝፈጠርዎ፡ ንሰላማዊ ሕውነታዊ ምንብባርን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ዝዘርግን ንኣህጉራዊ ሕግን ስርዓትን ዝግህስን ግጉይ ትረኻ፡ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ጠፊእዎም ኣብ ሃልወሳ ኣትዮም ከምዘለዉ ዘርኢ ሓያሎ ምልክታት ንዕዘብ ኣሎና።

ኣብ ዝተፈጥረ ኣጋጣሚታት ኮነ ባዕሎም ኣጋጣሚታት ብምፍጣርብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ጐበጣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን፡ ረፈረንደም ኤርትራ፡ ኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018 ካልእን፡ ካብ ጽውጽዋይ ዘይሓልፍ፡ ንሓድሕዱ ዝዋቓዕ፡ ብባዶ ፈኸራ ዝተሰነየ መታለሊ ዘረባታት ከስምዑ ቀንዮም ኣለዉ።

እቲ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ኩለን ኤምባሲታቱን ቈንስላቱን ዝለኣኾን ብጅምላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘጋውሕዎን ዓማሚ መልእኽቲ፡ ናይ ኣብነትዩ። እቲ መልእኽቲ፦እቲ ዘሕዝን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብግጭት ዝተዓብለለ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብ 2018 ኢትዮጵያ ነቲ ዝጸንሐ ጃላነት ምስ ኤርትራ ብምስባር፡ ናብ ዞባዊ ውህደት ክትምለስን ኣብ ልዕለኣ ዝተበየነ እገዳታት ክለዓልን ደፊኣ። እቲ ናይ ምቅርራብ እዋን ሓጺር እንተነበረ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብሰላም ብሓባር ክነብሩ ንዘለዎም ሓያል ድሌት ግና ብንጹር ኣርእዩዩ።ይብል።

እዚ ብቐንዱ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ንምድንጋር ተባሂሉ ዝተኣልመ ብምዃኑ፡ ኣንጻር ንውሽጦም ዝቐንዐ ንኲናት ዝጉስጉስ ዘመተታት፡ ብልዝብ ዝበለ ቋንቋ ዝተነድቀዩ። ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐንዐንኣስታት ክልተ ዓመታት ብዘይምቊራጽን ብጻዕቅን ክመሓላለፍ ዝጸንሐ መልእኽቲ ግን፡ኢትዮጵያ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ኩነት ቅቡል ስለዘይኰነ፡ ኩሉ ዓቕሚታትና ናብ ወፍሪ ይቕናዕ!” ዝብልዩ።

እዚ ተዋቓዒ ዘመተታት፡ ብዘይካ ዕብዳን ካልእ ክበሃል ስለዘይከኣል፡ዘረባ ኣደይ ለቱ ኣየውፍር ኣየእቱኢልካ ክሕለፍ ምተኻእለ። እንተዀነ፡ ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ከምዝበሃል፡ ነቲ ሓቂታት ከምዘለዎ ምዝኽኻር፡ ነቲ ድሙቕ መሊስካ ምድማቕ ስለዝዀነ ኣይጽላእን።

እዞም ቅንጣብ ሕንከት ዘይብሎም ማሪታውያን፡ ነቲ 9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክንቲት ሚዛኖም መሊሱ ዘፍኵስ ቊንቊኛ ከውጽኡሉን ዘይትርጉሙ ክህብዎን ይስምዑለዉ። ስለዚ፡ ነቲ ቀንዲ ሕመረቱ ደጊምካ ምዝኽኻሮም ሓጋዚዩ።

1. እቲ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓባራዊ ኣዋጅስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ክብረት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ኣብ ዝብል መሰረታዊ ዓንድታት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተሰረተዩ።

2. ዓንቀጽ 1 ናይ ስምምዕ፡ምኽታም ኩነተ ውግእኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምእዋጅ፡ምጅማር ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትንዘበስርዩ። ዓንቀጻት 4 5 ድማ፡ምሉእ ትግባረናይ 13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ ከምኡውንሓባራዊ ጻዕሪ ክልተአን ሃገራት ንምርግጋጽ ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕግጋዝንይእውጅ።

3. “ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን 16 ዓመት ድሕሪናይ መወዳእታን ቀያድን ብይንኮሚሽን ዶብ ዝመጸዩ። ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝጸንሐ ኩነተ ተጻብኦታት ድማ፡ ቀንዲ ጠንቁስልጣን ዝሓዙ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ብዝኸተሙሉ ኣህጉራዊ ስምምዓት ንኸይግዝኡ ምሕንጋዶም፣ ከምኡውን ኣውሓስቲ ዝተባህሉ ሓይልታት/ወገናት ኣብ ልዕሊ ዝሓንገደ ኣካል ቀጻዒ ስጉምቲ ዘይምውሳዶምዩ።

4. ዋላ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ እንተዀነ፡ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2018 ዝወሰዶ እወታውን ቅኑዕን መርገጺ፡ ኣብ ታሕሳስ 2023 ካብ ናይ ቅድሚኡ ዝነበሩ መስፋሕፋሕቲ ስርዓታት ዝበኣሰ ሰራም ኣጀንዳ ክኽተል ምስ ጀመረ፡ እቲ ተስፋ ሓድሽ ምዕራፍ ንዘላቒ ዞባዊ ርግኣትን ምትሕግጋዝን ኣቐልቂሉ ዝነበረ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት፡ ብዘሕዝን ኣገባብ ተጨውዩ።

5. ስርዓት ብልጽግና ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ዘይሕጋዊ ሕቶልኡላዊ መስኮት ባሕሪን ምጉባጥ ዓሰብ ብሓይልንብምልዓል፡ ነቲ ብክቡር ዋጋ ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራሕጋውነቱ ንምቕልባስኣብ 1991 ንዝተጋህደ ታሪኻዊ ፍጻመ ምእራምዝብል ተልእኾ ኣንቂዱ፡ ንናጽነት ኤርትራንምሕካኽ ሃገራዊ ኤርትራዊ መንነትንዒላማ ኣብ ዝገበረ ጽዑቕ ተዅታዂ ዜናዊ ዘመተ ተጸሚዱ ይርከብ።

6. ከምቲ ብቐጻሊ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ ጠንቅን ምንጭን ናይ ዘይተደልየን ክውገድ ዝነበሮን ምትፍናን፡ እቲ ንሓድሽ ግጭት ዝተዃትዅ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናዩ። መቚረርሕንዚ ናይዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ቅልውላው ድማ ንጹርዩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ መሰረታዊ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ጸኒዕካ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረቤትካ ምኽባር ጥራይዩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More