ሓደ ካብ’ቶም ብጠባዩን ብምቕሉልነቱን ዝልለ፡ ንብዙሓት መንእሰያት ኣብነት ዝኾነ ሓርበኛን መምህርን ኣቦን’ዩ – ስዉእ ሙሳ ሕሴን ናይብ። ክልተ ሲሶ ካብ ዕድመኡ ድማ ንሃገራዊ ዕላማ ወፍዩ። ክሳብ ግዜ መስዋእቱ’ውን፡ ደኺመ ከይበለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሰሪሑ። ሓርበኛ ሙሳ ሕሴን ናይብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህግደፍን ሃገራዊ ባይቶን ኮይኑ፡ ነቲ ዝተቓለሰሉን ህይወቱ ዘወፈየሉን ዕላማ፡ ብዘይ ተጉላባነት መጥዩ። “ሓርበኛ ኣይነብርን’ዩ፡ ታሪኹ’ዩ ዝውረስ” ከም ዝበሃል ግና፡ ዝሓለፈ 26 ጥሪ 2026፡ ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድመኡ፡ ዓቢ ታሪኽን ዝናን ገዲፉ’ዩ፡ ነቶም ንስለ’ዛ ሓላል መሬት ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ዝተጸንበሮም። ቀጺልና፡ ብዛዕባ ስዉእ ሙሳ ሕሴን ናይብ ብዝምልከት፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ዝሃቡና ርእይቶን ጦብላሕታን ናባኹም ነብሎ – ሰናይ ንባብ፦
* * *
ተጋ. ረዘነ ስዩም

“ምስ ብጻይ ሓርበኛ ሙሳ፡ ክልተና ኣብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ሓለዋ ሰውራ ተመዲብና ኢና ንሰርሕ ነይርና። ድሕሪ ምዝላቕ ኣብ 1979 ከኣ ተራኺብና። ኣብ ማእከላይ ቦታ ብሓደ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ንሱ ከም ሓላፊ ኣነ ድማ ናይ ካልእ ጨንፈር ሓላፊ ስለ ዝነበርኩ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ’ዩ ነይሩና። ሙሳ ናይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ክፍሊ ብግቡእ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት’ዩ ነይሩዎ። ደኺመ ሰልክዩኒ ከይበለ፡ ነቲ ክፍሊ ኣብ’ቲ ዝብጻሕ ደረጃ ከብጽሖ ክኢሉ። ብድሕሪኡ’ውን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢና ተራኺብና። ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ንሱ ኣብ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ኣነ ድማ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ፍትሒ ብምዃን ብሓደ ሰሪሕና። ጽቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ ከኣ፡ ነይሩና። ብጻይ ሙሳ ተመሃራይ ካብ ዝነበረሉ ኣትሕዙ ድሕሪኡ ኣብ ስራሕ ዝድነቕ ብልጫታት እዩ ነይሩዎ። ክሰርሕ’የ በሃላይ እዩ። ፍሉይ ዓቕሚ ከኣ፡ ነይሩዎ። ብጻይ ሙሳ ሕዉስ ዝኾነ ባህሪ’ዩ ነይሩዎ። ከም ሓላፊ ብኹሉ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝምስገን ሰብ እዩ ነይሩ። ብውልቃዊ ተበግሶታቱ’ውን ኩሉ ሰብ ዝምስክረሉ’ዩ። ነብሱ ኣብ ምምዕባል ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ደረጃ ትምህርቱ ናብ ማስተርስ ዲግሪ ክብ ኣቢልዎ። ኣብ ሕጊ ዝነበሮ ትምህርቲ’ውን ኣዕብዩዎ።
ክሳብ ብሕማም ዝግዳዕ ከኣ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ስራሕ ነብሱ ኣብ ምምዕባል ፍሉይ ጻዕሪ’ዩ ገይሩ። ሙሳ ዘበርከቶ ስራሕ ቀሊል ኣይኰነን፡ ኩሉ ሰብ’ውን ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።”
***
ተጋ. ንግስቲ ሃይለ

“ምስ ወዲ ናይብ፡ ኣብ 1975 ኣብ ገረግር ሓለዋ ሰውራ ኢና ንፋለጥ። ወዲ ናይብ ኣብ ኩሉ ኩነታቱ ክገልጾ ከማን ቃላት ይውሕደኒ እዩ። ወዲ ናይብ ናይ ስራሕ ሰብ እዩ። ልዑል ኣፍልጦ’ዩ ነይሩዎ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሓለዋ ሰውራ። ወዲ ናይብ ናይ ሕጊ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ኣተሓሕዛኡ ኣመሃህራኡ፡ ኣተኣላልያኡ ኮታ ብኹሉ ክርእዮ ከለኹ፡ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ እዩ። ምስ ወዲ ናይብ ነዊሕ ኢና ተጓዒዝና። ካብ ሳሕል ገረግር ናብ ዓዲ ሮሶ፡ ኣብ ዞባ ደበብ ብሓደ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ቀጺልና። ከም መርማሪ፡ ሓላፊ – ከም ኩሉ ኰይኑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ ወዲ ናይብ። ስራሕ ንወዲ ናይብ ህይወት እዩ። ምስናይ ኣፍልጦኡ። ስለ’ዚ ኣነ ንወዲ ናይብ ብዝለዓለ ደረጃ እየ ዝጥምቶ። ይዋሳእ፡ ብትብዓትን ብዓቕልን ሰባት ናይ ምቕያር ዓቕሙ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ ነይሩ። ኣብ ምእላይ ኣባላት፡ ምምሃር ሕጊ ድማ፡ ይዋሳእ። ወዲ ናይብ ፍሉይ ሰብ እዩ ነይሩ። ካብኡ ብዙሕ ኢና ንመሃር። ብሉጽ ስራሕ ሰሪሑ’ዩ ሓሊፉ። ከም መምህርና መጠን ኣሰሩ ተኸቲልና ከም’ቲ ናቱ ስራሕ፡ ክሳብ ንሓልፍ ክንሰርሕ ኣለና’የ ዝብል። ኣብ ስራሕ ላዕልን ታሕትን እዩ ዝብል። ኣብ ስራሕ ዘለዎ ተወፋይነት ብቓላት ክገልጾ የጸግመኒ እዩ። መስዋእቱ ከቢድ እዩ።”
***
ኣምባሳደር ኣሕፈሮም ብርሃነ

“ኣብ 1975 እየ ተሰሊፈ። ምስ ተጋዳላይ ሙሳ ሕሴን ናይብ ኣብ 1977 ኣብ ደቀምሓረ ከም ሓላፊ ጨንፈር ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣነ ከኣ ከም ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝነበርኩሉ ኢና ንፋለጥ። ካብ ምዝላቕ ክሳብ 1987 ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተመዲበ ሰሪሐ። ሙሳ ኣብ’ቲ መጀመርታ ከም መርማሪ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ምዝላቕ’ውን ከም መርማሪ ቀጺሉ። ከም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ’ውን ነይሩ። ብዙሕ ጻዕቂ ስራሕ ዝነበሮ ሰብ እዩ። ኣብ’ቲ ስራሕ ብቐረባ ብሓንሳብ ስለ ዝነበርና ነቲ ስራሕ ንምምራሕ ዘኽእል ልዑል ብቕዓት ነይሩዎ። ንኽፍሊ ሓለዋ ሰውራ ዘማእክሎ ዝነበረ ስዉእ ሚኒስተር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ እዩ ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ግንባራት ይመርሕ ስለ ዝነበረ፡ ኩሉ እቲ ስራሕ ናብ ሙሳ እዩ ዝጥቕለል ነይሩ። ተጋዳላይ ሙሳ ከም መርማሪ፡ በቲ ካልእ ከኣ ነቶም ካልእ መርመርቲ ኣብ ምርኣይን ጉዳያት ኣብ ምእላይን ካልእ ዝተፈላለየ ናይ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ምምሕዳር ዝነበሮ ተራ ብጣዕሚ ልዑል እዩ። ብዝኾነ እቲ ስራሕ ብጽፉፍ ከም ዝኸይድ ምስ ብጾቱ ብጽቡቕ ዝኸይድ፡ ዝኣሊ፡ ዝሓሊ ከም ዝነበረ’የ ዝፈልጦ። ሙሳ ንብጾቱን ንነብሱን ኣብ ምምዕባል ይደፍእ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ስለ ዝነበረ ንነብስኻ ንምምዕባል ዝኸውን ግዜ ኣይነበረን። ድሕሪ ናጽነት ግዜ ምስ ተረኽበ ነብሱ ኣብ ምምዕባል ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ናይ ሕጊ ትምህርትን ነቲ ኣቋሪጹዎ ዝነበረ ትምህርቲ ከማዕብሎን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕን ኣኽእልዎ እዩ። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ቅድም ዝነበሮ ዝምባለ ዝተበገሰ ደኣ እምበር ድሒሩ ዝመጸ ኣይኮነን። ኣብ ሰውራ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ግን፡ በቲ ዝነበሮ ፍልጠት ተጠቒሙ ብብቕዓት መሪሑ እዩ። ንነዊሕ እዋን ሓሚሙ ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣዝዩ ብሉጽ ሰብ ንስእኖ ኣለና። ከቢድ ሓዘን ይስማዓኒ። ንስድራቤቱ ጽንዓት ይሃቦም ጽንዓት ይሃበና።
***
ተጋ. ፋጥማ መሓመድ ኑር

“ሙሳ ቤተሰበይ ሓወይ እዩ። ኣብ ባጽዕ ብሓንሳብ ኢና ዓቢና። ኣብ ሓለዋ ሰውራ ንፈለማ ግዜ ምስ መጻኹ’የ ንሙሳ ጽቡቕ ገይረ ዝፈልጦ። ሙሳ ሕያዋይ፡ ፈቃር እዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ተመደብኩ ንዓይ ከቢድ እዩ ነይሩ። ብምትብባዕ ሙሳ ግን፡ ኣብ’ቲ ኣሃዱ ቀጺለ። ኣብ’ቲ ኣሃዱ ክቕጽል ዝገበረ ሙሳ እዩ። ሙሳ ኩሉ ነገር እዩ። ንሙሳ መግለጺ ኣይረኽበሉን እየ። ዕላሉ ኣዝዩ’ዩ ጥዑም። ኣብ ዝኾነ ህሞት ዘተባብዕ፡ ፈቃርን ሓብሓብን እዩ ነይሩ። ሙሳ ጽላል ዓቢ ዳዕሮ እዩ ነይሩ። ካልእ ነገር ዋላ ከይገበረልካ ብፍሕሹው ሰላምታኡ ጥራይ’ዩ ዘዕግበካ። ኣብ ስራሕ ውፉይ፡ ንመሳርሕቱ’ውን ዘተባብዕ ነይሩ። ብወገነይ ንሞያኡን ብቕዓቱን ዝገልጽ ዓቕሚ የብለይን። ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ሙሳ ናይብ ከኣ ከቢድ ሓዘን ይስማዓኒ።”
***
ተጋ. ገብረሃንስ ሓጎስ

“ምስ ሙሳ ካብ መወዳእታ 1975 እዩ ሌላና ጀሚሩ። ቅድሚኡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይ ማዕዶ ሌላ’ዩ ነይሩና። ኣብ ሓለዋ ሰውራ ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣነ ከኣ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ናይ ዞባ ደቡብ ናይ ቊጠባ ሓላፊ ስለ ዝነበርኩ። ብቐረባ ተፋሊጥና። ክልቴና’ውን ሓለፍቲ ስለ ዝነበርና፡ ርክብና ናይ ቀረባ ኮይኑ። እቲ ዝነበረ ርክብ ካብ መሳርሕቲ ናይ ሕውነት ዝተቐየረ ርክብ እዩ ነይሩ። ሙሳ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ኣዝዩ በሊሕ ሰብ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ስራሕ ከኣ፡ ውፉይ ሰብ’ዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ሕጊ ክእለቱን ሞይኡን ልዙብ ኣካይዳ እዩ ነይሩዎ። ብድሕሪ ምዝላቕ’ውን ብቐረባ ንመኻኸር ነይርና ኢና። ስርሑ ናይ ሕጊ ስራሕ ነይሩ። ናተይ ከኣ ናይ ቊጠባ። ብሓንሳብ ተወሃሂድና ንሰርሓሉ ዝነበርና ግዜ ብዙሕ እዩ ነይሩ። ሙሳ ንኻልኦት ሰባት ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብሓባር መጺእና። ብሓደ ከኣ፡ መሳርሕቲ ኰይንና። ስለ’ዚ ሙሳ ብጻየይ፡ ዓርከይን ሓወይን ክብሎ እኽእል። ዝኾነ ምምኽኻር ኣብ ዘድልየሉ ምስ ሙሳ ተራኺብና ኢና ንፈትሖ ነይርና። ብፍላይ ስራሕ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፍልጠትን ዕምቆትን ስለ ዝሓትት። ሙሳ ከኣ ኩሉ ክእለት ኣለዎ። ኣብ ስራሕ ናይ ሕጊን ናይ ኣካዳሚን ሰብ እዩ። ንኹሉ ብምውህሃድ ዝኸይድ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ናይ ብሓቂ መስዋእቲ ሙሳ ዓቢ ክሳራ እዩ። ቅድሚ ምሕላፉ ብመንግስቲ ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓልዮትን ክንክንን፡ እዚ ዘይበሃል እዩ። ግን ዘይበርስ ታሪኽ ገዲፉ ሓሊፉ ኣሎ። መንግስተ ሰማይ የዋርሶ!”
***
ተጋ. ተስፋይ ስዩም

“ንሙሳ ኣብ ሰውራ፡ ደቀምሓረ፡ ከረንን ደጀንን እየ ዝፈልጦ። እቲ ዝዓበየ ጦብላሕታ ዝገደፈለይ ግን፡ መሳርሕቲ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን እዩ። ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብ2003 ኣብ ዝመጻኹሉ ሙሳ ኣቐዲሙ’ዩ ኣብኡ ጸኒሑኒ። ሙሳ መሳርሕተይ፡ ኣማኻርየይ፡ መዛንይተይ እዩ ነይሩ። ኣብ ቦታ ስራሕ ይኹን ኣብ መገሻ ኣዝዩ ምቕሉልን ጥንቁቕን ሰብ’ዩ ነይሩ። ብታህዋኽ ዘይዛረብ፡ ዝዛረቦ ዘረባ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሰብ’ዩ ነይሩ። ካብ መርገጺኡ ምንቕ ዘይብል ሰብ እዩ። ዝደለኹዎ ምኽሪ እንተሎ ንሙሳ’የ ዝውከሶ ነይረ። ሙሳ ብሕጽር ዝበለ መምህር እዩ። ሙሳ ዓሚቝ ዓቕሚ ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ኣማኻሪየይ’ዩ ጠፊኡኒ። ኣብ ንገሸሉ እዋን ምስ ሙሳ ነሕልፎ ዝነበርና ሰሓቕን ጸወታን’ዩ ዝረኣየኒ። ሙሳ ሰሓቒ ሰብ እዩ ነይሩ። ክስሕቕ እንከሎ ናይ ብሓቂ ስለ ዝስሕቕ ደስ ኢሉካ ኢኻ ትሰምዖ። ሰሓቕ ሙሳ ሙዚቃ እዩ። ስለ’ዚ ሙሳ ንስድራቤቱ፡ ንብጾቱ፡ ንሃገርን ንዓና መሳርሕቱን’ዩ ጠፊኡና።”