Business is booming.

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ሙሳ ሕሴን ናይብ  (ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እተነበበ)

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን 

ክልተ ሲሶ ካብ ዕድመኡ ንሃገራዊ ዕላማ ንዝወፈየ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህግደፍን ሃገራዊ ባይቶን – ስዉእ ሙሳ ሕሴን ናይብ ብክብሪ ንምፍናው ኢና ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተኣኻኺብና ዘሎና። ነዚ ፈቃርን ፍቱውን ወላዲ፡ ውፉይን መትከላውን ብጻይ፡ ኣብነታዊ ተቓላሳይን መራሒን ኣብ እንፋነወሉ ዘሎና ኣጋጣሚ እምበኣር፡ ኣብ ክልተ ጫፋት ስምዒት ዝርከባ ክልተ ቃላት ክፈራረቓና ግድን ይኸውን። ሓበንን ሓዘንን። ንሕበን፡ ስለ’ቲ ስዉእ ኣብ ዝተዋህቦ ዕምሪ – ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ ሩሑ – ኣብ ዕላማኡን መትከሉን ነኺሱ ንህዝቡን ሃገሩን ዝገበሮ ውፉይ ኣበርክቶ፣ ንሓዝን ድማ ንዘልኣለም ንፋነዎ ስለዘለና።

ካብ ኣቦኡ ኣቶ ሕሴን ሓሰን ናይብን ኣደኡ ወ/ሮ ስተል ነጋሽን ብ20 ታሕሳስ 1948 ኣብ እምቤረሚ ዝተወልደ ብጻይ ሙሳ፡ ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ካብ 1957 ክሳብ 1958 1ይን 2ይን ክፍሊ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጥልያን – ባጽዕ፣ ካብ 1958 ክሳብ 1962 ካብ 3ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሼኽ ኣልኣሚን – ባጽዕ፣ ካብ 1963 ክሳብ 1967 ካብ 7ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ልኡል መኮነን – ባጽዕ፣ 12 ክፍሊ ኣብ 1968 ኣብ ቤትትምህርቲ በእደማርያም – ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጵያ)፣ ካብ 1969 ክሳብ 1974 ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ-ኣበባ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ።

ሓርበኛ ሙሳ፡ ኣብ 1974 ዝነበረ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት ብዘሕደረሉ ወኒ ተደሪኹ፡ “ኩሉ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ” ብምባል፡ ነቲ ንኽዛዝሞ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ዝነበረ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ኣወንዚፉ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 1975 ብዓደን ጌሩ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማይህመት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስልጠና ድሕሪ ምቕሳም፡ ብቐጥታ ናብ ሓለዋ ሰውራ’ዩ ተመዲቡ። ክሳብ 1990 ድማ ኣብ’ዚ ክፍሊ’ዚ ካብ ተራ ክሳብ ሓላፊ ክፍሊ ኣገልጊሉን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት መሪሑን።

ኣብ 1990 – ድሕሪ ምሕራር ባጽዕ፡ ብጻይ ሙሳ ኣመሓዳሪ ናይ’ታ ከተማ’ዩ ኰይኑ ተመዚዙ። በዚ መዝነት’ዚ ድማ ክሳብ 1992 ኣገልጊሉ። ብድሕሪ’ዚ ክሳብ 1993 ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን፣ ካብ 1994 ክሳብ 1997 ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ፣ ካብ 1997 ክሳብ 2002 ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኤርትራ፣ ካብ 2003 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኰይኑ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብንጥፈትን ብተወፋይነትን ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።

ሓርበኛ ሙሳ ናይብ፡ ኣብ 1987 ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ መሪሕነትን ቅያር ኣባል ማእከላይ ሽማግለ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1994 ኣብ ዝተቓነዐ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኮይኑ ዝተመርጸን፡ ንሃገራዊ ናጽነት፡ ምኽባር ልኡላውነትን ልምዓት ሃገርን፡ ምሉእ ጸዓቱ፡ ፍልጠቱን ዓቕሙን ዘወፈየ ኣብነታዊ ተቓላሳይ’ዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ብጻይ ሙሳ፡ ኣብ 1974 ንዘቋረጾ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ንምዝዛም ብዝነበሮ ልዑል ባህጊ፡ ካብ 1997 ክሳብ 1998 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተጸንቢሩ፡ ምስቶም ብዕድመ ደቁ ዝዀኑ መማህርቱ እናጐየየ ብዓወት ዛዚሙ፣ ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ። ብድሕሪ’ዚ’ውን ንዝነበሮ ናይ ትምህርቲ ጽምኢ ንምርዋይ፡ ንዝረኸቦ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ዕድል ተጠቒሙ፡ ካብ 2006 ክሳብ 2007 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካናዳ ንኣመዓባብላ ቈልዑ ዝምልከት ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ተኸታቲሉ። ካብኡ ብምቕጻል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጀርመን ብምሕደራ ኣብያተትምህርቲ ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ብርሕቀት ዛዚሙ። ጐኒ-ጐኒ’ዚ’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዛምብያ፡ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ንሞይኡን ፍልጠቱን ዘበርኽ ኮርሳት ቀሲሙ’ዩ።

ቋንቋታት ትግረ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ጣልያን፡ ዓረብን እንግሊዝን ዝመልኽ ዝነበረ ስዉእ ሙሳ ናይብ፡ ንመንግስቲ፡ ሚኒስትሪታት ትምህርትን ፍትሕን፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ባይቶን ወኪሉ ኣብ ብርክት ዝበለ ኣህጉራዊ ዋዕላታትን ኣኼባታትን ተሳቲፉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሰሚናራትን ዋዕላታትን ድማ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ኣቕሪቡ። ካብ’ቲ ዝተሳተፎ ሒደት ንምጥቃስ፣

– ካብ 2006 ከም ቀዋሚ ኣባልን ተወካሊ ጉዳያት ፓርላማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ካሪብያን፡ ፓስፊክን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፣

– ዋዕላታት ፓርላማ ኣፍሪቃ፣

– ከም ኣወሃሃዲ መደብ “ዕድል ንቘልዑ”ን ኣወሃሃዲ መደብ “ትምህርቲ ንኹሉ”ን፡ ብዩኔስኮን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብ ዝውደብ ዝነበረ ዋዕላታት፣

– ኣብ 2008 ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣመዓባብላ ህጻናት፣

– ዋዕላታት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣

– ከምኡ’ውን ኣኼባታት ኮሚሽን መሰላት ሰባትን ህዝብታትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተሳቲፉን፡ ንመርገጽን ርእይቶን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ኣነጺሩን መጒቱን።

ኣብ’ዛ ብውልቃውነት፡ ንዓይ ይጥዓመኒን ስስዐን ዝተጐብአት ዓለም፡ ብዘብለጭልጭን ዘወናውንን ግዝያዊ ነገራትን ንዋይን ከይሰዳዕካ፡ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ካብ ዕድመኻ ንሃገራዊ ዕላማ – ስለ ሓፋሽን ክብረት መጻኢ ወለዶታትን ምውፋይ፡ ርዝነቱ ብዓይኒ-ሕልናና ነስተንትኖ። ስዉእ ሙሳ ናይብ፡ ነዚ ረዚን ክብሪታት’ዚ ካብ ዝተላበሱን ዘውረሱን ብሉጻት ሓርበኛታት ሓደ’ዩ።

ኣብ 1983 ምስ ብጸይቱ – ተጋዳሊት ሳዕድያ እድሪስ ኣብ ሜዳ ሓዳር ዝመስረተ ብጻይ ሙሳ፡ ኣቦ 5 ውሉዳት’ዩ።

ስዉእ ሙሳ ናይብ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብዘጋጠሞ ናይ ጥዕና ጸገም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዕለት 26 ጥሪ 2026 ሰዓት 2፡30 ወጋሕታ፡ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ንሱ ሓሊፉ፡ ታሪኹን ዝተቓለሰሉ ክብሪታትን ግና ንዘልኣለም ነባሪ’ዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስዉእ ሙሳ ሕሴን ናይብ፡ ሎሚ 27 ጥሪ 2026 ሰዓት 10:00 ቅድሚ-ቐትሪ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መቓልስቱ፡ መሳርሕቱ፡ ስድራቤቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ብኽብ ዝበለ ስነስርዓት ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ – ሓርበኛ ሙሳ ሕሴን ናይብ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

 ዓወት ንሓፋሽ!

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More