Business is booming.

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ኢንጂነር ወሊድ ዓብደልከሪም ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣስመራ – 12 ለካቲት 2026 : – ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ንምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ – ኢንጂነር ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ፡ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ታሪኻዊ ዝምድናታት ኤርትራን ስዑድያን፡ ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ሓባራዊ ራኢ ብምዂስኳስ ዝያዳ ምምዕባሉ ኣገዳስነቱ ዓቢ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ቅልጡፍ ምዕባለታት ኣብ ዝርኣዮ ዘሎ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታትን ተራ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ናይ’ቲ ዞባን ብዝምልከት፡ ክልተኦም ወገናት ዓሚቚ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ስዑድያን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን መዳያት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ንምንጥጣፍ ብግብሪ ክስራሕ ተረዳዲኦም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ብወገን ንግስነት ስዑድያ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሰቕር ቢን ስሌማን ኣልቑረሺን ኣምባሳደር ስዑድያ ኣብ ኤርትራ ምሽዓል ሓምዳን ኣልሩቒን ተሳቲፎም ነይሮም።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More