Business is booming.

ሓበሬታ ብዛዕባ ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሸዋል 1447/2026

ሂላል ወርሒ ሸዋል፡ ረቡዕ 29 ሮሞዳን 1447 ሂጅሪያ ማለት 18 መጋቢት 2026 ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ምስራቓ ምስ ዝረጋገጽ፡ ሓሙስ ባሕቲ ወርሒ ሸዋል 1447/19 መጋቢት 2026 ዒድ ኣልፈጥር ይኸውን። ምስ ዘይረጋገጽ ግና፡ ዒድ ኣልፈጥር ዓርቢ 20 መጋቢት 2026 ይውዕል። ስለ’ዚ፡ ኩሎም ኣመንቲ ማዕከናት ዜና ሃገርና ክከታተሉ ነዘኻኽር።

 ርሑስ ዒድ!

ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More