Business is booming.

በዓል ትንሳኤ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።

በዓል ትንሳኤ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ድምቀት ከምእተኸብረ፡ ወኪላት ኤሪና ከካብ ቦታኡ ሓቢሮም።
መእመናን ዓርቢ ስቕለት ክሳብ ሰዓት 7፡00 ምሸት ኣብ ገዳማት፡ ኣድባራትን ኣብያተ-ክርስትያንን ክምህለሉ፡ ክጽልዩን ክሰግዱን ድሕሪ ምውዓል፡ ቀዳም ስዑር ኩሉ ከከም ዓቕሙ ኣብ’ቲ ብትሕዝቶ ዝመልአ ዕዳጋታት፡ ሕሩድ ክዕድግን ኣስቤዛ ክሽምትን ውዒሉ።
ኣብ’ቲ ዕለት ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ-ክርስትያን – ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣሽሓት ምእመናንን ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት ብስራት ትንሳኤ፡ ብብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ – 6ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝተመርሐ ጸሎት በጺሑ።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ኣቐዲሞም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ቡራኬ፡ ንሃገርና “ክልልቲ ብግርማ” ክገብረልና፣ ንዓለም ድማ ሰላምን ርግኣትን ብምውራድ፡ ናይ በረኸትን ሓጐስን በዓል ክገብረልና ሰናይ ምንዮቶም ምግላጾም ዝዝከር’ዩ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባን ዝተወደበ ህዝባዊ በዓል፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ።
እቲ ብባህላዊ መሰናድኦታት ዝደመቐ መደብ፡ ብኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራ ብቐጥታ ተፈንዩ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More