ንኣበዓዕላ በዓለ-መስቀል ዝምልከት ሓበሬታ

 

ብምኽንያት ጽባሕ ሰንበት 27 መስከረም 2020 ዝኽበር በዓለ-መስቀል፡ ምስ ዘሎ ቅጥዕታት መኸተ ‘ኮቪድ-19’፡ እቲ ልሙድ ኣብ

ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝካየድ ስነ-ስርዓት ክግበር ስለዘይከኣል፡ ኩሉኹም ህዝበ ክርስትያን ኣብ በቤትኩም ኴንኩም ነቲ ክብረ-

በዓል ብጸሎት ክትዝክሩን ነቲ ብተሳትፎ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥራይ ካብ ሰዓት 8፡00 ንግሆ ጀሚሩ ብኤሪ-ቲቪ ብቐጥታ ዝፍኖ ወግዓዊ

ስነ-ስርዓት ክትከታተሉን ነዘኻኽር።

ቅዱስ ሲኖዶስ

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ