ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 21 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 16 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብዚኦም፡ 8 ኣብ ኣስመራ፣ 7 ኣብ ጋሽ-ባርካ – ማለት 5 ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ኣብ ግርማይካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓሊ-ግድር፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 48 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3564 በጺሑ’ሎ። 3389 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 165 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

21 ሚያዝያ 2021