ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 27 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 22 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 16 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 6 ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 26 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 7 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 3 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 3 ድማ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጠቕላላ 39 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 4010 በጺሑ’ሎ። 3,811 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 185 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

27 ግንቦት 2021