ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጋሽ-ባርካን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 22 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 10 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 6 ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት 4 ኣብ ከረን፡ 2 ኣብ ገለብ፣ 2 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት ሓንቲ ኣብ ናቕፋ፡ ሓደ ኣብ ባጽዕ፣ 2 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት ሓደ ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ኣብ ዓሊ-ግድር፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ዞባ ደቡብ – ሓደ ኣብ ሰገነይቲ፡ ሓደ ድማ ኣብ መንደፈራ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 30 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 70 ዓመት ካብ ዞባ ዓንሰባ ድማ ብሞት ተፈልዩ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6539 በጺሑ’ሎ። 6,378 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 34 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 127 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 28 ሓምለ 2021