ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ግርማይካ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ጓል 86 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልያ’ላ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6601 በጺሑ’ሎ። 6,536 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 37 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 28 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 

14 ነሓሰ 2021