ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

 ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 4 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ከኣ፡ 3 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓዲ-ተከሌዛን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6646 በጺሑ’ሎ። 6,595 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 38 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 13 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 03 መስከረም 2021