ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 4 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 2 ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓደ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ፣ ሓደ ድማ ኣብ ኣስመራ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6729 በጺሑ’ሎ። 6,663 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 42 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 24 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

6 ጥቅምቲ 2021