ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን መመርመሪ መደበራትን ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 6 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ እቶም 3 ካብ መወሸቢ ማእከላትን መመርመሪ መደበራትን ኣስመራ ክዀኑ ከለዉ፡ 3 ድማ ኣብ ከተማ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6764 በጺሑ’ሎ። 6,673 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 43 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 48 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 13 ጥቅምቲ 2021