ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን መመርመሪ መደበራትን ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 6 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ እቶም 4 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ ክዀኑ ከለዉ፣ እቶም 2 ድማ ካብ መመርመሪ መደበራት’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6773 በጺሑ’ሎ። 6,676 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 44 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 53 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

16 ጥቅምቲ 2021