ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፣ 3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቑቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት፣ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፣ ክሳብ ሎሚ 6834 በጺሑ’ሎ። 6,732 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፣ 45 ብሞት ዝተፈልዩ፣ 57 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

31 ጥቅምቲ 2021