ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 20 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 19 ካብ ኣስመራ – ማለት 13 ካብ መመርመሪ ማእከላት፡ 6 ድማ ካብ መወሸቢ ማእከላት፣ ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ መወሸቢ ማእከል ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 6979 በጺሑ’ሎ። 6,784 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 47 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 148 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

09 ሕዳር 2021