ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 10 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 7 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል – ማለት 2 ካብ ፓራዱባ፡ ሓደ ካብ እምባደርሆ፡ ሓደ ካብ በለዛ፡ ሓደ ካብ ኳንደባ፡ ሓደ ካብ ማእከል ከተማ፡ ሓደ ድማ ካብ ዝግብ፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ ድባርዋ – ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ኸኣ ካብ ዒላበርዕድ – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ – 30 ካብ ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጠቕላላ 31 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7013 በጺሑ’ሎ። 6,826 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 48 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 139 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

11 ሕዳር 2021