ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 13 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 6 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 3 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 3 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ኰይኖም፡ ሓደ ካብ ማእከል ከተማ፡ ሓደ ካብ ጎዳይፍ፡ ሓደ ከኣ ካብ ሰታንትኦቶ፣ ከምኡ’ውን 6 ካብ ዞባ ደቡብ – ማለት ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል ዓዲዃላ፡ 5 ድማ ካብ መወሸቢ ማእከላት – ማለት 2 ካብ ማይ-ምነ፡ 2 ካብ ዓዲ-ዃላ፡ ሓደ ድማ ካብ መንደፈራ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 17 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 13 ድማ ካብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 30 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ጓል 55 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልያ’ላ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7076 በጺሑ’ሎ። 6,893 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 52 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 131 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

16 ሕዳር 2021