ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፣ 6 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፣ 5 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከልን ኮይኖም፣ ኣድራሽኦም – ሓዝሓዝ፣ ገዛ-ባንዳ፣ እምባደርሆን ባርዳእን፣ ከምኡ-ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል መንደፈራ – ዞባ ደቡብ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፣ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፣ 4 ካብ ዞባ ማእከል፣ 9 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ፣ ብጠቕላላ 13 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፣ ክሳብ ሎሚ 9,637 በጺሑ’ሎ። 9,376 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፣ 100 ብሞት ዝተፈልዩ፣ 161 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

06 ለካቲት 2022