ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 5 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ነፋሲት፡ ገዛ-ባንዳ፡ ሰኒታን ዓዲ-ዃላን፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 16 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,651 በጺሑ’ሎ። 9,403 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 101 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 147 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

             ሚኒስትሪ ጥዕና

            08 ለካቲት 2022