መጋቢት፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ደሚቑ ዝዝከር እጹብ-ድንቂ ወተሃደራዊ ዓወታት ዝተሓፍሰላ ወርሒ እያ።
15 መጋቢት 1964 ታሪኻዊ ውግእ ተጎርባ – ቀዳሞት ተጋደልቲ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፈላሚ ግጥም ዘካየዱሉ እዩ። ኣብዚ ውግእ’ዚ 19 ተጋደልቲ ተሰዊኦም። ኣብ ልዕሊ ጦር ሰራዊት ከቢድ ክሳራ ወሪዱ። እዚ ፍጻመ’ዚ ኣብ ወተሃደራዊ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ከም ቦኽሪ ግጥም ምስ ምዱብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጥቀስ እዩ።
22 መጋቢት 1977 – ትእምርቲ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ከተማ ናቕፋ ሓርነት ተጓናጺፋ። ሓርነት ናቕፋ፡ ኣብ ግዜኡ ፍናን ተቓላሳይ ኤርትራዊ ብምዕራግ፡ ነቲ ስዒቡ ብልዑል ናህሪ ንሰፊሕ ከባቢታት ሃገር ሓራ ዝገበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት 1977-1978 በሪ ዝኸፈተ ፍሉይ ታሪኻዊ ፍጻመ’ዩ።
19-21 መጋቢት 1984 – ጀግና ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ 100 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ድልዱል ዕርድታት ሃኒጹ፡ መግዛእቲ ከውሕስ ን5 ዓመታት ዝተረባረበ “ውቃው እዝ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ 49 ሰዓታት ኣቃቢጹ፡ ንሰውራ ኤርትራ ካብ ምክልኻል ናብ መድረኽ ጃላነት ዘሰጋገረ ወሳኒ ዓወት ተጓናጺፉ።
17-19 መጋቢት 1988 – ሰውራ ኤርትራ ንምድምሳስ፡ ኣብ ግንባር ናቕፋ ን9 ዓመታት መመላእታ ዝተረባረበ ብስርዓት ደርግ ‘ብሉጽ’ ተባሂሉ ዝንገረሉ “ናደው እዝ” ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። እዚ ስርሒት’ዚ ጀጋኑ ተጋደልቲ ህ.ግ.፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት 20,000 ዝኸውን ምኩር ሰራዊት በታቲኖም፡ ኣስታት 100 ኪ.ሜ. ንቕድሚት ብምግስጋስ ኣፍዓበት ሓራ ዘውጽእሉ፡ ሶቭየታውያን ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ዝማረኽሉ፡ ጉልበት ተዂሲ ክብ ዘበለ ከበድቲ ኣጽዋርን ተተኳሲን ዝመንዝዕሉ፡ ንሰውራ ኤርትራ ናብ መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ዘሰጋገረ ብርቂ ፍጻመ’ዩ።
መጋቢት፡ ድሕሪ ናጽነት እውን፡ ንቅያን ጅግንነትን መንእሰይ ኤርትራ ዝዀልዐ ተወሳኺ ቅያ ወሪቓ እያ።
14-16 መጋቢት 1999 – ወለዶ ናጽነት ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብወለዶ ገድሊ እናተመርሐ፡ ልኡላውነት ሃገር ክደፍር ዘንቀደ ሓመድ ሓፋሽ ወራሪ ሰራዊት ወያነ፡ ኣብ ግንባር ጾሮና – እግሪ መኸል፡ ብልዑል ጅግንነት ገጢሙ፡ ብማዕበላት ናብ መጋርያ ሓዊ ዝተጠብሰ ልዕሊ 10 ክፍላተ-ሰራዊት ረፍሪፉ፡ 55 ታንክታት ኣቃጺሉ፡ ልዕሊ 30 ታንክታት ብምምራኽ ድንቂ ታሪኽ ዝሰርሓሉ’ዩ። ኣብዚ ግጥም’ዚ ዝተኸስተ መቕዘፍቲ ሰራዊት ወያነ፡ ኣብ ግዜኡ ዓለም ዘስካሕክሓሉ እዩ ነይሩ።
ወተሃደራዊ ዓወት ምዝካር ዘድልየሉ ንሓበን ጥራይ ኣይኮነን። ጥቕሚ ታሪኽ ብቐንዱ ንቕሓት ንምብራኽ’ዩ። ኣብ ኲናት ኤርትራ ዘጥፍአ ሃብቲን ህይወትን ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ዝተኸስረ ግዜን ዕድላትን እልቢ የብሉን። ታሪኽ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣብ ዝዝከረሉ እምበኣር “እዚ ኹሉ ክሳራ እንታይ ኣምጽኦ?” ዝብል ሕቶ ክልዓል ግቡእ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሕድ ዘናቚት ደምነት የብሎምን። ብዘይ ግጭት ብሰላም ክነብሩ ዘኽእሎም ጭዋ ባህሊ ዘለዎም እዮም። የግዳስ “ካብ ጸጋ ዝሰኣነ ኣእምሮ ዝሰኣነ የሕዝን” ከምዝበሃል ጠንቂ ናይዚ ዕንወት’ዚ፡ ብቐንዱ፡ ድኽነት-ኣእምሮን ጸቢብ ኣተሓሳስባን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝመዝመዘ ግሎባዊ ስትራተጂ’ዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሓምለ 2018፡ ዝሓለፈ ምዕራፍ ዓጽየን ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምኽታመን’ውን፡ 80 ዓመታት ነዚ ዞባ’ዚ ዝሓመሰ ግሎባዊ ጸወታ ኣየብቅዐን። ብቁጥዐ ህዝቢ ናብ ጉሓፍ ታሪኽ ዝተሰንደወ ሓደ ኣገልጋሊ ጃንዳ ንምድሓን ዓቕሊ- ጽበታዊ ምዕልባጥ ቀጺሉ። እዚ’ውን ዘሕፍር ስዕረት ጐሲሙ፡ ብውርደት ኣኽቲሙ ኣሎ።
ድሕሪ’ዚ ተሞኩሮ’ዚ እምበኣር፡ ጸቢብነት፡ ዕሽነት፡ ክድምና ንግዳማውያን ሓይልታትን ወጊድ ኢልካ፡ ውዲት ሕንከራ ዓበይቲ ሓይልታት ብንቕሓት ጸብለል ኢ ል ካ ፡ ናብ ሓድሽን ዝተፈልየን ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ምስግጋ ርግዜኡ እዩ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ