ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንህልው ዓለማዊን ዞባውን ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብ19 ሓምለ 2025 ምሸት፡ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ቀዳማይ ክፋል ቃለ- መጠይቕ ኣካዪዱ ነይሩ። ብኩነታት ሱዳን ጀሚሩ ብቐንዱ ናብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝቐንዐ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ድማ ብቕድሚ ትማሊ 23 ሓምለ ቀጺሉ። ትሕዝቶኡ ይስዕብ።
- ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ቀዳማይ ክፋል ቃለ–መጠይቕና ኣብ ዓለማውን ዞባውን ኩነታት ዓሚቝ መረዳእታ ዝፈጠረ መብርሂ ሂብካ ነይርካ። ናይ ሎሚ ሕቶታትና ብቐንዱ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጕዳያት እዩ። ቅድሚኡ ግን ንሱዳን እትምልከት ሓንቲ ሕቶ ከነቕርብ። ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዛጊት ዘተኣማምን ፍታሕ ኣይተረኽቦን ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ብፍላይ ድማ፡ ሓደስቲ ጎባልል ዞባና ከም ኢማራት ነቲ ጉዳይ ይሓላልኾ ከምዘሎ፡ ብዙሓት ይዛረቡሉ እዮም። መንግስቲ ሱዳን እውን ክኸስስ ጸኒሑ ኣሎ። ተበግሶ ጐረባብቲ ሃገራት ከኣ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይቀጸለን። ስለምንታይ፧ ብውልቂኸ ኤርትራ ምስ ሓይልታት ሱዳን ዘለዋ ርክብ ከመይ ይመስል፧
እዛ ዘልዓልኩምዋ ሕቶ ኣገዳሲት እያ። ኣብቲ ዝሓለፈ ክትልዓል ነይሩዋ፡ ኣይተተንከፈትን። ንጹር መረዳእታ ወይ ፍልጠት ምእንቲ ክህሉ፡ ቅድም ቀዳድም ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝበሃል የለን። ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት እውን ይበሃል እዩ። ንምንታይ ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ኲናት ይህሉ፧ ነየናይ ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ዝውክል ኲናት ሓድሕድ እዩ እዚ፧ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ንዝፈልጦ ኲናት ሓድሕድ ዝበሃል ኣብ ሱዳን የለን። ወራር እዩ ክበሃል ዝከኣል – ብብዙሕ መለክዒታት። ኣብ ሱዳን ህዝባዊ ናዕቢ ምስ መጸ፡ ናበይ ገጹ ክኸይድ ይኽእል፧ ብወገንና ከመይ ገይርና ምስ ኣሕዋትና፡ ኣዕሩኽትና፡ መሻርኽትና ሱዳናውያን ብኣወንታ ክንዋሳእ ንኽእል እናበልና፡ ምዕባለታቱ ብቐረባ ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ከም ኣሰራርሓ ሓድሽ ኣይኮነን። ካብ ቅድም ገና ናይ ደቡብ ሽግር ከይተፈትሐ እንከሎ ምስ ሱዳናውያን ኣሕዋት ከምኡ ዓይነት ርክባት ጸኒሑና እዩ። ጉዳያት ክመጽእ እንከሎ ንመኻኸረሉ ኢና። እዚ ሓድሽ ኩነታት ምስ መጸ፡ ንፈልጦ ነይርና ኢና ክንብል እኳ እንተዘይክኣልና፡ ምስ መጸ ግን ኣናብባና ኣማዓራሪና ክንዋሳእ ተበጊስና። ብሽርክነት ክንሰርሕ እንተዄንና ከኣ፡ ሓደ ሓሳብ ከነነጽር ኣለና ተባሂሉ ኣብ ግንቦት 2022 ወረቐት ኣዳሊና። ዝርዝራቱ ብዙሕ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ገጻት ዝተጠርነፈ እዩ። ነዚ ወረቐት’ዚ ኣዳሊና ሓሳብና ከነካፍል እንድሕር ኴንና፡ ብናትና ማዕዶ (ፐርስፐክቲቭ) ዘይረኣዩና ብዙሓት ነገራት እውን ክህልዉ ስለዝኽእሉ ከነካፍሎም ኣለና ተባሂሉ ምስ ኩላቶም ተዋሳእቲ፡ ድሕሪ ህዝባዊ ናዕቢ ዝመጽኡ ተዘራሪብናሉ። ሕጂ እውን ናብኡ ኢና ንምለስ። እንታይ እዩ ነይሩ ትሕዝቶኡ፡ ከም መወከሲ ስለዘሎ ክርአ ይኽእል እዩ።
ንታሪኽ ተመሊስና ካብ 1956 ጀሚሩ ድሕሪ ናጽነት ሱዳን ማለት እዩ፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሱዳን እንታይ ይመስል ነይሩ፧ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ዓቡድ ክሳብ ናይ ኑሜሪ ዝነበረሉ ግዜ፣ ድሕሪ ናይ ኑሜሪ ክሳብ’ቲ ሙእተመር ወጠኒ ወይ ጀብሃ እስላምያ ዝመጻሉ 1989 ኣብታ ሃገር እንታይ ዓይነት ኩነታት ነይሩ፧ ድሕሪኡ’ኸ፧ እቲ ግዜ’ቲ ዝሑል ኲናት ዘብቅዓሉ ንሕና ድማ ናጽነትና ዘረጋገጽናሉ ግዜ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን 1989 ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን እንታይ ኣንፈት ሒዙ። ኣብ 1983 ኑሜሪ እንከሎ ኣትሒዞም ጽልዋታት ከሕድሩ ኢሎም ዝገብርዎ፡ ፖሊሲታት ዘመዛበለ ጻዕሪ ስለዝነበረ ንኡ እውን ሓደ ብሓደ ርኢናዮ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ምስ ምምጻእ እንኮ ቀጽራዊ ስርዓት ወይ ዓለም ዝበሃል ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ሱዳን ዝመጽአ ፍጹም ዘይባህርያዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ’ዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መድረኻት ብተዛማዲ ምስ ካልእ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሱዳን ኣጸቢቑ ዝሓሸ’ዩ ነይሩ – ብዘይቃልዓለም። ኣብ ዞባና ይኹን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣፍሪቃ ምስ ዝነበረ ኩነታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ፖለቲካዊ ባህሊ ናይ ሱዳን ብተዛማዲ ምዕቡል እዩ ነይሩ።
ኣብ 1989 እስላማውያን ዝበሃል ምንቅስቓስ ብዕልዋ ኣብ ስልጣን መጺኡ። ንእስላም ዝውክሉ ኣይኮኑን። እስላማውያን ክንብል ከለና ብሽም እስላም ዝነግዱ ማለት እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፡ ድሮ ኣብቲ ናይ ኑሜሪ ስርዓት ነይሮም፡ ጽልዋኦም እናዕበዩ ዝመጹ እዮም። ኣብቲ ግዜ’ቲ ሸሪዓ ነተኣታቱ ኢሎም ጽልዋኦም ንምዕባይ ዘተኣታተውዎ ነገራት ነይሩ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ፡ ቅድሚ 1956 ናብ 1927 ክምለስ ዝኽእል ምስ ኣኽዋን ኣል ሙስሉሚን ዝተኣሳሰር ናቱ ነዊሕ ናይ ኣመዓባብላ ዛንታ ዘለዎ እዩ። ይኹን እምበር ዓቢ ፖለቲካዊ ጽልዋ ወይ ሓይሊ ኣይነበሮምን። ምሉእ መዋእሎም፡ ኣስታት ሓሙሽተ ዓሱር ዓመታት ምዃኑ እዩ፡ ጽልዋኦም ኣብ ህዝቢ ሱዳን ካብ 4 ሚእታዊ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብዕልዋ ምምጽኦም እውን ብዙሕ ተቐባልነት ስለዘይነበሮም እዩ። ኣወዳድባኦም ምናልባት ሓያል ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ህዝቢ ሱዳን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሱዳን ግን ብዙሕ ተቐባልነት ኣይነበሮምን።
ናይዞም እስላማውያን ኣብ ስልጣን ምምጻእ ዝኸፍአ ሳዕቤኑ እንታይ ነይሩ እንተድኣ ኢልና፡ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዝመጸ ዘይተደልየ ምዕባለታት እዩ። ምንጻል ናይ ደቡብ ሱዳን ብናታቶም ምድፍፋእ ዝመጽአ ኢልካ እውን ክዝረብ ይከኣል። ምኽንያቱ ዓረብ/ ኣፍሪቃ፡ ክርስትያን/እስላም ዝበሃል ፈጺሙ መተሓሓዚ ዘይብሉ ፖለቲካ ከተኣታትዉ ጀሚሮም። ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ ዋላ እቲ እስላም ዝበሃል ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ዝቕበሎ ኣይነበረን። ጥሩፍ ዝኾነ ኣከያይዳ ስለዝነበረ እቲ ህዝቢ ኣይተቐበሎን። ንሳቶም ግን ካብ ሱዳን ሓሊፍና እውን ነዚ ከባቢ ብምሉኡ ክንቅይሮ ኢና ዝብል ኣጀንዳ ሒዞም እዮም ተበጊሶም። ክሳብ 1996 ቢንላደን ኣብ ምብራቕ ሱዳን እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ እንተድኣ ኢልካ ነቲ ዝነበሮም ሓሳብ እዩ ዘንጸባርቕ። ናይ ቃዒዳ ምምጻእ ንዘይምርግጋእ ሓደገኛ ጠንቂ እዩ ተፈጢሩ። ቃዒዳ መን ፈጢሩዎ፧ ከመይ ኢሎም መጺኦም፧ ከመይ ገይሮም ናብ ሱዳን ኣትዮም ንገዛእ ርእሱ ካልእ ዛንታ እዩ። እቲ ኣከያይዳ ግን፡ ናይ ብሓቂ ናይ ህዝቢ ሱዳን ድሌት ዝውክል ኣይነበረን።
እዚ ኣካያይዳ’ዚ ካብ ዘኸተሎ ዓቢ ናይ ታሪኽ ሓደጋ ሓደ ናይ ደቡብ ሱዳን ምፍላይ ኣብ 2011 እዩ። ካብ እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከኣ፡ ኣብ 2011 ናይ ደቡብ ሱዳን ምፍላይ እዩ። ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ምፍላይ መጺኡ፧ ንድሕሪት ተመሊስና ክንርኢ ንኽእል ኢና። ናይ ደቡብ ሱዳን ህዝባዊ ምንቃስቓስ ናይ ምንጻል ኣጀንዳ ኣይነበሮን። ብዓል ጆን ጋራንግ ሓድነት ሱዳን ተኽእሎኡ 99 ሚእታዊት እዩ፣ ሓንቲ ካብ ሚእቲ ጥራይ እያ ምንጻል ከተምጽእ ትኽእል እናበሉ እዮም ዝምጕቱ ነይሮም። ብምልኡ እቲ ምንቃስቓስ ናብ ሓድነት እዩ ዝደፍእ ነይሩ። ንሳቶም ግን ደፊኦም– ደፊኦም ከርሕቕዎም ጥራይ እዮም ዝደልዩ ነይሮም። ናብ ምክፍፋል እዮም ዝደፍኡ ነይሮም። እዚ ሕጂ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ናይ ማሻርን ሳልቫ ኬርን ዝበሃል ናይ ደቡብ ሱዳን ግርጭት መቐጸልታ ናቱ እዩ። ኣብቲ ግዜ ቃልሲ ማሻር ብኣንጻር ብዓል ጆን ጋራንግ፡ “ምንጻል እየ ዝደሊ” እዩ ዝብል ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኢዱ ሂቡ፡ ናብ ካርቱም መጺኡ፡ ሰላም ካብ ውሽጢ ዝብል ዘረባታት ኣምጺኡ፡ ነቲ ኩነታት ዝርግርግ ኣቢልዎ። ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳናውያን ኑወርን ዲንካን ዘይነበረ ጽልኢታት ከሳውሩ ጀሚሮም። ዘይሩ ዘይሩ፡ እቲ ኣብ 2011 ዝመጽአ ምዕባለ ምንጻል ደቡብ ሱዳን፡ ብቐንዱ ብድፍኢት ናይቲ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዝመጽአ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ንሶም ጥራይ ዘይኮነ ግን ናይ ደገ ሓይልታት እውን ተሓዊሰናኦ ነይረን እየን።
እዚ፡ እስላማውያን ዘይመጽኡ ነይሮም እንተዝኾኑ ከምኡ ምኾነ’ዶ፧ ቅድሚ’ዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ኣስመራ ኪዳን ደሞክራስያዊ ግንባር (NDA) ተመስሪቱ ነይሩ እዩ። ኩሎም ሓይልታት ዝሳተፍዎ። ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን (SPLM) ምስ ካልኦት ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ሱዳን ተሓዋዊሱ ንክሰርሕ ኣብ ኣስመራ ቀጻሊ ኣኼባታት ይካየድ ነይሩ። ትስፉው ኣንፈት ከኣ ሒዙ ነይሩ። ንሳቶም ግን ነዚ ኩሉ ኣበርዒኖሞ። እቲ ጉዳይ ብናይ ደቡብ ምንጻል እውን ክውዳእ ዝኽእል ኣይነበረን። ናይ ኣብየ ሽግር ተወንዚፉ እዩ ነይሩ። ናይ ዳርፉር፡ ኩርዱፋን፡ ብሉ ናይል ጉዳያት እውን ተወንዚፉ ስለዝነበረ እቲ ቅልውላው ቀጺሉ። እቲ ንሳቶም ዝምጒትሉ ወይ ዝምክሕሉ ዝነበሩ ኣጀንዳ፡ ተምኪን ኣልሙስተድዓፊን ወይ ድማ ንድኹማት ምሕጋዝ ዝብል፡ ርትዓዊ ወይ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ኣይነበረን።
ኣብ ቊጠባ ዘምጽእዎ ዕንወትን ዘስዓብዎ ዝምታን መወዳእታ የብሉን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ ሽግራት ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ናዕቢ መጺኡ፧ ፍኑው ናዕቢ እዩ ነይሩ። ዝመርሖ ሓይሊ፡ ውድብ ወይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ነይሩ ኢልካ ክዝረብ ኣይክእልን። እቲ ህዝቢ ጸገማት ኣብ ዓንቀሩ በጺሕዎ፡ ቊጠባዊ ቅልውላው መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑዎ ናብ ጽርግያ ወሪዱ። ሱዳን ሃብታም ሃገር እያ። ዘንቢል ሕብስቲ ናይዚ ከባቢ እያ ትበሃል ነይራ። መወዳእታኡ ግን ህዝባ ኣብ ጥሜትን ድኽነትን ወዲቑ። ነቲ ብዝምታ ጸጋታት ሃገርን ብልሽውናን ዝመጸ ዕንወት ቁጠባ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ተደሚሩዎ፡ ህዝቢ ነቲጒ ኣብ መወዳእታ ነቲ ስርዓት ኣልዩዎ። እዚ ከም ድሕረ– ባይታ ወሲድካ ድሕሪኡ’ኸ ናበይ ዝብል ሕቶ ክልዓል ግድን እዩ። ሓደ መርሓ ጐደና ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ብወገንና ኣብኡ ክንዋሳእ፡ እንተውሓደ ብሓሳብ ክንተሓጋገዝ ኣለና ኢልና ወረቓቕቲ ኣዳሊና። ናይ ገዛእ ርእስና ርእይቶ እዩ። ዝያዳ ብልሒ ወይ ፍሉይ ምህዞ ሃልዩና ኣይኮነን። ካብ ነዊሕ ትዕዝብትን ወድዓዊ ንባብን ፖለቲካ ሱዳን ተበጊስና ዘቕረብናዮ እዩ። ምኽንያቱ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ ከባቢ ዝፈጠሮ ቅልውላዋት ቀሊል ስለዘይነበረ፡ ትም ኢልካ ብማዕዶ ኣብ ክንዲ ምዕዛብ ብንጥፈት ክንዋሳእ መሪጽና። ክንዋሳእ ከኣ፡ ናይ ጽምዶ ስትራተጂና ከነነጽር የድልየና። ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ሱዳን ካብ 1956 ክሳብ’ዚ ህዝባዊ ናዕቢ’ዚ ተተንቲኑ ሕጂኸ ናበይ፧ ዝበሃል ሕቶ እዩ ዝመጽእ።
ህዝቢ ሽዕኡ፡ በቲ ዝደልዮ መገዲ ህንጸት ሃገር ክኸይድ ይኽእል። እዚ ናይ ምስግጋር መስርሕ ክንደይ ግዜ ክወስድ ይኽእል፧ ምናልባት ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት። ሕጂ ተመሊስካ ንድሕሪት ክርአ ከሎ፡ ካብ ክፍላ 2022 ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብዚ ሰለስተ ዓመት ሰፊሕ ሱታፌ ናይ ህዝቢ ከምዝህልዎ ገይርካ ክውዳእ ምተኻእለ ነይሩ። ኣይምጸገመን።
እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና፡ ናይ ክልተ ጀነራላት ኲናት ዝበሃል፡ ብፍላጥ ነቲ መስርሕ ንምትዕንቓፍ ዝመጽአ እዩ። መመሊስካ ትሓላልኾ፡ ሓላሊኽካ ነቲ ዝተሓላለኸ ኩነታት (Management Crisis) ተማሕድሮ። ስለምንታይ ከምኡ መጺኡ እንድሕሪ ኢልና፡ ሱዳን ተጠማቲት ስለዝኾነት ግዳይ እያ ኮይና። ነዚ ንርእዮ ዘለና ጸገማት ዘምጽእዎ ብቐንዱ ናይ ደገ ሓይልታት እዮም። እቶም ኣብ ውሽጢ ኴንና ንሰርሕ ኣለና፡ ኣንጻር ሰራዊት፡ ኣንጻር ኣልቡርሃን፡ ኣንጻር እከለ ዓሌት ኢሎም ዝዛረቡ ዘለዉ ከኣ፡ ብገንዘብ ዝተዝኡ ወኪላት እዮም። ናይ በሓቂ እዚን እዚን ዕላማታት ኣለዎም’ሞ፡ ንዕኡ ከረጋግጹ እዮም ዝበሃሉ ኣይኮኑን።።
እዚ ዝብሎ ዘለኹ ሓሳባት ንኹሎም ወገናት ኢና ኣካፊልናዮም። ንሓደ ወገን ጥራይ ኣይኮንናን ኣካፊልናዮ። ንሓደ ወገን ዝምልከት ስለዘይኮነ። ድሕሪ’ቲ ፍኑዉ ህዝባዊ ናዕቢ እቲ ኩነታት ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዝነበረ ርዱእ ስለዝነበረ ነቲ ሕድሪ ዝስከም ብግብሪ (By Deffault) ካልእ ኣካል ኣይነበረን። ህዝባዊ ናዕቢ መጺኡ መን ሓላፍነት ይስከም፧ ሑርያ ወተቕይር፡ ካበይ ዝመጽአ እዩ፧ ናይ ቀደም ሰልፍታት ብኸመይ መገዲ፧ ከምዚታት ኣብ ዘየድሊ ቈይቊ ስለ ዘእቱ፡ ማእዝን ምስሓት ከምጽእ ስለ ዝኽእል፡ ሰራዊት ዝተቐበሎ ሕድሪ ክስከም ኣለዎ። ሰራዊት ንፉዕ ድዩ ሕማቕ፧ ሓያል ድዩ ድኹም ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ካልእ ኣማራጺ ስለዘየለ እታ ሕድሪ እቲ ሰራዊት ተሰኪሙ የረክባ፣ እያ ነይራ ሓሳብና። ግዜ እውን ኣይምወሰደትን ነይራ። እዚ ግን ክኸውን ኣይከኣለን። ባህጊ ብጽቡቕ ድሌት ጥራይ እዩ ነይሩ ኢልካ ክትዛረበሉ ትኽእል። ናይ ሱዳን ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ተጠማቲ ስለ ዝኾነ፡ ዘየድሊ ናይ ደገ ምትእትታዋት መጺኡ እቲ ጉዳይ ካብ ኢድ ሱዳናውያን ከም ዝወጽእ ኮይኑ።
ሰባት ብዙሕ ግዜ ኢማራት– ኢማራት ኢሎም ይዛረቡ እዮም። ኢማራት እያ ከምዚ ትገብር ዘላ ይበሃል እዩ። እዚ መስክሩለይ ዘድልዮ ጒዳይ ኣይኮነን። ብሊብያ እንታይ ይግበር ኣሎ፧ ብጫድ እንታይ ይግበር ኣሎ፧ ብሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እንታይ ይግበር ኣሎ፧ ካብ ደቡብ ሱዳን ብኩርዱፋንን ካልእን እንታይ ይግበር ኣሎ፧ ብወገን ኢትዮጵያ እንታይ ይግበር ኣሎ፧ እንታይን እንታይን እዩ ዝስራሕ ዘሎ መስክሩለይ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዓቢ ሕቶ ዝመጽእ ግን፡ ስለምንታይ ኢማራት፧ ሕጂ ንዓና ብፍላይ ስኽፍክፍ እዩ ዘብለና። ኢማራት ከምዚ ትገብር ስለምንታይ፧ ከምኡ ክትገብርከ ምተገብአዶ ነይሩ፧ ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ካልኦት ምናልባት ናቶም ኣናብባ ከንብብዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ንዓይ ክርድኣኒ ኣይክእልን።
ንሸኽ ዛይድ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1972 እየ ረኺበዮ። ኣብዚ እዋን’ዚ 53 ዓመት ገይሩ ኣሎ። መጀመርታ ክትምስረት ከላ ኢማራት ማለት’ዩ። ካብ ሽዕኡ ዝጀመረ ዝምድና እዩ ዘለና። ክቡር ሰብኣይ’ዩ፣ ክቡር ሰብ። ከምኡ ክቡር ሰብ ኣይትረክብን ኢኻ። ሎሚ ኢማራት ከምዚ ትገብር ኣላ ክብሉ ከለዉ፡ ሸኽ ዛይድ እየ ዝዘክር። ናይ መወዳእታ ምናልባት ኣብ 1996 ኣብ ጀኔቫ እየ ረኺበዮ። ብዛዕባ ሸኽ ዛይድ መወዳእታ ዘይብሉ ዛንታ ምንጋር ይከኣል እዩ። ዓበይቲ ዓበይቲ ነገራት ኣብ ኢማራት ዝገበሮ ሸኽ ዛይድ እዚ ኢልካ’ውን ክትጽብጽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ክቡር ሰብ ዝመስረቶ ሃገር፡ ኣብ ከምዚ ይኣቱ፡ ስለምንታይ፧ ኢማራት ኣላ ድያ የላን፡ እንታይ ትህብ ኣላ፡ ኣጽዋር በየን ይመጽእ ኣሎ፡ ድሮናት በየን ይመጽኣ ኣለዋ፡ ኣብዚ ከባቢና ንዘለዉ ካልኦት እውን ዘጋጊ ዘሎ በየን ይመጽእ ኣሎ– ካልእ ኣርእስቲ እዩ። ብኣጠቓላሊ ግን ቅቡል ኣይኮነን። ኣብ ሊብያ ዘሎ ምትእትታው ካልእ ዛንታ እዩ። ኣብ ጫድ ዘሎ ምትእትታው መወዳእታ የብሉን። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል ከምዚ ገይሩ፡ ፕሮስፐሪቲ ከምዚ ገይሩ ዝብሃል ዘሎ – ናይ ፕሮስፐሪቲ ጉዳይ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ወይ ሓደ መንግስቲ፡ ስዌዝ ካናል (መትረብ ስዌጽ) ክቆጻጸር፣ ኣብ ዓቢ ወደብ ክገብር፣ ጅዳ ፖርት ሱዳን፡ ሑደይዳ፡ ጅቡቲ፡ ዓሰብ፡ ዓደን፡ በርበራ፡ ሞቓድሾ፡ ሞምባሳ፡ ላሙ ነዚ ኩሉ ተቘጻጺሩ ክሳብ ዳርኤልሰላም ክበጽሕ፡ ወሽመጥ ዓደን ንምቁጽጻር ኣብ በርበራ መዓስከር ከቕውም ይሓስብ እንተሎ እንታይ ክትብሎ ትኽእል፧ ከምዚ ዓይነት ገዚፍ ኢምፓየር ናይ ወደባት ናይ ምፍጣር ሕልሚ እንታይ ብኸመይ ክግለጽ ይኽእል፧ ከምኡ እንድሕር ትሓስብ ኴንካ እንታይ ትገብር፧ ጽልዋ ንምዕባይ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ትጥቀም። ናይ ክሊማ ለውጢ ዝበሃል ኣርእስቲ ኣልዒልካ ኣብዚ ድግስ፡ ኣብቲ ድግስ ንምግባር ቢልዮናት ይወጽእ እዩ። ኣብዚ ከባቢና ዘለዋ መንግስታት ካብ ኢማራት ዝወስዳኦ ቢልዮናት መወዳእታ የብሉን። ብዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ዝዳሎ ፕሮግራማት ብዙሕ እዩ። ወደባት ከነማዕብል፡ ወደባት ከነማዕብል ይበሃል እዩ። ወደባት ተማዕብል ሰብ የብሉን ድዩ እቲ መሬት፧ መንግስታት የለዋን ድየን፧ ናታቶም ወፍርታት፡ ናታቶም ኢንዱስትሪታት ትሕተቅርጺ ከማዕብሉ ዝደልዩ ህዝቢታት የለዉን ድዮም ኣብኡ፧ እዚ ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ምትእትታው ካብ ከምዚ ዓይነት ሕልሚ ዝወጽእ ኣይኰነን። ኣብ ሊብያ፡ ጫድ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ምትእትታዋት ደሚርካ ክትርእዮ ከለኻ ነዚ ዕላማ’ዚ እዩ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኣጀንዳታት መወዳእታ የብሉን። ኣብ የመን ትማሊ ዝተገብረ ሕልኽልኽ እዚ እዩ ኢልካ ክትጸብጽቦ ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣብ መወዳእታ ኣነ ዝብሎ እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንኢማራት ዝውክል ኣይኰነን። ኢማራት ወኪል ናይ ካልኦት ኮይና እያ ትሰርሕ ዘላ። እዚ ዝግበር ዘሎ ከኣ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ናይ ብሓቂ ዘተሓሳስብ እዩ። እዚ ዓሰርተ ግዜ፡ ድሮናት መጺአን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራጊፈን፡ ኣብ ደብረ ዘይቲ፡ ኣብ ባህርዳር ተራጊፈን፡ ከምዚ ገይረን ዝብሃለለን ዘሎ – ካበይ ዝመጻ እየን፧ መን’ዩ ዘምጽአን ዘሎ፧ መዓልቲ መዓልቲ ዝራገፍ ዘሎ ኣጽዋር፡ ቦምባታት ናይ ነፈርቲ ካብ ዓይኒ ሰብ ዝተኸወለ ኣይኮነን። ንምንታይ፧ ናይ የመን ዘርዚርካ ክትዛረበሉ ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ እዩ። ናይ ሊብያ ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ እዩ። ናይ ጫድ ካልእ ገዚፍ ኣርእስቲ እዩ። እዚ ኩሉ ዝኸይድ ዘሎ ብድሕሪት ኮይኖም ንኡ ዝድርኹ ሓይልታት ኣለዉ። ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ክዋስኡሉ ዝጸንሑ።
ኣብዚ መወዳእታ እዋን ከኣ ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ምስ ምምጻእ ትራምፕ ክጓየዩሉ ዝጸንሑ እዮም። እዚ ከባቢ’ዚ ብምሉኡ ናይ እስራኤል ምቁጽጻር ከም ዝህሉዎ ከተረጋግጽ ምእንቲ ባይታ መድሚድካ ክትጸንሕ ክትክእል ኣለካ። ኣብዚ ትማሊ ንዛረበሉ ዝነበርና ፈደራል ከምዚ ኢሉ፡ ሓደ ከምዚ ኢሉ ዝበሃል ዘሎ – መን’ዮም እቶም ቀንዲ ደገፍቲ ዝብሉዎም ዘለዉ እንተድኣ ኢልና፡ ቁጽሪ ሓደ እስራኤል፡ ቁጽሪ ክልተ ኢማራት፡ ፈረንሳ ሳልሰይቲ፡ ኣመሪካ ድማ ራብዐይቲ እየን።
እንታይ’ዩ ረብሓታቶም እዞም ሓይልታት እዚኣቶም፧ ኣብ ወሽመጥ ዓደን እንታይ እዮም ክገብሩ ዝደልዩ፧ ስለምንታይ እዩ ናይ ሶማሊላንድ ጉዳይ ንበይኑ ኣጋዊሖም ዘቕርቡዎ ዘለዉ፧ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ዝግበር ዘሎ ምትእትታዋት ንምንታይ ዕላማ እዩ፧ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት’ከ ናበይ ገጹ ከምርሕ ይኽእል፧ እንታይ እንታይ እዩ ድምሩ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት፧ እዚ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወደባት ዝበሃል – ሑደይዳ፡ ዓሰብ፡ ፖርት–ሱዳን፡ ጅዳ፡ ስዌጽ – ንምንታይ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፧ ናይ ብሓቂ’ኸ ካብኡ ናይ ኢማራት ረብሓ እንታይ እዩ፧ ኢማራት እንታይ ክትገብር ናብኡ መጺኣ፧ ካልእ መዓልቲ ረኺብካ ዝዝረበሉ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ። ብኣጠቓላሊ ግን፡ ናይ ሱዳን ኩነታት ኣብ መቓን (context) ኣእቲና ክንርእዮ ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ዝግለጽ እዩ። እቲ ፍታሕ ብቐሊል ክመጽእ ዝግብኦ ስለምንታይ ተናዊሑ፧ ስለምንታይ መመሊሱ ይተሓላለኽ ኣሎ ኣብዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ሰፊሕ ኣርእስቲ ኣእቲኻ ዝርአ እዩ። ናይ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ምትእትታዋት እውን ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ዩ.ኤን. ኣብ ዘየድልዮ ጉዳያት ዝኣቱ፧ ስለምንታይ ናይ ሱዳን ጥሜት ልዕሊ ናይ ካልኦት ምግውሑ ተደልዩ። ኣብ ዝዀነ ናይ ዩ.ኤን. መግለጺታት – ኣብ ሱዳን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት፡ ኣብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ሽግራት ይበሃል። ክንዓርቀኩም እናበልካ ዝግበር ምትእትታዋት ብዙሕ እዩ። ነቲ ሽግር ዘጋድድ። መን ዝዕረቕ ኣሎ፧ እንታይ እዩ እቲ ምዕራቕ፧ ንምንታይ ዕላማ፧ ናይ ክልተ ሰባት ሽግር እዩ’ሞ ንኡ ክንፈትሖ ድዩ እቲ ዕላማ፧ ብሓቂ ንምዕራቕ ዝተዳለወ መደብ’ከ ኣሎ ድዩ፧ ኢልካ ብዙሕ ሕቶታት ከተልዕል ትኽእል ኢኻ። ዜርካ ዜርካ ግን ናብቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ኢና ንምለስ።
ናይ ሱድን ሽግር ሓደ ካብ ጂኦፖለቲካ ሽግራት ናይዚ ከባቢ እዩ። ሱዳን ከም ቀዳማይ ታርጌት ስለ ዝተወስደ እምበር ካብቲ ከባቢያዊ ሽግራት ተፈልዩ ዝርአ ኣይኮነን። ኣብዚ ከባቢ ከም ታርጌት ተወሲዶም ዘለዉ ብዙሓት ሓይልታት እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ስለዘይብልና፡ ኩሉ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ እውን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ስለዘይብሉ፡ ኣበርክቶ ክገብር ክኽእል ኣለዎ። ኣበርክቶ ማለት ግን፡ ካብ መረዳእታን ካብ ፍሉጥ ገምጋምን ንኹሉ ቅቡል ዝኾነ መረዳእታ ክጅምር ስለ ዘለዎ፡ ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ ንርእዮን ንሰርሓሉን ኣለና።
ናይ ሱዳን ሽግር ግን በዚ ሕጂ ዘለዎ ናይ ቅልውላው ደረጃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሱዳን ኣካል ናይዚ ዞባ’ዚ ስለዝኾነ ናይ ሱዳን ርግኣት ኣብ መላእ ጐደቦና ዝህሉዎ ኣበርክቶ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ብተዛማድነት ምስ’ዞም ክገልጾም ዝጸናሕኩ ኣርእስታት ከኣ፡ ናይ ሱዳን ርግኣት ነዚ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኪንዮ እዚ ከባቢ እውን ዓቢ ኣበርክቶ ክህሉዎ ስለ ዝኽእል፡ ነቲ ሽግር ምፍታሕ ሕርያ ጥራይ ኣይኮነን። ባህ ኢሉኒ ባህ ኣይበለንን ኣይኮነን። ኩሉ ክዋሳኣሉ ዘለዎ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ እናንጸላለወ እንከሎ፡ መመሊሱ እናተሓላለኸ፡ መዓልቲ እናተመጠጠ ክኸይድ ከሎ ትም ኢልና ክንዕዘብ ሕርያና ኣይኮነን። ስለዚ፡ ናይ ሱዳን ጉዳይ ብዕምቆት ክንርድኦ ክንክእል ኣለና። ቀጻሊ ክንክታተሎ ክንክእል ኣለና። ኣየነይቲ ነፋሪት ካብ ዱባይ ወይ ካብ ኣቡዳቢ ተበጊሳ፡ እንታይ ጽዒና መጺኣ፡ ከመይ ገይራ ተራጊፋ፡ ኣበይ ተራጊፋ፡ ኣብ ሊብያ እንታይ ኣራጊፋ፡ ብሊብያ ዝኣቱ ዘሎ ንብረት – ኣብ መካይን ዝተጻዕነ ኣጽዋር እንታይ ይመስል፡ ብጉልባብ ናይ ረድኤት ናይ ዩ.ኤን. እናገበርካ ብጫድ መጺኡ ዝራገፍ ዘሎ፡ ኣብኡ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ እዞም ካልኦት በብከባቢኡ ዝኸዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ካብ ዓይኒ ተዓዛባይ ስዉራት ኣይኮኑን። እዚ እናርአና ትም ክንብል ኣይግባእን እዩ’ሞ፡ ናይ ሱዳን ሽግር ኣብ ምፍታሕ ኩሉ ኢደይ ኢድካ ክብለሉ ዝግባእ እዩ።
- ሕራይ ክቡር ፕረዚደንት፡ ናብ ዘቤታዊ ኩነታት ክንሰግር ኢና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኩነታት ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ቀዳምነትና መኸተ ልምዓት ምዃኑ ገሊጽካ ነይርካ። ሃገራዊ መደባት ልምዓት በብጽላቱ ብተወሳኺ ድርኺት ኣድማዕነቱ ንምሕያል፡ ኣብ ካልኣይ መንፈቕ ናይ 2025 ዝብገስ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ዝተኸፋፈለ ሰፊሕ ውዳበ ሱታፌ ህዝቢ ኣበርክቶ ዝገብረሉ መደባት ተታሒዙ ከም ዘሎ እውን ሓቢርካ ነይርካ። ብዛዕባ’ዚ መደባት’ዚ እንታይ መብርሂ ትህበና፧
እወ እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ገፊሕ ዩ። እቲ ከነተኩረሉ ዘለና ግን እቲ ቀዳምነታት ዝበሃል እዩ። ብዙሓት መደባት ከነተግብር ጸኒሕና ኢና። ዝተዓወቱ ዘይተዓወቱ፡ ከበድቲ ፈኰስቲ ኢልና ክንሰርዖም ንኽእል። ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝተመሃርናዮ ነገር ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ንሕጂን ንመጻኢን ብዙሕ ክጠቕመና ዝኽእል እዩ። ኣብ ቀዳምነታት ሃገራዊ መደባት ልምዓት ቊጽሪ ሓደ ዝመጽእ ምኽዕባት ወይ ምዕባይ ናይ ሕርሻ ፍርያትና ብኹሉ መልክዓቱ እዩ። ኣእካል፡ ስርናይ፡ ስገም፡ መሸላ፡ ዕፉን ወዘተ. ጥረታት፡ ፍረታትን ኣሕምልቲን ካልእን ናይ ምፍራይ ዓቕምና ክብ ኢሉ፡ ዝሕፈስ ምህርቲ ብዓይነትን ብዓቐንን ክገዝፍ ክኽእል ኣለዎ። ብስምዒት ዘይኮነ ተለካዒ ብዝኾነ መገዲ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገዘፍቲ መደባት ዝድርኽ እንታይ ኣሎና እንድሕር ኢልና፡ እቲ ዘለና ዕቑር ዓቕሚ ቀሊል ኣይኮነን፡ እቲ ፖተንሻል ኣዝዩ ገዚፍ እዩ። ሰፊሕ ዕድል እዩ ዘለና። ናይ መሬትን ማይን ጸገም የብልናን። ካልኦት ዝተፈላለዩ ምስ ቴክኖሎጂን ሕርያን ዝተኣሳሰር ነገራት ሽግር የብልናን። ከነዕብዮም እንድሕር ደኣ ኮይንና ኣእካል እንብሎም ሓደ ብሓደ ዘርዚርና እንታይ ክንገብር ንኽእል፡ ኣበይን ብኸመይን ኣገባብ፡ ዝበሃል ጉዳይ ዝርዝራቱ ኣለዉዎ ኣብኡ ግዜ ክንወስድ ኣየድልየናን እዩ።
ካልእ ሰፋሕቲ ናይ ጡጥ መደባት ከነተኣታቱ መደብ ሒዝና ኣለና። ነዊሕ እዩ ገይሩ። ኣብዝን ኣብትን እውን ፈተነታት ነይሩ። ሓዲሽ ሕጂ ዝጅምር ዘሎ ኣይኮነን። ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝነበረ እውን እዩ። ጡጥ ምፍራይ ጥራሕ ኣይኮነን፣ ጥረ ጡጥ ክንሸይጥ ኣይኮነን እቲ ሓሳብ። እቲ ዕላማ፡ ጡጥ ናብ ቅጥኒ፡ ካብ ቅጥኒ ናብ ዓለባ፡ ካብ ዓለባ ናብ ኣልባሳት ከነሰጋግሮ ክንክእል ስለዘለና፡ ብግዜ እናግፋሕናዮ ዝኸይድ መደብ እዩ። ኣበይ ኢና እቲ ጡጥ ንዘርኦ፧ ኣብ ከርከበት እንተኾይኑ ክንደይ ዝኣክል ስፍሓት፧ ከርከበት ጥራሕ ንበይኑ ኣይኮነን። ጉልብብ ኣሎ፡ ተኽላይ ኣሎ፡ ኣስራይ ኣሎ…ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባቢታት ኣለዉ ንምፍራይ ጡጥ ዝሰማምዑ። ተሰነይ ዓሊ ግድር ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተሰነይ ዓሊግድር ንመፈተኒ ዝተገብረ ነይሩ እዩ። ስለዚ መፍረ ጡጥ ብገፊሕ ከነተኣታትዎ እንድሕር ደኣ ኴንና፡ ብንኣሽቱ ፕሮጀክታት ጀሚርና፡ ምህርትና እናዕበና ክንከይድ ከም መደብ ሒዝናዮ ኣለና። ካልእ ኣብነት፡ ብዛዕባ ቃንጫ ሽኮር እውን ክንዛረብ ንኽእል። ንሱ ድማ ናቱ መገዲ ኣለዎ።
ሕጂ ግን ብቐንዱ ኣብ ኣእካልን ጥረታትን፡ ናይ ቅብኣ ወይ ዘይቲ ኣዝርእቲ፡ ኩሎም ዓይነት ፍረታትን ኣሕምልትን ሓደ ብሓደ ዘርዚርና ሰሪዕና፡ ምህርቶም ብዓቐን እናዕበናዮ ክንከይድ ንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ናይ መሬት ጽበት፡ ናይ ማይ ሽግር ዝበሃል’ውን ስለዘይብልና ንምትግባሩ ጸገም የብልናን። መደባትና ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከነጻፍፎ ክንክእል ኣለና። ዓመት ብዓመት ክሳብ ክንደይ ከነኻዕብት ንኽእል ከክንደይ ወፍሪ ከድልየና እዩ፧ እንታይ ጸጋታት እዩ ዘድልየና ናቱ ዝርዝራት ክህልዎ ኣለዎ። ብጆግራፍ፡ ብቦታ፡ ብዓይነት ብቚሊን ካልእን። ስለዚ ኣብ ምኽዕባት ምህርቲ እነካይዶ ዘለና ስራሕ መሰረታዊ ኮይኑ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ጽቡቕ ዝስጉም ዘሎ እዩ።
ኣብ ምኽዕባት ምህርቲ ካልእ ኣገዳሲ ጽላት ናይ ባሕሪ ሃብቲ እዩ። ናይ ባሕሪ ሃብትና ዳርጋ ኣይተንከፍናዮን። ኣብ ገማግምናን ማያትናን ዘሎ ናይ ዓሳ ሃብቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ናይ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዘሎ ዝበዝሐ እዩ። እዚ ጸጋታት’ዚ እናሃለወ ግን ብግቡእ ከነማዕብሎ ኣይከኣልናን። ብድሩት ዓቕሚ ዝተገብረ ፈተነታት ነይሩ። ኣብ ዕዲን ጢዖን ገልዓሎን መስርሒ በረድን መዘሓሓልን መኸዘንን ዘለዎ ማርሳታት ተመስሪቱ ነይሩ። ብዝተፈላለየ ሕጽረታት ክሰርሕ ኣይከኣለን። እቲ ቀንዲ ጸገም መሰረታዊ ናይ ማይ፡ ኤለትሪክ፡ መጐዓዝያን ካልእ መሳለጥያታትን ዝበሃል ስለዘየለ እዩ።
በቲ ቀደም ዝተገብረ ገምጋም (ስቶክ ኣሰስመንት) ካብ 80 ክሳብ 120 ሽሕ ይበጽሕ እዩ እቲ ክህሎት ይበሃል ነይሩ። ብኹሉ ዓይነታት ዓሳ ማለት እዩ። ዝበዝሕ ምናልባት ክቡር (ሃይ ቫልዩ) ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት ክንደይ ክንገፍፍ ክኢልና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ናብ ታሪኽ ምምላስ ግን ዘድልየና ስለዘይኮነ፡ ከም ብሓዲሽ እቲ ዝድለ ትሕተ ቅርጺ ተዋዲዱ፡ ዘድሊ ናይ ኤለትሪክን ማይን ኣገልግሎት ተማሊኡ፡ ነቲ ፍርያት ከነዕብዮ መዲብና ኣለና።
ናይ ሕርሻን ናይ ሃብቲ ባሕርን ጸጋታትና እናዕበናዮ ምስ እንኸይድ፡ ቊጠባ ይዓቢ ኣሎ ማለት እዩ። ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ እናተባህለ ተደጋጋሚ ዝዝረበሉ ኣርእስቲ ኣሎ። ውሕስነት መግቢ ከምዚ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ምብላዕ ማለት እዩ። ንሕና ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ከም ፍልስፍና ተቐቢልናዮ’ውን ኣይንፈልጥን። ትርፊ ምህርቲ ምኽዕባት እዩ ዕላማና። ናይ ሕርሻ ምህርትና ይኹን ናይ ባሕሪ ምህርቲ ብዝለዓለ ደረጃ ከነዕብዮ እዩ መደብና። መሬት ኣለና፡ ማይ ኣለና፡ ጸገም የብልናን። ግን ብግብሪ እቲ እነፍርዮ ዓመት ዓመት ዕብየቱ ብኣሃዛት ክንገልጾ ክንክእል ኣለና። ዳታና ኣኪብና፡ እዝን እዝን እዩ እቲ ስእሊ ኢልና ካብኡ ብኸመይ ንቕጽል እናነጸርናዮ ንኸይድ። መሬት ዝኣክል ኣለና፡ ማይ እውን ኣለና ንብል ኣለና። ቅድም ቀዳድም ነቲ ኣለና ንብሎ ዘለና መሬት ክንፍውሶ ክንክእል ኣለና። እዚ ናይ ፍወሳ ኣርእስቲ ካችመንት ትሪትመንት ዝበሃል ዓቢ ዕማም እዩ። ኣብዚ ክንድዚ ስቡሕን ሰፊሕን መሬት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ትኽእል። ብኣድማዕነት ክትጥቀመሉ ግን ናይ ፍወሳ መደባት ከተተግብር ኣለካ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ዘድሊ ካልእ ዳታታት ጂኦግራፊያዊ በሎ ጂኦሎጂያዊ ናይ ክሊማን ሓመድን ሓበሬታታት ክትእክብ ክትክእል ኣለካ። ዝተፈላለዩ ንጠሊ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ኣለዉ። ቆላታት ምዕራባውን ምብራቓውን ከም ሓደ ክፋል ክትወስዶ ትኽእል። ከበሳታት ኣሎ። ኣብ መንጎ እውን ምብራቓውን ምዕራባውን ኣጻድፍ ኣሎ። ኣብዚ ዘሎ ማይክዖታት ኩሉ ክሳብ’ቲ ዝነኣሰ ማይ ክዖታት ክፍወስ ክኽእል ኣለዎ። ምፍዋስ ማለት፡ ንከትርታት፡ ዛላታት፡ ዝተፈላለየ ትሕተ ቅርጺታት እንተላይ ምግራብ ዘጠቓለለ እዩ። ራህያታት፡ ሓጽብታት ንኣሽቱ ማእከሎት ዓበይቲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክህነጽ ኣለዎ። ድሮ ተተግቢሮም ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን። ግን ብስፍሓት ክቕጽል ዘለዎ እዩ። ዝተፈላለየ ነባሪ ቅርጽታት እናቐመጥና መልክዕ መሬትና ክንቅይሮ ክንክእል ኣለና። ማይ ሃሪሙ ሒዙዎ ዝኸይድ ሓመድ ክህሉ የብሉን። ከም ኣብነት ተሰነይ ከይድካ ምርኣይ ይከኣል እዩ። ጋሽ ሓጺብዎ ዝኸይድ ዘሎ ሓመድ ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ምሉእ ምቁጽጻር ከተእትዎ ኣለካ። ስለዚ ብሃገር ደረጃ ኣብ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ቆላታት፡ ከበሳታት፡ ኣጻድፍ ዘድሊ ቅርጽታት ዓመት ብዓመት እናተተግበረ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ ከምዝበጽሕ ክግበር እዩ። መናድቕ እናሰራሕና፡ ከትርታት ብፕሪካስት ብኣእማን እናሰራሕና ከነካይዶ ንኽእል ኢና። እዚ ዕማም’ዚ ብሚሳላዊ ኣጠማምታ ንማይ ክዖታትና ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተቛጻጺርናዮ ኣለና ክሳብ እንብለሉ ደረጃ ዘየቋርጽ እዩ። ንእሽቶ ማይ ኮረር ትብል ስንጭሮ ከይተረፈት ተቛጻጺርናያ ክሳብ ደረጃ ክንበጽሕ ኣለና። ነዚ ምኽዕባት ምህርቲ ንብሎ ዘለና ዕላማ፡ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ምሉእ ምቊጽጻር መሬትናን ማይ ክዖታትናን እዩ።
ይቕጽል . . .