ቃለ ቡራኬ ብምኽንያት በዓል ልደት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

“እስመ ናሁ እዜንወክሙ ዐቢየ ዜና ፍሥሓ ዘይከውን ለክሙ ወለኩሉ ዓለም።” ሉቃ ፪ ፥ ፲

“እንሆ ንኣኻትኩምን ንኹሉ ዓለምን ደስ ዘብል ብሥራት አበሥረኩም ኣለኹ!” (ሉቃ 2፡10-11)

ክቡራንን ክቡራትን ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ዘለኹም ሕዝበ ክርስቲያን ብሓፈሻ ድማ ኵልኹም ሕዝበ ኤርትራ እንቋዕ ናብ በዓለ ልደት ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓኩም። ከም ኃጢኣትና ከይቀጽዐ፡ ብዓቢይ ምሕረቱን ብዙኅ ርኅራኄኡን ነዊኅ ትዕግሥቱን ዘብጽሓና ልዑል እግዚአብሔር ምስጋና ይብጽሓዮ።

“ቀዳማዊ ዘእንበለ ትማልም፡ ማእከላዊ ዘእንበለ ዮም፡ ደኃራዊ ዘእንበለ ትማልም” ማለት ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ጠባይ ሕፃናት ሓልዩ ሕፃን ኮይኑ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደሉ ዕለት፡ ልክዕ ሎሚ ከምዝኾነ ገይርና “ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ

ልደቱ ለክርስቶስ / ሎሚ ብልደት ክርስቶስ ሓጐስ ኮነ” ብምባል “ሎሚ” እናበልና ነኽብሮ ኣሎና።

እንሆ እግዚአብሔር ኣምላኽና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፡ ባህርየ ሰብ ተዋሒዱ ሰብ ኮይኑ ንኽውለድ ምኽንያት ዝኾኖ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ብዝፈጸሞ በደል እዩ። ግናኸ ክሳዕ እቲ ንኣዳም ዝሃቦ ተስፋ ሕይወት ዝፍጸም ካብ ኣዳም ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ ደቂ ሰባት ኣብ ትሕቲ ባርነት ኃጢኣት ብፍዳን ኵነኔን እናተሳቐዩ ይነብሩ ነበሩ። ‘ወአመ በጽሐ ጊዜሁ ፈነወ እግዚአብሔር ወልዶ ወተወልደ እምብእሲት/ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ንወዱ ለኣኾ’ሞ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ’(ገላ. ፬፡፬/4፡4) ከምዝብል እቲ ጊዜ ምስ በጽሐ

ግና ብዑለ ጸጋ ክርስቶስ ኣብ መብልዕ ማል ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ። ብልደቱ ድማ ተነጊሩ ዘይውዳእ ሠናይ ኮነ።

  1. ብልደቱ ዓቢይ ብሥራትን ሓጐስን ተኣወጀ። ልደት ጐይታ ቅድሚ ኵሉ ዝተበሥሩ ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት እዮም። መልኣኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ “እንሆ ንኣኻትኩምን ንኹሉ ዓለምን ደስ ዘብል ብሥራት አበሥረኩም ኣለኹ።!!” ምኽንያቱ ድማ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ተወሊድልኩም ኣሎ” እናበለ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘርኅቕ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዝዕድል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ሎሚ ብምውላዱ፡ ንዅሉ ሕዝቢ ዓቢይ ሓጐስ ከምዝኸውን ኣበሠሮም። እቶም ጓሶት ድማ ቀልጢፎም ናብ ቤተ ልሔም ብምኻድ ንጐይታን ንኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ረኺቦም፡ ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑን ንሕዝቢ እናነገሩን ተመልሱ። (ሉቃ 1፡10-11) ነዚ መሠረተ ብምግባር ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብዓቢይ ሓጐስ “ቤዛ ኵሉ ዓለም ዮም ተወልደ!” ዝብል ጣዕመ ዜማ ልደተ ክርስቶስ እናኣበሠረት ትርከብ ኣላ።
  2. ብልደቱ ምስጋና ኮነ። ብዙኃት ሠራዊተ ሰማይ መላእክት ‘‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ/ ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም’ እናበሉ ምስቶም ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ሠሚሮም ኣመስገኑ።” (ሉቃ. ፪፥፲፫/ 2፥13) ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ ከምዚ ይብል “ዮም አሐደ መርዔተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ አሚን፡ ሎሚ መላእክትን ሰብን ንክርስቶስ ምእንቲ ከመስግኑ ሓደ መጓሰ (ማኅበር) ኮኑ” (መጽ. ድጓ) በዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ‘ውን ከም መላእኽትን ደቂ ሰባትን እቶም እንስሳታት ከይተረፉ “ዮም ተወልደ ቤዛ ኵሉ ዓለም፡ ዮም ተወልደ ከሣቴ ብርሃን፡ ዮም ተወልደ መድኃኔ ዓለም/ በጃ ኵሉ ዓለም ኮይኑ ብርሃን ዝህብ መድኃኔ ዓለም ሎሚ ተወልደ።” እናበሉ ብምምስጋኖም፡ ብሓፈሻ እዛ ዕለት’ዚኣ ኵሉ ፍጥረት ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኑ ንጐይታኡ ዘመስገነላ ዓባይ ዕለት እያ።
  3. ብልደቱ ሰላምን ዕርቅን ኮነ። ተጋሪዱ ዝነበረ ጽኑዕ ናይ ጽልኢ መንደቅ ተቐንጢጡ፡ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን፡ መላእክትን ሰብን፡ ነፍስን ሥጋን፡ ሕዝብን ኣሕዛብን ዕርቂ ኮነ። ነዚ እዮም ድማ ቅዱሳን መላእክት “ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን” ዝበሉ።
  4. ልደቱ፡ መዓልቲ ህያብ እያ። ሰማያውያን ቅዱሳን መላእክት ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር’ እናበሉ ህያብ ምስጋና ከቕርብሉ ከለዉ፡ ብኮከብ እናተመርሑ ዝመጹ ምድራውያን ሰብአ ሰገል ድማ ወርቂ፡ ዕጣንን ከርቤን ሃብዎ።

እምበኣር ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ መወዳእታ በዓል ልደተ ክርስቶስ በብዓመቱ ከነኽብሮ ከለና፡ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዘና፡ በረኸት ክንረኽበሉ ምእንቲ፡ ዓቕምና ብዘፍቕዶ ንጽጉማት ክንረድእ፡ ንስኡናት ከነካፍል፡ ኅዙናን ክንናዝዝ፡ ሕሙማት ክንበጽሕን፡ ንዝዓረቑ ክንከድንን፣ ግላዊ ሓሳብ ኣወጊድና ብማእሰር ፍቕሪ ተኣሣሢርና ሓድነትና ኣጠንኪርና ጽኑዕ ተስፋ ሰኒቕና ክንርከብ ከሎና እዩ። ንቤተ ክርስቲያንና ከነጽንዕ፣ ሃገርና ከነልምዕን ክንሕልውን ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ እዩ እሞ መድኃኔ ዓለም በዓልና በዓል ሓጐስ ገይሩ ንሃገርናን ንምሉእ ዓለምን ሰላሙ ይሃበልና፣ ዝተባረኸን ዝተቀደሰን በዓለ ልደት ድማ ይግበረልና።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ፡

6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ!!!

ታኅሣሥ ፳፻፲ወ፰ ዓ.ም. (2026 ፈ.)