ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካይዶ ቀጻሊ ዘመተ ምድዋንን ስይጠናን፣ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፡ ኣገልግሎት ትግርኛን ኣምሓርኛን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ዜና፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣስከሬን ፓስተር ተስፋይ ኣብ መበቆል ዓዱ ንኸይቅበር ከምዝኸልከለ ዝገልጽ ሓበሬታ ዘርጊሑ። እዚ ዘስደምም ውጹእ ሓሶት፡ ንድሩትነት ኣፍልጦ ናይዚ ማዕከን ዜና ኣብ ሕግታት እንዳባ ኤርትራን ኣገባባት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን ዘጉልሕ እዩ።
ምስዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምጥቃስ ኣገዳሲ ይኸውን፡ –
- ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ መካነ መቓብራት ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ስልጣን ናይተን ዝምልከተን እምነታት – ክርስትና፡ ምስልምናን ካልኦትን ዝመሓደራ እየን። ስለዝዀነ ኩለን እምነታት፡ ሰዓቢ ካልእ እምነት ኣብ መካነ መቓብረን ክቕበር ኣየፍቅዳን እየን።
- እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ብፍላይ ኣብ’ተን ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ክርስትያን ዝርከባ መካነ-መቓብራት ብዕቱብ ዝስርሓሉ እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ጎዳይፍ (መበቆል ዓዲ መዋቲ) ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ዝተኸተሎ ኣገባብ ዝተፈልየ ኣይኮነን።
- እዚ ኣብ መንጎ ኣብ ጎዳይፍ ዝርከብ ቤተክርስትያንን ስድራቤት መዋቲን ዘጋጠመ ምስሕሓብ እምበኣር ካብዚ ኣሽሓት ዓመታት ዘቑጸረ ኮማዊን ሃይማኖታዊን ልምዲ ዝነቐለ እዩ።
- ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ንነፍሲ-ወከፍ እምነት ዘገልግላ፡ ኣብ ትሕቲ ከፊላዊ ስልጣን ምምሕዳር ከተማ ዝመሓደራ፡ ዓበይቲ መካነ መቓብራት ኣለዋ። ኣብ ከምዚአን ዝኣመሰላ መካነ መቓብራት፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፡ ምምሕዳር ከተማ ምስ ዝምልከተን እምነታት ብምርድዳእ ስርዓተ ቀብሪ ሰዓብቲ ካልእ እምነታት ከምዝፍጸም ይገብር። በዚ መንጽር’ዚ፡ ኣስከሬን መዋቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ሓመድ ኣዳም ከም ዝለብስ ተገይሩ።
- ኣብዚ ክስመረሉ ዘለዎ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ መሬትካ ምቕባር ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝብጽሖ ዜግነታዊ መሰል እዩ።
ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ነጥቢ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ መሬታ መካነ መቓብር ካልኦት ዜጋታትን እምነታትን ተደኲኑላ እትርከብ ሃገር እያ። ኣብ ኣስመራ፡ ከባቢ ቤት ገርግሽ፡ ዝርከብ ብመቓብር ህንዲ ዝፍለጥ ሬሳ ዝቃጸለሉ ቦታ (Crematorium) ከኣ ናይዚ ህያው ኣብነት እዩ።
ስለዚ፡ እዚ ብማዕከን ዜና ቢቢሲ፡ ኣገልግሎት ትግርኛን ኣምሓርኛን፡ ዝተዘርግሐ ናይ ሓሶት ዜና ዘስደምምን ዘይቅቡልን እዩ። እዚ ማዕከን ዜና፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኽተሎ ተጻባኢ ፖሊሲን፡ ኣብ ኣሉታዊ ፍጻመታት ጥራይ ዘድሃበ ዜናዊ ሸፈነን ንእከይ ኣጀንዳኡ ዘጉልሕ እዩ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ