Business is booming.

ዕራቘቱ ዝወጸ ውዲት

እቶም ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ ክሳብ ሕጂ መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ሰፊሕ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ዝፈጸሙ፣ ሎሚ’ውን እንተኾነ ዕብለላኦም ንምውሓስ ህዝብታት ሓድሕድ ኣብ ምንቛት ተጸሚዶም ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ቅልውላው፡ ተሰልቢጦም ብሰብኣውነት ዝመጻደቕሉ ግርምቢጣዊ ዓለም’ዩ ጸኒሑ።

ሎሚ ሎሚ ግና፡ ንቕሓት ህዝብታትን መንግስታትን ዓለም እናበረኸ፡ ኣመለኻኽታ ሰባት እናሰፍሐ፡ በዳሂ ርእይቶታት እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ፡ ፖለቲካ “ሰብኣዊ መሰል”፣ “ሰብኣዊ ሓገዝ”፣ “ናጽነት ፕረስ” “ሓርነት እምነት” ወዘተ. ከምቲ ኣብ ጽውጽዋያት ሃንስ ክርስትያን ኣንደርሰን ዝርከብ “ጥራሕ ነብሱ ዝኸደ ንጉስ” ምስሉይነቱ ዝቕልዓሉ እዋን በጺሕና ኣሎና።

ኣብ ጽባሕ ህዝቢ ኤርትራ ሰማእታቱ ዝዝከረሉ ዕለት፡ 21 ሰነ 2023፡ “ስፐሻል ራፑርተር” ዝተሰምየ ንኽቡር ስም ናይዚ ምእንቲ ሃገራዊ ክብረቱን ሰብኣዊ መሰሉን ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ክድውን ዝቘመ ኣካል፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ዝደጋግሞ ጸብጻቡ (መሰልቸው ልቢ ወለድ ድርሰቱ) ኣቕሪቡ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ጸብጻቡ ካብ ዝተጋህደ ሓቅታት፡ ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ ዝተሃቀነ ዕንደራን ፍሽለቱን ኣዕሪጉዎ ዘሎ ጭንቀት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጠሮ መርዘን ምጥቃስ ይከኣል።

ስፐሻል ራፑርተር ድርሰቱ ምስ ኣቕረበ፡ ከም ወትሩ፡ እቶም ዝመዘዝዎ ኣካላት፡ ንስርሑ ሞጒሶም፡ እቲ ጠቐነ እናተሓደሰ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ጸቕጢ ክቕጽል ጸዊዖም። ብኣንጻሩ፡ ካብ ሓያሎ ወከልቲ ሃገራት ዝተሰምዐ ግብረ መልሲ “ሰብኣዊ መሰል መሳርሒ ፖለቲካዊ ዕላማታት ኣይንግበሮ” ዝብል ነቐፌታን ንፍዂሰት ናይቲ ጸብጻብ ዘቃልዕ ሓሳባትን እዩ።

ወኪል ኢራን ከምዚ ክትብል ርእይቶኣ ገሊጻ ።

“ንስፐሻል ራፑርተር ክንሓቶ ንደሊ ነገር ኣሎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰንኦ እገዳ ስለምንታይ ኣብ ጸብጻቡ ዘየእተዎ? ንነዊሕ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተስገደደ እገዳ፡ ኣብ ልምዓት ዘውርዶ ማህሰይቲ ኣብቲ ጸብጻብ ክጠቓለል ነይሩዎ ዝብል እምነት ኣሎና። እ ዚ ጸብጻብ’ዚ ንኹነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝምልከት እንተኾይኑ፡ ናይ ትግራይ ጉዳይ እንታይ ኣምጽኦ? ንሱ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝግደፍ እምበር፡ ኣብዚ ጸብጻብ’ዚ ዝኣትወሉ ምኽንያት ኣይርኣየናን።”

ወኪል ብሩንዲ፦ ኤርትራ ምስዚ ቤት ምኽሪን ኣልያታቱን እትገብሮ ዘላ ምትሕብባር ብዝመልክት ጭቡጥ ኣብነታት ብምቕራብ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብቐጻሊ ዘይርትዓዊ ጸብጻባት ክንሰምዕ ንቕሰብ ኣለና።

ወኪል ቻይና፦ ብገለ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክውሰድ ዝጸንሐ በይናዊ ስጉምቲ፡ ሰብኣዊ መሰል ንምርግጋጽ ንዝካየድ ጻዕሪ ዘዕኑ እምበር ዝድግፍ ስለዘይኮነ፡ ብቕልጡፍ ክልዓል ኣለዎ ንብል።

ወኪል ሩስያ፦ ብመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቐጻሊ ዝካየድ ጸቕጢ ኣርባሒ ኣይኮነን ዝብል እምነት’ዩ ዘለና።

ወኪል ሶርያ፦ ሰብኣዊ መሰል ንፖለቲካዊ ጥጅእ ዘገልግል ክኸውን የብሉን። ከምኡ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰል ሓጋዚ ኣይኮነን።

ወኪል ኩባ፦ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ንፖለቲካዊ ዕላማታት ምግልጋል፡ ንገለ ወገን ነጺልካ ምጥቃዕን ድርብ ዕያርን መመሊሱ ክስገር ዘይክእል ዕንቅፋታት ጥራይ’ዩ ዝፈጥር።

ካልኦት ሓያሎ ወከልቲ ሃገራት እውን ንጸብጻብ ስፐሻል ራፑርተር ሚዛን ኣይሃቡዎን። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዓመት መጸ ኣብ ቅንያት ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ዝቐርብ ጸብጻብ፡ ንኽቡር ታሪኽን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ጸለሎ ብምቕባእ፡ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ኣመሪካን መሻርኽታን ዘገልግል ብስም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ውሳነ ንምሕላፍ’ዩ። የግዳስ፡ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ከም ዝበሃል ንቕሓት እናቐደመ፡ ብ‘ሓልዮት’ ሰብኣዊ መሰል ዝተጠጅአ ውዲት ዕራቘቱ እናተቐልዐ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More